ስለምንታይ'ዩ ውቅያኖስ እናጸልመተ ዝመጽእ ዘሎ?

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዕሊ ሕሙሺን ክፋል ዓለማዊ ውቅያኖስ ጸልሚቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዕሊ ሕምሲት ክፋል ዓለማዊ ውቅያኖስ ፀልሚቱ ከምዘሎ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኒቨርሲቲ ፕሊማውስ ዝተገብረ መፅናዕቲ የመልክት።

እዚ "ምፅልማት ውቅያኖስ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኵነታት፡ ኣብ ጽፍሒ ውቅያኖስ ዝመጽእ ለውጢ፡ ብርሃን ናብቲ ማይ ንኽኣቱ ከጸግሞ ከሎ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ።

እዚ ላዕለዋይ ክፋል 'ፎቲክ ዞን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ 90 ሚእታዊት ካብ ኵሉ ህይወት ባሕሪ ዝነብረሉ ኰይኑ፡ ጥዑይ ዓለማዊ ስነ-ህይወት ዑደታት ንምዕቃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ኣብ 'ግሎባል ቸንጅ ባዮሎጂ' ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ 2003ን 2022ን፡ 21 ሚእታዊት ዓለማዊ ውቅያኖስ ከምዝጸልመተ ኣረጋጊጹ።

ውቅያኖስ ዝፅልምት ዘሎ ስለምንታይ እዩ?

ምኽንያታት ምፅልማት ውቅያኖስ ካብ ከም ለውጢ ዳይናሚክስ ዕምባባ ኣልጋልን ምዝንባል ሙቐት ገጽ ባሕርን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይግምት።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፀልማት ዝረአ ኰይኑ፡ ብመኣዛታት ዝሃብተመ ማይ ናብ ላዕሊ ዝድይብን ምውሳኽ ዝናብ ድማ ንዋሕዚ ሕርሻን ድዅዒን ካብ መሬት ናብ ማይ ብምጽራይ ንዕምባባታት ይምግቦ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ብለውጢ ክሊማ ዝተደፋፍአ ብርቱዕ ዝናብ ዝያዳ ልሙድን ጽዑቕን እናኾነ ይመፅእ ኣሎ።

ምጽላም ውቅያኖስ ምስ ምውሳኽ ሙቐት ገጽ ባሕሪ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል፤ እዚ ድማ ነቲ ብርሃን ዝዓግት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

ኣየኖት ከባቢታት እዮም ተጸልዮም ዘለዉ?

ምዝንባል ሙቐት ገጽ ባሕሪ ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ምጽልማት ባሕሪ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ መጽናዕቲ ካብ ጠቕላላ ውቅያኖስ ልዕሊ 9 ሚእታዊት ማለት'ውን ክንዲ ናይ ኣፍሪቃ ዝኸውን ስፍሓት ዘለዎ ማያዊ ኣካል ዓለም መጠን ብርሃን ብልዕሊ 50 ሜትሮ ከምዝነከየ ኣረጋጊጹ።

እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፡ ዝበዝሕ ርኡይ ለውጢ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ወሽመጥ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ኣርክቲክን ኣንታርክቲክን ከምዝተራእየ ዝሓበረ ኰይኑ ብሰንኪ ምዝንባዕ ክሊማ ጐሊሑ ዝረአ ለውጢ ዘጋጠመ ከባቢታት ፕላኔት'ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ገማግም ባሕርን ባሕሪ ባልቲክን'ውን ጸልማት ብሰፊሑ ተራእዩ ከምዘሎ ይጠቅስ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ምጽላም ውቅያኖስ ኣብ ዞባታት ገማግም ባሕሪ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ነቲ ማእከል ውቅያኖስ እውን ከም ዝጸሉ ይሕብር።

ይኹን እምበር ኩሉ ክፋላት ውቅያኖስ ጸልማት ከምዘይኰነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣስታት 10 ሚእታዊት ማያዊ ኣካል በሪሁ'ሎ።

ብመሰረት ጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ዝተሓዋወሰ ስእሊ፡ ንዝተሓላለኸ ስርዓታት ውቅያኖሳትን ንንጹርነት ማይ ዝጸልዉ ብዙሓት ረቛሒታትን ዘንጸባርቕ እዩ።

ንህይወት ባሕሪ ብኸመይ ይጸልዎ?

