ኣግራብ በረኻ ተጠቒሞም ቍስሎም ዝፍውሱ ቺምፓንዚ

ኣህባይ ቀዳማይ ረድኤት እንትህቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣህባይ ቀዳማይ ረድኤት እንትህቡ

ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኣህባይ - ቺምፓንዚታት - ንኽፉት ቍስልን ካልእ መጕዳእትን ንምፍዋስ መድሃኒታዊ ኣትክልቲ ብዝተፈላለዩ መገድታት ክጥቀሙ ተራእዮም።

ሳይንቲስት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ምስ ሓደ ናይቲ ከባቢ ጕጅለ ብምዃን ኣብ 'ጫካ ቡዶንጎ' ብምስራሕ፡ እቶም እንስሳታት፡ ኣብ ነብሶምን ሓሓሊፎም ድማ ኣብ ነንሕድሕዶምን፡ ተኽሊ ንቐዳማይ ረድኤት ዝጥቀሙሉ ፍጻመታት፡ ብምስሊ ቀሪጾምን ሰኒዶምን።

እዚ መጽናዕቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቺምፓንዚ ንነብሶም ንምፍዋስ ዝተወሰኑ ኣትክልቲ ኣሊሾም ይበልዑ እዮም ዝብል ዝጸንሐ ርኽበት ዘራጕድ እዩ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ቺምፓንዚታት "ቀዳማይ ረድኤት ጫካ" ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለየ ኣገባባት ዝገልጽ መዝገብ [ካታሎግ] ንምፍጣር'ውን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ሳይንሳዊ ትዕዝብቲ ኣዋዲዶም።

እቲ ኣብ መጽሔት ፍሮንቲየርስ ኢን ኢኮሎጂ ኤንድ ኢቮሉሽን ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ቺምፓንዚ፡ ኦራንጉታንን ጕሪላን ዝርከብዎም ዓይነታት እንስሳ፡ ኣብ በረኻ ጥዕናኦም ንምሕላው ብዝተፈላለየ መንገዲ ተፈጥሮኣዊ መድሃኒታት ከም ዝጥቀሙ ዘመልክት እዩ።

እዚ ርኽበት፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽአ ዘሎ መርትዖታት ዘረጋግጽ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይዛረቡ።

መሪሕ ተመራማሪት ኤሎዲ ፍራይማን "ቺምፓንዚ ኣብ በረኻ ክሓሙ ወይ ክጕዱ እንከለዉ፡ ንነብሶም ንምሕካምን ጽሬት ንምሕላውን ዝጥቀምሉ ምሉእ ኣገባብ" ከምዘሎ ገሊጻ።

"ገለ ካብዚኦም ኣብ ቀረባኦም ዝርከቡ ኣታኽልቲ ምጥቃም ዘጠቓልል እዩ" ክትብል ኣረዲኣ።

"እቶም ቺምፓንዚ ኣብ ቍስሎም ይለኽይዎም ወይ ድማ ነቶም ኣትክልቲ ይሓክዎም እሞ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ዝነብዐ [ዝተሓከኸ ኣካል] ኣብቲ ክፉት ዝቘሰለ ኣካል ይለኽይዎ።"

እቶም ተመራመርቲ፡ ሓንቲ ኣዝያ ንእሽቶ ኣንስተይቲ ቺምፓንዚ፡ ዝዀነ ተኽሊ እናሓኸኸትን ኣብ ኣካላት ኣደኣ ኣብ ዝወረደ መጕዳእቲ ክትለኽዮን፡ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ቀሪጾም።

ቺምፓንዚታት ንቝስሊ ካልኦት ዘይዛመድዎም እንስሳታት ከም ዝከናኸኑ ዝገልጽ መዛግብቲ'ውን ረኺቦም።

"እዚ ድማ ብፍሉይ ዘሐጕስ እዩ" ክትብል ዶክተር ፍራይማን ገሊጻ።

"ምኽንያቱ ቺምፓንዚ በረኻ ናይ ርህራሀ ዓቕሚ ከም ዘለዎ መርትዖ ዝኸውን እዩ።"

ገለ ካብቲ ዶክተር ፍራይማንን መሳርሕታን ዘጽንዕዎ ኣማኢት ጽሑፋዊ ትዕዝብቲ፡ ካብቲ ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ጫካ ዝርከብ መዘከርታ-መዝገብ ዝመጸ እዩ።

