ኪነታዊ ብልሒ፡ ከም ሰብ ከፍቅር ክሓዝንን ክሻቐልን ይኽእልዶ - ብኸመይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካረን ሆብስ ዋዛ ብምቕራብ እያ እትፍለጥ።
ሓደ እዋን ዋዛ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን ግን፡ ካብ ካልእ ግዜ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ተዓዚባ።
ንፈለማ እዋን፡ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተጻሕፉ ዋዛታት እያ ተቕርብ ነይራ።
እቲ ህድኣት ዝነበሮ ሃዋሁ፡ ተመሊሱ ግርታ ፈጢሩላ።
ኣብ ሰማዕታ ዝነበረ ምድንጋር ምስ ተዓዘበት፡ "እቶም ዋዛታት ብቻትጂፒቲ ዝተጻሕፉ እዮም" ክትብል ተዛሪባ።
ዋዛታት ሓደ ካብቶም ኣዝዮም 'ሰብኣዊ' ተግባራት እዮም።
ልዕሊ ዋዛ፡ ምስ ሰብ ምዃን ብቐጥታ ዝተኣሳሰሩ ስምዒታት እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ንኽእል ኢና።
ፍቕርን ሓዘንን ከም ኣብነት ንውሰድ።
እቲ እናተራቐቐ ዝኸይድ ዘሎ ቴክኖሎጂ፡ ነዞም ስምዒታት ከርእዮም ይኽእል ድዩ?
ኣብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ኣሊሰን ፓወል፡ ብደቂ ሰባት ዝተጻሕፉ ዋዛታትን ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተፅሓፉን ኣነጻጺራ።
ሰባት ቅድሚ ዋዛ ምቕራቦም ይሓስቡ፣ ኣብ መድረኽ ምስ ወጹ ድማ ንሰማዕቶም እናረእዩ ዋዛታቶም ከስተኻኽሉ ወይ ኣቀራርባኦም ክቕይሩ ይኽእሉ።
ሰባት ዋዛታት ክነግሩ ከለዉ ዛንታ ይፈጥሩ፣ ይግረሙ፡ ከም ኣድላይነቱ ድምጾም ዓው ወይ ድማ ቀስ የብሉ።
ዋላ'ውን ነቲ ዛንታ ብናይ ኣካላት ምንቅስቓስ የሰንይዎ።
ኤኣይ- ነዚ ኽገብር ይኽእል ድዩ?
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማይንድፕሌክስን መስራቲ ኢኮግ ላብስን ሕሩይ ፀጋየ ቴክኒካዊ መብርሂ ክህበና ሓቲትናዮ።
ሰብ-ስርሖ-ብልሒ፡ መዓስ እዩ ከምቲ ደቂ ሰባት ዝገብርዎ ክገብር ዝኽእል? ሕሩይ ሰለስተ 'ኮንዶዀን' የቕርብ።
ክኢላታ'ዚ ዓውዲ፡ ኣብ 2035፡ 2045 ወይ ድማ ኣብ 2075 ከምቲ ደቂ ሰባት ዝገብርዎ ክገብር ይኽእል ድዩ ዝብል የልዕል።
"እቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎ ቴክኖሎጂ -ኤኣይ-፡ ገና ናብ 'ኣርቲፊሻል ሱፐር ኢንተለጀንስ' ወይ 'ሓፈሻዊ ብልሒ' ምስ ዝሰጋገር ጥራይ እዩ ደቂ ሰባት ዝገብርዎ ክገብር ዝኽእል" ይብል።
ነዚ ደረጃ፡ ዝለዓለ ደረጃ ኪነታዊ ብልሒ ክንብሎ ንኽእል።
