'ኣኽላባት ስለምንታይ'ዮም ቀልቀል ዝበልዑ?

ከልቢ

ኣኽላባት፡ ብብዙሓት ሰባት ዝፍተዉ እንስሳት'ኳ እንተዀኑ፡ ጠልቋማት ምዃኖም ግን ዝኽሕድ ዘሎ ኣይመስለናን።

እወ፡ ብዝኸድዎ ዝዀነ ዘፈንፍን ነገር ካብ ምብላዕ ንድሕሪት ኣይብሉን። ጭቃ፡ ጥራዝ፡ ዋላ'ውን ቀልቀል ከይተረፈ ክበልዑ ነስተብህል ኢና።

ንኣብነት ኣኽላባት ስለምንታይ ሳዕሪ ከምዝበልዑ ሓሲብክምዎ ትፈልጡ'ዶ?

እዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ሓያሎ መሰጥቲ መልስታት ወይ ክልሰ-ሓሳባት ኣለዎ።

ስነ-ምርምር መትኒ ኣኽላባት፡ ገና እናሰጎመ ዝርከብ ዓውዲ መጽናዕቲ'ዩ።

ኣብዚ ዓውዲ ዝርከቡ ተመራመርቲ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣኽላባት ሳዕሪ ንኽበልዑ ዝድርኾም ትኽክለኛ ምኽንያት ክግልጹ ኣይከኣሉን።

"ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ ውሑድ መጽናዕቲ ውዱእ መልሲ ዝህብ ኣይኰነን" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል፡ መምህር ባህርያትን ድሕነትን መጻምድቲ እንስሳታት ዝዀነት ዶክተር ኤሚሊ ብላክዌል።

"ከልቢ ሳዕሪ ዝበልዓሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም - እዚኦም ብሓበር እንተዘይኰይኑ ብተናጸል ቅኑዕ መልሲ ኣይህቡን።"

ስለዚ፡ ኣኽላባት ስለምንታይ ሳዕሪ ከምዝበልዑ ቅቡል ምኽንያታት እንታይ እዮም? ብዛዕባ'ዚ ክትፈልጥዎም ዝግብኡ ነጥብታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣኽላባት ስለምንታይ ሳዕሪ ይበልዑ?

ቀዳማይ ነገር፡ ሳዕሪ ምብላዕ ኣብ ኣኽላባት ምልክት ጭንቀትን ግጭትን ክኸውን ከምዝኽእል ይሕሰብ። ምናልባት'ውን ካልእ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘለዎም ድሌት ንምዕባጥ ክኸውን ተኽእሎ'ሎ።

"ናይ ምዝንባዕ ባህሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ - እዚ ድማ ሓደ እንስሳ ተጋራጫዊ ድርኺት ምስ ዝህልዎ ዘጋጥም ነገር'ዩ" ትብል ብላክዌል።

"ከም'ቲ ሰባት ናብ ሓኪም ስኒ ንምቕራብ ክጽበዩ እንከለዉ ዝህልዎም ስምዒት'ዩ። ካብቲ መጸበዪ ክፍሊ እንተዝወጹ ደስ ምበሎም፡ ኣብቲ እዋን ዝስምዖም ጭንቀት ንምምካት ድማ ጽፍሮም ይነኽሱ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ነገር ይገብሩ።"

ይኹን እምበር፡ ኣብ ብዙሓት ኣኽላባት፡ ሳዕሪ ምብላዕ ፍቕሪ ወነንቶም ንምርካብ ዝጽዕርሉ መገዲ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

"እቶም ወነንቲ ነቲ ከልቢ ዝፍጽሞ ተግባር ምላሽ እንተሂቦም፡ እቲ ከልቢ ብወገኑ እቲ ዝፈጸሞ ተግባር ብቕልጡፍ ኣቓልቦ ንምርካብ ከምዘኽእሎ ይመሃር" ክትብል ትውስኽ።

"እቲ ተግባር ብሓቂ ሓደ ካብቶም ዝተለምዱ ኣቓልቦ ዝጠልቡሉ ተግባራት ዘይክኸውን ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ግን ክምዕብል ይኽእል እዩ። ካብ ወነንቶም መልሲ እንተዘይረኺቦም ድማ፡ ካልእ ዝገብርዎ ነገር ስለዘይብሎም ጥራይ ሳዕሪ ይበልዑ ይህልዉ።"

ከልብኹም ኣብ ዘየለኹምሉ ሳዕሪ ዝግህጽ እንተኾይኑ'ኸ?