ቅኑዕ ትርጉም ናይቲ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ብብዝሒ ዓሌታት ባሕርን ኣገልግሎት ስነ-ህይወትን እታ ፕላነት ክጽሎ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይዛረቡ።

"ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ገጽ ውቅያኖስ ብኸመይ ሕብሩ እናተቐየረ ከምዝመጽአ ዘርኢ መጽናዕቲ ተኻይዱ'ዩ፤ እዚ ድማ ብሰንኪ ለውጢ ማሕበረሰባት ፕላንክተን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዕቃበ ባሕሪ ዶክተር ቶማስ ዳቪስ።

"ዝረኸብናዮ ውጽኢት ግን ከምዚ ዓይነት ለውጢ ንህይወትን ብዝሕን ኣብ ጸሓይን ወርሕን ዝምርኮሱ እንስሳታት ንዝረኽብዎ መጠን ብርሃን ከም ዝቕንስን ሰፊሕ ጸልማት ከም ዘስዕብ መርትዖታት ይህብ።"

እዚ ላዕለዋይ ቀጸላ ማይ መብዛሕትኡ ህይወት ባሕሪ ዝነብረሉ ኰይኑ፡ 'ፋይቶፕላንክተን' ዝበሃሉ ተኽሊ ዝመስሉ ህይወታውያን ስርዓት-መግቢ ዝሰርሕሉ ቦታ እዩ።

እዞም ደቀቕቲ ህይወታውያን መሰረት ናይቲ ሰንሰለት ስርዓት-መግቢ ኮይኖም፡ እኹል ብርሃን ጸሓይ ስለዘድልዮም ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ ክርከቡ ይኽእሉ።

ነዚ እዩ ድማ ብዙሓት ፍጥረታት ባሕሪ ኣብቲ ብዙሕ መግቢ ኣብ ዘለዎ ዞባታት ፎቲክ ዝሃድኑን ዝራብሑን። ፋይቶፕላንክቶናት እውን ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝርከብ ኦክስጅን ዘመንጩ ኰይኑ ንዑደት ካርቦንን ህይወት ውቅያኖሳትን ወሳኒ እዩ።

ብሓቂ ሻቕሎት ዝፈጥር ድዩ

ሞዴላት ጨረርታ ጸሓያውን ወርሕን እውን ተጠቒሞም

ምንጪ ስእሊ, University of Plymouth

ዶክተር ዴቪስ፡ ምጽልማት ውቅያኖሳት፡ ደቂ ሰባት ኣብ ዘስተንፍስዎ ኣየር፡ ዝበልዕዎ ዓሳታትን ዓለምና ለውጢ ክሊማ ንምምካት ዘለዋ ዓቕምን ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ይዛረብ።

እቲ ዶ/ር ኣስዒቡ "ውጽኢት መጽናዕትና ሻቕሎት ዝፈጥሩ'ዮም" ይብል።

ኣብ ላቦራቶሪ ባሕሪ ፕሊማውዝ ሓላፊ ሳይንስ ባዮጂኦኬሚስትሪ ባሕሪ ፕሮፌሰር ቲም ስሚዝ፡ ገለ ብርሃን ዘድልዮም እንስሳታት ባሕሪ ብሰንኪ እቲ ለውጢ ናብ ላዕሊ ክፅግዑ ከምዝኽእሉ ይዛረብ።

እዚ ድማ ኣብ መግብን ካልእ ጸጋታትን ውድድር ክውስኽ ይኽእል።

"እዚ ኣብ መላእ ስነ-ህይወት ባሕሪ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ስሚዝ።

እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ እዩ ተኻይዱ?

ተመራመርቲ ነቲ 'ምጽላም ዓለማዊ ውቅያኖስ' ዝብል መጽናዕቲ፡ ጐድኒ ጐኒ ምዕቡል ሞዴሊን ውቅያኖስ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ መረዳእታ ሳተላይት ተንቲኖም።

ናሳ ዝሃቦ መረዳእታ ኦሽን ኮለር ዌብ - ንዓለምለኻዊ ውቅያኖስ ኣብ 9 ኪሎ ሜተር ፒክሰል ዝኸፋፍል - ተመራመርቲ ንነፍሲ ወከፍ ፒክሰል ኣብ ገጽ ውቅያኖስ ዝመጽእ ለውጢ ክከታተሉ ዘኽኣሎም ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ማይ ባሕሪ ዝርከብ ብርሃን ንምዕቃን ዝተዳለወ ኣልጎሪዝም ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታ ዕምቆት ናይቲ ፎቲክ ዞባ ንምግማት ተጠቒሙ።

ሞዴላት ጨረርታ ጸሓያውን ወርሕን እውን ተጠቒሞም፡ ፍልልያት ኵነታት ብርሃን - ኣብ መዓልትን ለይትን - ንዓይነታት ባሕሪ ብኸመይ ክጸልዎም ከምዝኽእል ንምምርማር ተገሊጹ።

ኣብ እዋን ለይቲ ኣብ ደረጃ ብርሃን ዝረአ ለውጢ፡ ካብቲ ኣብ ቀትሪ ዝረአ ዝነኣሰ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ስነ-ህይወት ዘብጸሖ ጽልዋ ግን ዓቢ ትርጕም ዝወሃቦ ከምዝዀነ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።