ኪነታዊ ብልሒ ነቲ ንደቂ ሰባት 'ፍሉይ' ዝገብሮም ስምዒታት ከንጸባርቕ ይኽእል ድዩ? ብቢቢሲ ዝተሓተተ ሕሩይ ብዛዕባ ብልሓት ደቂ ሰባት ብምግላጽ እዩ ዝጅምር።
እስከ ክልተ መዳያት ብልሒ ደቂ ሰባት ንርአ- ይብል፤ 'ርትዓዊ ኢነተሊጀንስን' ን 'ስምዒታዊ/ኢሞሽናል ኢንተለጀንስ'ን።
ርትዓዊ ብልሒ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ተመኵሮ ህይወት ወይ ትምህርቲ እንብሎ ክኸውን ከሎ፡ ስምዒታዊ ብልሒ ብወገኑ ኣብ 'ዘይምኽንያታዊ' ስምዒታት ዝተመርኮሰ እዩ።
"ምፍቃር፡ ሰባት መዓስ ከም ዝርበሹ ምፍላጥ፡ ንሰባት ክንህቦም ዝግበኣና ስምዒታዊ ምላሽ ምርዳእ ኵሉ ኣብ 'ስምዒታዊ ብልሒ' ይካተት" ይብል ሕሩይ።
ደቂ ሰባት ምስ ርትዓዊ ብልሖም ስምዒታዊ ብልሒ ኣለዎም፡ ንኽልቲኡ ኣሳንዮም እዮም ዝነብሩ።
ኪነታዊ ብልሒኸ?
ብመሰረት ሕሩይ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እቲ ስምዒታውነት ይጐድሎ።
ብዘይ ስምዒታዊ ብልሒ ድማ ከም ሰብ ክሓስብ ኣይክእልን።
"ዋዛ ንውሰድ። ዋዛታት ስነ-መጐታዊ ቀመር ኣለዎም። ስምዒታዊ ወገን እውን ኣለዎም። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ነቲ ስነ-መጎታዊ ቀመር ክገብሮ ይኽእል እዩ። ቻትጂፒቲ፡ ላማን ካልኦት መተግበሪታትን ዋዛታት ክጽሕፉ ጀሚሮም ኣለዉ። ክንደይ ዝኣክል ዘስሕቕ እዩ? ስምዒታዊነት ስለ ዝጐድሎ ግን ፍጹም ኣይኰነን።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍቕሪ፡ ጓሂን ዋዛን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ክኢላታት፡ ኤኣይ ሰብኣዊ-ኣካል [ስጋዊ ተፈጥሮ] ስለዘይብሉ፡ ስምዒታዊ ብልሒ ክበጽሖ ከምዘይክእል ክምጕቱ እንከለዉ፡ ገለ ድማ መንነት ወዲ ሰብ ክላበስ ኣድላዪ ከምዘይኰነ ይምጕቱ።
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ "ኮድ ጥራይ እንተዀይኑን ከባቢኡ እንተዘይተረዲኡን፡ ብስምዒት ሕዋሳትና እንረኽቦ ጥበብ ክጐድሎ'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።
ኪነታዊ ብልሒ፡ ሰብ ክኸውን እንተዘይክኣለ'ኳ፡ ክመስል ኣይክእልን'ዶ?
እዚ ብልሒ፡ ስምዒት ክፈጥር እንተኽኢሉ ማለት ንፍቕሪ፡ ጓሂ፡ ወይ ዋዛ እንተተረዲኡ፡ ኣብ ፍቕሪ ዘለዉ ሰባት ዝገብርዎ እንተገይሩ፡ ወይ ብዛዕባ ሰባት ዋዛ እንተገይሩ፡ ሽዑ 'ከም ሰብ ክዋሳእ' ይኽእል'ዩ ዝብል ክትዕ ኣሎ።
እንተዀነ እዚ ካብ ምምሳል ሓሊፉ ካልእ ከምዘይኰነን ዋላ ርትዓዊ ብልሒ እንተተማህረ ስምዒታዊ ብልሒ ክበጽሖ ከምዘይክእልን ዝማጐቱ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







