እንስሳታት ህያብ ከም ዝወሃሃቡ ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰባት፡ ኣብዚ ናይ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ወቕቲ ኣብ ሓድሕዶም ብዙሕ ህያባት ይወሃሃቡ። ከም ኣዕዋፍ፡ ሓሸራ፡ ምዕቡላት መጥበውትን ካልኦት እንስሳታት'ውን፡ ብምኽንያት በዓላት ደኣ ኣይኰነን`ምበር፡ ንስለ ፍቕሪ (ምኵሻም)፡ ተድላን ምሕዝነትን ክብሉ ህያባት ይወሃሃቡ እዮም።
እንስሳታት ህያብ ዝወሃሃብሉ ብሓፈሻኡ ብኽልተ ምኽንያታት ምዃኑ ይግለጽ - ንወሲባውን ምህናጽ ሕውነታዊ ዝምድናታትን። እቲ ንስለ ወሲባዊ ዝወሃብ ህያባት፡ ርክብ ንምፍጻም ንምስዳዕ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምጥራይን ንህንጸት ዝምድናን እዩ።
ህያብ ንጾታዊ ዝምድና
ሰባት፡ ንኣብነት፡ ደቂ-ተባዕትዮ ንዝፈተውዋ ጓለንስተይቲ ንክረኽቡዋ ዝተፈላለየ ህያባት ክህቡ ይርኣዩ እዮም። ኣዕዋፍ`ውን፡ ብተመሳሳሊ ተግባራት ዝተፈልጡ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከብ በሊሕ መንቈር ዘለዎ ዑፍ (ደቓሽር)፡ ከምዚ ንዝፈተኻያ ናብ ዝበለጸ ቤት-መግቢ ትወስዳ፡ ነተን ፈተውቲ ስጋ መጻምድቶም ንምምሳጥ፡ ከም ጠበቕን ዕንጭራርን ዝኣመሰሉ እዩ ዝጋብዛ። እዚ ህያብ`ዚ ድማ ነታ ኣንስተይቲ ዑፍ፡ ድልዱል እንቋቝሖ ክትጸጊ ይሕግዛ።
ካልእ ኣብነት`ውን፡ ኣንስትዮ ስኮርፕዮንፍላይ (ዕንቅርቢት መሰል) ነቲ ተባዕታይ ዝለገሰለን ህያብ መግቢ ምስ ጥዓመኦ፡ ከም ኣምሳያኡ ምስአን ክራኸብ የፍቅዳሉ።
እቲ ተባዕታይ፡ ኣብ እዋን ውርዘት (ርክብ)፡ መኣዛ ዘለዎ ጕራስ ወይ ኵላሶ ከም ህያብ ክህባ፡ ኣብ ከም ኣረነን ኣቡቐለም (ንእሽቶ ልምሉም እንስሳ ባሕሪ)ን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ልሙድ እዩ። ኣዕዋፍ`ውን፡ ኣብ ሓድሕዶም ህያባት ምውህሃብ የስተማቕሩ እዮም። ተባዕትዮ ኣዕዋፍ፡ ቅድሚ ርክብ ምፍጻሞም፡ ኣብ እሾኽ ንዝነብሩ ንኣሽቱ ፍጥረታት ኣብ ግራጭ ብምስቃል፡ ንመጻምድቶም ንምምሳጥ ህያብ ይቕርቡ።
ይዅን`ምበር፡ እዚ ተርእዮ`ዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓሳኹን ኣራክኒዳን (ከም በዓል ሳሬት፡ ዕንቅርቢት፡ ቍርዲድ ዝኣመሰሉ) ይርአ። ንኣብነት፡ ተባዕትዮ ግዝዋ፡ ነተን ኣንስትዮ መጻምድቶም፡ መኣዛ ሳይናይድ በቲ ሽዱሽተ ኣንቴናኦም ገይሮም ከም ህያብ ይምጥውለን።
ሳሬታት፡ ነቲ ህያብ ብዓለባ-ሳሬት ጠቕሊሎም ይህብወን፣ ዝያዳ መሳጢ ንምግባሩ ከኣ ቀመማት ወይ መኣዛታት ይውስኽሉ። እታ ኣንስተይቲ እንተ ነጺጋቶ፡ ቅድሚ ዳግማይ ምሃቡ፡ ዝያዳ ጠምጢሙ የጸባብቖ።
ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ተባዕትዮ ንእስ ዝበለ ወይ ፍርቁ ዝተበልዐ ህያብ ብምሃብ ከታልልወን ይፍትኑ። ነቲ ዝተጠቕለለ ህያብ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ እናፈትሓኦ እንከለዋ፡ ተቐላጢፎም ርክብ ብምፍጻም ገና ከይርኣይኦ፡ ድላዩ ፈጺሙ ይሃድም። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ተባዕትዮ ሳሬት ከም ህያብ ዝጥቀምሉ ነገራት 70% ናይ ሓሳት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራማሪ ስነ-ኣከባቢ ዳሪል ግዊን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ካናዳ፡ "ኣብቲ ካብ ቤተይ ወጺአ ዝኸደሉ መንገዲ፡ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈለግ ወጺኦም ሓሸራታት ክሕዙ ዝገብሩዎ ንምርኣዩ ባህ ዘብል እዩ፡" ይብል።
