ሰብ ሰርሖ ብልሒ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት እንታይ ኣበርክቶ ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, WHO
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሳራ ቋንቋታት ዓረብ፡ ቻይና፡ ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ህንዲ፡ ሩስያ፡ ፈረንሳን እንግሊዝን እትፈልጥ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ'ያ።
S.A.R.A.H ወይ ‘ሳራ’ (Smart AI Resource Assistant for Health)፡ ሶፍትዌር ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ኰይና፡ ተጠቀምቲ ብማይክራፎን መሳርሒኦም ኣቢላ ሕቶታት ትሰምዕን ትምልስን።
እቶም መልስታት ብኣኒሜሽን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ስክሪን እዮም ዝቐርቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ሕቶታቶም መልሲ ክረኽብሉ ዘኽእል፡ ሓድሽ ኣሰራርሓ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ኣበጊሱ።
እዚ መሳርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኣርእስታት ጥዕና ሓበሬታ ንምሃብ ዝተምሃዘ'ዩ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "መጻኢ ጥዕና ዲጂታላዊ'ዩ። ሳራ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ተጠቒምካ ተበጻሕነት ሓበሬታ ጥዕና ንምምሕያሽ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ኣፋፍኖት ዝህብ'ዩ" ኢሉ።
ኣብዚ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝያዳ መጽናዕቲ ክግበር ጸዊዑ'ዩ፤ ጐና ጐኒ ድማ ጥንቃቐ ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ።
"ሰብ ሰርሖ ብልሒ ጥዕና ህዝቢ ንምሕያል ዓቢ ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎ፡ ከም ፍትሓዊ ተበጻሕነት፡ ብሕታዊነት፡ ድሕነትን ቅኑዕነትን ከምኡ'ውን ምክልኻል መረዳእታን ኣድልዎን ዝበሉ ኣገደስቲ ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታት'ውን የልዕል’ዩ” ይብል።
ንምዃኑ፡ ሳራ ጽቡቕ ምኽሪ ትህብ ድያ?
ሰባት፡ ብተደጋጋሚ ምስ ጥዕና ብዝተሓሓዝ ካብ ሞንጐ ዘልዕሉዎም ሕቶታት ብኢንግሊዘኛ ሓቲትናያ።
ድሕሪኡ፡ እቲ ዝሃበቶ መልሲ ንምርግጋጽ ንሓኪም ተወኪስና።
1. ጥዕና ኣእምሮና ብኸመይ ነመሓይሽ?
ሳራ፡ ጥዕና ኣእምሮኻ ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ብዙሓት መንገድታት ኣለዉ።
ከም ርእሰ-ሓልዮት ምልምማድ፡ ካብ እትፈትዎም ሰባት ወይ በዓል ሞያ ሓገዝ ምሕታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከም ናይ ኣስተንትኖ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝኣመሰሉ ጸቕጢ ዘቃልሉ ንጥፈታት ምውፋር።
ብተወሳኺ፡ ንጥዕና ኣእምሮ ዝድግፉ ስትራተጂታትን ጸጋታትን ንምርካብ ውጥን ስራሕ ጥዕና ኣእምሮ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትከታተሉ እላቦ።
ከምኡ’ውን ልክዕ ከምቲ ንኣካላዊ ጥዕና እንገብሮ ተገዳስነት ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ቀዳምነት ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዑ።
2. ኣየኖት መግቢታት'ዮም ንጥዕና ዝጠቕሙ?
ሳራ፡ ንጥዕናና ዝጠቕሙ ብዙሓት መግብታት ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ሚዛናውን ዝተፈላለየን ኣመጋግባ ምህላው ኣገዳሲ እዩ።
ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ቅብኣት ዘይብሉ ፕሮቲናትን ኩሎም ኣገደስቲ ባእታታት ጥዕናዊ ኣመጋግባ እዮም።
ካብ ንዝተመስርሑን ልዑል ሽኮር ዘለዎምን መግቢታት ምድራት እውን ኣገዳሲ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ምልክታት መንሽሮ እንታይ'ዮም?
