ኣብ ኣኽሱም ብርእሲ ዝተጣበቓ መናቱ ተወሊደን

ብርእሲ ተጣቢቐን ዝተወልዳ ቈልዑ

ምንጪ ስእሊ, Axum comprehensive hospital

ኣብ ኮምፕረሀንሲቭ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ሓንቲ ኣደ ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወለዳ መናቱ ከምዝሓረሰት መዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ ተኽለሃይማኖት ንቢቢሲ ገሊጹ።

እታ ኣደ ኣብ ከባቢታት ከተማ ኣኽሱም ካብ ዝርከብ መደበር ጥዕና ናብቲ ሆስፒታል ‘ሪፈር’ ተባሂላ ከምዝመጽአት ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ቅድሚኡ ምክትታል ጥንሲ ትገብር’ኳ እንተነበረት ብኣልትራሳውንድ ዝተሓገዘ ስለዘይነበረ ግን ኣብ ከብዳ ዝተጣበቓ ዕሸላት ከምዘለዋ ኣይትፈልጥን ነይራ ኢሉ።

ሓካይም እቲ ሆስፒታል ኵነታት ናይታ ኣደ ምስተረድኡ ብመጥባሕቲ ክትሓርስ ከምዝገበሩን ኵነታት ጥዕና እታ ኣደ ምስ ደቃ ኣብ ጽቡቕ ከምዘሎን’ውን ዶ/ር ጸጋይ ተዛሪቡ።

ይዅን እምበር እተን ቈልዑ ርእሰን ተጣቢቑ ዝተወለዳ ስለዝዀና ‘ገለ ክፋል ሓንጐል ክካፈላ’ ስለዝኽእላ ተወሳኺ ምርመራታት ከምዘድልየን ሓቢሩ።

ንግዜኡ ኣብ ክፍሊ ‘ኣይሲዩ’ ከምዘለዋን ከም ሲቲ ስካን ዝኣመሰሉ ናይ ራድዮሎጂ ምርመራታት ስለዘድሊ ግን ናብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ክትለኣኽ ይሓስቡ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ተጣቢቘም ዝውለዱ ቈልዑት ሓደ እቲ እንቋቍሖ ናይታ ኣደ ብልክዕ ኣብ ክልተ ዘይተመቐለ ክተርፍ እንከሎ፡ ወይ ድማ እቶም መናቱ ቈልዑ ገለ ክፋሎም ብምስሕሓብ ክሳዕ ምጥባቕ ክኸይድ ከምዝኽእል’ዩ እቲ መዲካል ዳይሬክተር ዝገልጽ።

እታ ኣደ ቅድሚኡ ክልተ ቈልዑ ከምዘለዋ ዝሓበረ ዶ/ር ጸጋይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኲናት ናውቲ ሕክምና ስለዝዓነዉ እምበር ኣቐዲማ ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ ገይራ ኵነታት ናይተን ቈልዑ እንተዝፍለጥ ነይሩ ክሳዕ ናይ ጥንሲ ምውራድ ስጕምቲ ክውሰድ ይከኣል ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

ድሕሪ እቲ ኲናት ናብቲ ሆስፒታል መጺኤን ዝሓርሳ ኣደታት ኣብ ዝወልድኦም ቈልዑ ፍሉይ ተርእዮታት ከምዘሎ’ውን እቲ መዲካል ዳይሬክተር ሓቢሩ።

“ብዙሓት ናይ ኣፈጣጥራ ጸገም ዘለዎም ቈልዑ’ዮም ዝመጽኡና ዘለዉ። ንኣብነት ተጣቢቐን ዝተወለዳ ቈልዑት ርኢና ኣለና። ርእሲ ዘይብሎም፣ ዓንዲ ሑቐ ዘይብሎምን ካልኦትን የጋጥመና ስለዘሎ ኣብቲ መንቀሊ ተወሳኺ ምርመራታት ምክያድ ከድሊ ይኸውን’ዩ” ኢሉ።

ምስቲ ኲናት ተዛሚዱ ዝተደርበዩ ኬሚካላት ካብኡ ሓሊፉ’ውን ስእነት እኹል መግቢ ዝፈጠሮም ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ፣ እንተዀነ ቀንዲ መንቀሊ እቲ ጸገም ንምፍላጥ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ክግበር ከምዘለዎ’ዩ ዝመክር።

“ኣነ ሓኪም ኰይነ ስራሕ ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ’ዩ ኣጋጢሙኒ” ዝበለ ዶ/ር ጸጋይ፡ ብዛዕባ ተጣቢቘም ዝውለዱ ህጻዉንቲ ካብ መጽሓፍ ብንባብ ዝረኸቦ እንተዘይኰይኑ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

እቲ ክስተት ካብ 2.5 ሚልዮን ዝውለዱ ቈልዑ ሓንሳብ ዘጋጥም ከምዝዀነን ስድራ እተን ህጻውንቲ ነቲ ኵነታት ንምቕባል ተጸጊሞም ከምዘለዉን’ውን እቲ መዲካል ዳይሬክተር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራ'ውን ብተመሳሳሊ ብርእሲ ተጣቢቐን ዝተወልዳ ቈልዑ ዝምልከት ሓበሬታ ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እተን ቈልዑ ኣብ ከረን ዝተወልዳ ኰይነን፣ ንሕክምና ናብ ኣስመራ ከምዘተላእካን፣ ደሓር ከኣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝመደበሩ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘጋጠሞም ቈልዑ ሕክምናዊ ሓገዝ መጥባሕቲ ዝገብር ትካል ግብረሰናይ ብዘረኸባኦ ዕድል ናብታ ሃገር ከምዝኸዳ ይዝከር።