እዚ መዝገብ፡ ታሪኻዊ መርትዖታት ካብ 1990ታት ዝጅምር ኰይኑ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ከባቢ፡ ተመራመርትን በጻሕትን ሕድሕድ ዝረእዩዎ ምንቅስቓስ ኣብቲ መዝገብ ክሰፍሩ ተገይሩ፡ ዝዀነ ዝተዓዘብዎ መሳጢ ባህርያት ድማ ይገልጹ።

ኣብታ መጽሓፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዝቘሰለ መጕዳእቲ ቈጽሊ ምጥባቕን፡ሓደ ቺምፓንዚ ንኻልኦት ቺምፓንዚ ካብ ኣካላቶም መጻወድያ ንኸውጽኡ ከም ዝሓገዘን ዝገልጽ ዛንታታት ኣሎ።

ተመራማሪት

ምንጪ ስእሊ, Elodie Freymann

ገለ ብዘገርም ምስ ወዲ ሰብ ዝገብሮ ዝመሳሰል ልምድታት ጽሬት ኣለዉ።

ሓደ ኣብቲ መዝገብ ዝሰፈረ መዘከርታ፡ ቺምፓንዚ ድሕሪ ደገ-ምውጽኡ ብዝዀነ ዝተመርጸ ቈጽሊ ተጠቒሙ ክማሶግ ይርኣ።

እዚ ጕጅለ ተመራመርቲ ቅድሚ ሕጂ ገለ ካብቶም ቺምፓንዚታት ምስ ተጐድኡ ዝእልሹዎን ዝበልዕዎን ኣትክልቲ ኣለልዩ እዩ።

እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ቅምሶ እቶም ኣትክልቲ ወሲዶም፣ ፈቲኖም፣ መብዛሕትኦም ጸረ-ባክተርያ ባህርያት ከም ዘለዎም ኣስተውዒሎም።

ገለ ካብቶም ኣትክልቲ ድማ ቀደሙ'ውን፡ ብወዲሰብ ንመድሃኒትነት ክውዕሉ ዝጸንሑ ምዃኖም ተገንዚቦም።

ቺምፓንዚ ዓርሶም ንዓርሶም እንተተሓጋገዙ

ምንጪ ስእሊ, Elodie Freymann

ካብ ሰብ ወጻኢ፡ ብዛዕባ ኣብ ተኽሊ ዝተመርኮሰ ሕክምና ርኡይ ኣፍልጦ ዘለዎም ቺምፓንዚ ጥራይ ግን ኣይኰኑን።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓደ ኦራንጓታን እናተብሃለ ዝጽዋዕ እንስሳ ዘገዳም፡ ኣብ ገጹ ንዝነበረ ቍስሊ ንምፍዋስ ብቘጽሊ ከደርዞን ክፍውስን ከምዝተራእየ ይሕብር።

ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ነዚ ባህሪ እንስሳ ዘገዳም ምጽናዕ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓመሙ ወይ ኣብ ዝተጐድኡሉ እዋን ዝጥቀሙሉ ኣትክልቲ ዝያዳ ምርዳእ፡ ኣብ ምድላይ ሓደስቲ መድሃኒታት ክሕግዝ ይኽእል'ዩ ይብሉ።

ዶክተር ፍሬይማን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ብዛዕባ ባህርያትን ብልሕን ቺምፓንዚ ብዙሕ ብዝፈለጥና መጠን፡ ደቂ ሰባት ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ዓለም እንፈልጦ ብጭቡጥ ክሳብ ክንደይ ትሑት ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ" ኢላ።

"ኣብዚ ጫካ መግብን መድሃኒትን ዘይብሉ እንተዝጠፍእ፡ ብፍላይ እንተተጐዲአ ወይ እንተሓሚመ ንነዊሕ እዋን ክነብር ከምዝኽእል እጠራጠር እየ።"

"ቺምፓንዚ ግን ኣብዚ ይነበሩ፣ ምስጢር ናይዚ ቦታ ይፈልጡ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢኦም ንኽነብሩ ዘድልዮም ኵሉ ከመይ ገይሮም ከም ዝረኽቡዎ ኣዝዮም ይርድኡ።"