ሳራ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ኣለዉ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ምልክታት ኣለዎም።
ይዅን እምበር፡ ገለ ልሙዳት ምልክታት ኣለው፤ ዘይተገመተ ምጕዳል ክብደት ሰብነት፣ ድኻም ከምኡ’ውን ኣብ ኣካላትና ዘይተለምደ ዕንፍሩር ወይ ዕብየት ይርከብዎም።
ዝዀነ ዘተሓሳስብ ምልክታት እንተኣጋጢሙካ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድ ኣገዳሲ እዩ።
መንሽሮ ንምክልኻል እቲ ዝበለጸ መገዲ ሽጋራ ዘይምትካኽ፡ ካብ ኣልኮላዊ መስተ ምድራት፡ ሚዛናዊ ኣመጋግባ ምምጋብ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ጥዑይ ናብራ ምንባር እዩ።
ስሩዕ መርመራ ምግባር'ውን ብኣጋኡ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል።
4. ጥዕና መዓንጣ ስለምንታይ'ዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?
ሳራ፡ ጥዕና መዓንጣ፡ ንመሕቀቒ መግቢ፡ ምምጣጥ መኣዛታትን ስርዓተ ምክልኻልን ስለ ዝጸልዎ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕና ወሳኒ ተራ ኣለዎ።
ጥዑይ መዓንጣ ንናይ ስምዒትን ናይ ኣእምሮ ስራሕን እውን ከመሓይሽ ይኽእል እዩ።
ሚዛናዊ ኣመጋግባ ምምጋብ፡ ማይ ምስታይ፡ ዝተመስርሑን ሽኮራውን መግቢታትን ምውጋድን ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ገለ ጥዕና መዓንጣ ንምሕላው ክሕግዙ ይኽእሉ።
5. ምሕርናኽ ብኸመይ ደው ነብል?
ሳራ፡ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሓያሎ መገድታት ኣለዉ።
ከም ክብደት ሰብነት ምጉዳል፡ ብጐድኒ ምድቃስ፡ ቅድሚ ምድቃስካ ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ፡ ከምኡ’ውን ምዕሩይ ድቃስ ምልምማድ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ መገዲታት'ዮም።
ምሕርናኽ ደው እንተዘይኢሉ ግን፡ ምልክት ምቍራጽ ምስትንፋስ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንበዓል ሞያ ጥዕና ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
6. ጠንቂ ልዑል ጸቕጢ ደም እንታይ'ዩ?
ሳራ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ብብዙሕ ረቛሒታት ማለት- ከም ምትካኽ ሽጋራ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ፡ ጸቕጢ፡ ከምኡ’ውን ጥዕና ዘይብሉ ኣመጋግባ ክመጽእ ይኽእል።
ካልኦት ሓደጋታት ዘስዕቡ ረቛሒታት ድማ ጀነቲክስ፡ ዕድመን ሕዱር ሕማምን ምኽንያት ክዀኑ ይኽእሉ።
ስለዚ፡ ጸቕጢ ደምካ ብቐጻሊ ምክትታልን ኣብ ኣነባብራ ለውጢ ምግባርን ልዑል ጸቕጢ ደም ናይ ምምዕባል ሓደጋ ንምንካይ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።
7. ጠንቂ ትሑት ጸቕጢ ደምከ እንታይ'ዩ?
ሳራ፡ ትሑት ጸቕጢ ደም (hypotension) ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክመጽእ ይኽእል።
ምውሓድ ማይ፡ ጸገማት ልቢ፡ ጸገማት ኢንዶክራይን፡ ሕጽረት ኣመጋግባን ዝተወሰኑ መድሃኒታትን ክመጽእ ይኽእል። መሰረታዊ ጠንቂ ንምፍላጥን ግቡእ ሕክምና ንምርካብን ምስ በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ።
8. ስፖርት ኣብ ጥዕናና ዘለዎ እወንታዊ ጽልዋ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳራ፡ ስፖርት ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ብዙሕ ኣወንታዊ ጽልዋታት እዩ ዘለዎ።
ጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን ከመሓይሽ፡ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን ከሐይል፡ ጸቕጥን ጭንቀትን ከጕድል፡ ርእሰ-ምትእምማን ከዕቢ ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ስምዒት ዓወት ክህብን ሓፈሻዊ ስምዒት ከመሓይሽን ይኽእል።
ውልቃዊ ስፖርት ኣብ ልምድኻ ከተእትዎ እንተደሊኻ፡ ከም ጉያ፡ ምሕንባስ ወይ ብሽክለታ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክትጅምር እላቦ።
ወትሩ፡ ንኣካላትካ ክትሰምዕን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ዕረፍቲ ክትወስድን ኣይትረስዕ።
9. ከመይ ጌርና ካብ ሒቕታ ንገላገል?