"ነቲ ዝሓዙዎ ሓሸራ የምጽኡዎ`ሞ፡ እተን ባዕለን ክምገባ ዘይክእላ ኣንስትዮ ድማ ይቀዳደማሉ። እንቋቝሖአን ምእንቲ ክወልዳ ድማ እዚ መግቢ`ዚ የድልየን እዩ፡" ይብል።
እታ ኣንስተይቲ ሳሬት፡ ነቲ ዝተጠቕለለ ህያብ ፈቲሓ ከም ዘታለላ ምስ ፈለጠት፡ ብድሕሪኡ ከይቀርባ ትነጽጎ እያ። እታ ኣንስተይቲ ምስ ብዙሓት ተባዕትዮ ትራኸብ እኳ እንተዀነት፡ ናይቲ ዘታለላ ዘርኢ ንእንቋቝሖኣ ከጽግዮ ዘሎ ተኽእሎ ትሕቱ ይኸውን።
ኣብ ገሊኦም ሓሸራታት፡ ኣንስትዮ ነቶም ክመቱለን ዝደልያኦም ምእንቲ ጥቕመን ክብላ ናይ መስዋእቲ ህያብ ከም ዝህቡወን ይገብራ። እቲ ተባዕታይ ነታ ኣንስተይቲ፡ ኣብ መንገብገቡ ክትጠብቕ ይሓድጋ`ሞ፡ ደም ክትመጥጥ የኽእላ። ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ተባዕትዮ ነዚ "ፍቕራዊ መንከስቲ" ምስ ተጻወሩ፡ ምስ ካልእ ኣብ ዝገብሩዎ ርክብ ጸዓት ስለ ዝጐድሎም፡ ካልእ መጻምድቲ ናይ ምርካብ ዕድሎም ከም ዝጸብብ ይገልጽ።
እዚ ኵሉ ኣብነታት`ዚ፡ ተባዕትዮ ንደቀንስትዮ ንርክብ ንምእማን ዝወሃብ ገጸ-በረከታት እዩ። እዚ ህያባት፡ መኣዛታት ስለ ዘለዎ`ውን፡ እታ ኣንስተይቲ ትጥቀም እያ።
ህያብ ንስለ ሓገዝን ሕውነትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ብዝፍለ፡ ሓድሓደ ግዜ እንስሳታት ነቲ ተቐባሊ ንምሕጓስ ጥራይ ህያባት ከም ዝህቡ ይፍለጥ። ንኣብነት፡ ዶልፊናት ንሰባት ከም ዕንቅርቢት፡ ቱናን ኦክቶፖስን ህያባት ክህቡ ንዕዘብ። ኳኳት፡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ህያባት ከም ዝህቡ ዝነግር ብዙሕ ጸብጻባት ኣሎ።
ኳዃት ስለ እተሓጐሱ ጥራይ ንመጻምድቶም ህያባት ይህቡ። ተመራማሪት ክላይተንን ጕጅለኣን ኣብ ሓደ ፈተነ፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኳዅ ሓቢሮም ሓሳኹ ክበልዑ ይዕዘቡ ነበሩ። እቲ ተባዕታይ ነታ መጻምድቱ ዝተፈልየ መግቢ ክህባ ይመርጽ ነበረ። እዚ፡ እቶም ተባዕትዮ፡ ንኣንስትዮ፡ ዝተመርጸ ፍሉይ መግቢ መሪጾም ክህቡወን ክርድኡ ከም ዝኸኣሉ ዘርኢ እዩ።
ክለይተን፡ "ንድራር ናብ ቤት ብልዒ ወጺእካ፡ ምዑዝ ስፓጌቲ ቦሎግኒ እንተ ጸኒሑካ ከም ዝስምዓካ ሓጎስ ማለት እዩ፡" ትብል።
መግቢ፡ ኣብ ዓለም እንስሳታት ኣገዳሲ እዩ። ዝበዝሑ እንስሳታት ብዘይካ ወለዲ ንደቈም መግቢ ክካፈሉ ኣይርኣዩን እዮም። እቶም ምስ ደቂ-ሰብ ዳርጋ ብ99% ዲ.ኤን.ኤኦም ዝመሳሰል ቦንቦ ዝበሃሉ ዓሌት ቺምፓንዚ ግን ህያባት ክወሃሃቡ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ኣብ 2013 ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ልክዕ ከምቲ ሰባት ንዘይፈልጡዎ ሰብ ሓገዝ ዝህቡ፡ ቦምቦ`ውን፡ ካብ ጭፍራኦም ወጻኢ ንዝዀነ ቦምቦ ከም ግብረ-ሰናይ ህያብ ይህቡ። ምእንቲ ምስ ካልእ ዘይፈልጡዎ ሕውነት ክፈጥሩ ኢሎም እውን ከም ባናና፡ ቱፋሕን ካልእ መግቢን ከይበልዑ ከም ዝገድፉዎ ይፍለጥ።
ስለዚ፡ እንስሳታት ንምንታይ ሓድሕዶም ህያባት ይወሃሃቡ፧ እዚ ባህሪ`ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ብተደጋጋሚ ስለ ዝማዕበለ፡ ንብቕዓት ፍርያምነት ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ስለ ዘዕብዮ፣ ከምኡ`ውን፡ ሕውነት ንምጥራይን ንምሕጋዝን ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