ሳራ፡ ሒቕታ ኣዝዩ ዘሕርቕ ነገር'ዩ፤ እዚ ንምክልኻል ዘኽእሉ ውሑዳት ጥበባት ግን ኣለዉ።
ን10 ካልኢት ትንፋስካ ምግታእ፡ ቀልጢፍካ ማይ ምስታይ፡ ወይ'ውን ሰብ ከፍርሓ ክትፍትን ትኽእል።
ካልእ ክትፍትኖ እትኽእል ብልሓት ኣሎ፤ ከም ብርክኻ ናብ ኣፍልብኻ ምስሓብ ወይ ድሕሪት ክሳድካ ቀስ ኢልካ ምሕኻኽ።
ካልኦት መገዲታት'ውን ኣለው፤ ንኣብነት ብርክኻ ናብ ኣፍ ልብኻ ምጽጋዕ ወይ ድሕሪት ክሳድካ ምድራዝ፣ ማንካ ሻሂ ሽኮር ምቝሓም ወይ ቪነጋር ምስታይ ክሕግዙ ይኽእሉ።
እዚ ድማ ኣብ ጐረሮኻ ንዘሎ መትንታት ከነቓቕሕን ነቲ ሒቕታ ደው ከብሎን ይኽእል።
ንነብስኻ፡ ኣብ ሓደ ዕማም ወይ ንጥፈት ብምትኳር ንርእስኻ ከተዘናግዓ ምፍታን'ውን ይሕግዝ። ሓሓሊፉ ድማ፡ ቀስ ኢልካ፡ ዓሚቝ ምትንፋስ'ውን ካልእ ተወሳኺ ብልሓት እዩ።
ካብዚኦም እቲ ሓደ'ኳ እንተዘይሓጊዙካ፡ መሰረታዊ ጠንቅታት ሒቕታ እንተሎ ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ድማ ካርበን ዘለዎ መስተ ወይ ቀመማዊ መግቢ ምውጋድ፡ ጸቕጥን ጭንቀትን ምቍጽጻር፡ ከምኡ’ውን ምሉእ መዓልቲ ማይ ምውሳድ ከጠቓልል ይኽእል።
እቲ ሒቕታ ንልዕሊ 48 ሰዓታት እንተቐጺሉ ወይ ብተደጋጋሚ እንተተራእዩ፡ በዓል ሞያ ጥዕና ምምኻር ኣድላዪ እዩ።
ገምጋም ሓኪም
ሓደ ክኢላ ሕክምና፡ ምኽሪ ሳራ ክግምግሞ ሓቲትናዮ።
ዶክተር ማይክል ሙልሆላንድ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሮያል ኮሌጅ ናይ ክብሪ ጸሓፊ ሓፈሻዊ ሕክምና እዩ።
"እዚ መሳርሒ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝህቦ መልስታት ብቐንዱ ርትዓዊ፡ ሓፈሻዊ ምኽሪ ብዛዕባ ጥዕናን ጽቡቕ ህይወትን፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ምስ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ዘተኣሳስር፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣገባባት ርእሰ-ሓልዮት ዝምዕድ፡ ከምኡ'ውን ሰባት ዝዀነ ስክፍታታት ምስ ዝህልዎም መዓስ ምስ ሓኪሞም ክራኸቡ ከም ዘለዎም ዝሕብር ይመስል" ክብል ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