ብርግጽ፡ እዚ ኣቓልቦኹም ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክኽውን ኣይኽእልን። ምናልባት ከልብኹም ተወሳኺ መግቢ ንምርካብ ዝገብሮ ፈተነ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

"ገሊኦም ኣኽላባት ነዚ ባህሪ'ዚ ዘርእዩ፡ ዝበልዕዎ ጽሕጊ ንምውሳኽ እዩ ዝብሉ ኣለው" ትብል ብላክዌል። "እዚ ግን ክልሰ-ሓሳብ ጥራይ እዩ። ኣኽላባት ትሑት ጽሕጊ ከምዘለዎምን ብሰንኪ'ዚ ድማ ሳዕሪ ናይ ምብላዕ ተኽእሎኦም ከምዝብርኽን ዘረጋግጽ መርመራ የለን።"

መብዛሕትኦም ኣኽላባት ሳዕሪ ድሕሪ ምግሃጾም ኣይሓሙን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትኦም ኣኽላባት ሳዕሪ ድሕሪ ምግሃጾም ኣይሓሙን

ካልእ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ተኽእሎ እውን ኣሎ። ከልብኹም ሳዕሪ ዝበልዕ ዘሎ ከብዱ ስለ ዝሓመም እንተዀነ'ኸ? ምናልባት ክኸውን ይኽእል። ብርግጽ ተዂላታት መዓንጣኦም ካብ ጽግዕተኛታት ንምጽራይ ሳዕሪ ከምዝበልዑ ዘመልክት ክልሰ-ሓሳብ ኣሎ።

ይኹን'ምበር፡ ከልብኹም ብሰንኪ ዝበልዖ ሳዕሪ ናይ ምሕማም ተኽእሎኡ ጸቢብ'ዩ።

ኣብ 2008 ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 68 ሚእታዊት ኣኽላባት ብቐጻሊ ሳዕሪ ከምዝበልዑ የመልክት። ካብዚኦም እቶም ሕማም ዘጋጥሞም 22 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።

ግን ናትኩም ከልቢ እንተሓመመ'ኸ? ካብ ሳዕሪ ዝያዳ ዝኸፍእ ነገር ብዘይ ምብልዑ ተመስገን በሉ።

ኣኽላባት ስለምንታይ ቀልቀል ይበልዑ?

ኣብዚ ዅላትና ኣኽላባት ቀልቀል ክበልዑ ርኢና ከምንፈልጥ ኣይንክሕድን። እወ፡ ኣኽላባት ናይ ገዛእ ርእሶም ይዅን ናይ ካልእ እንስሳ ቀልቀል ክበልዑ ምርኣይ ዘይተለምደ ኣይኰነን።

እቲ ቀልቀል ካብ ዝሓመመ እንስሳ ዝተረኸበ እንተዘይኰይኑ፡ እቲ ከልቢ ክጉዳእ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ትብል ብላክዌል።

እቲ ዘሕዝን ግን ልክዕ ከም ሳዕሪ፡ ከልብኹም ስለምንታይ ቀልቀል ክበልዕ ከምዝፍተን ብልክዕ ንጹር ኣይኰነን።

ክኢላታት ከምዝብልዎ ግን ቀልቀል ምምጋብ፡ እቲ ከልቢ ኣብ ንእስነት ዕድሚኡ ካብ ዝነበሮ ሃንቀውታ ፍልጠት ክምንጩ ይኽእል'ዩ።

"ኵርኵር ብተፈጥሮኦም ሃንቀውታ ፍልጠት ኣለዎም - ዳህሰስቲ'ዮም፡ ኩሉ ነገር ክፍልጡ'ዮም ዝደልዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ዝዀነ ነገር ክጥዕሙ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል ብላክዌል።

"ቀልቀል ድማ ከምቲ ንዓና ዝስማዓና ንዓኣቶም ዘሰክፍ ወይ ጨናዊ ነገር ኣይኰነን።"

ኸልብኹም ቀልቀል ከይበልዕ ኣብ እትፍትነሉ እዋን ግን ብዘይፍላጥ እዚ ባህሪ ንኸማዕብል ከተተባብዕዎ ተኽእሎ ኣሎ።

"ከም ንቡር ወነንቲ ካብቲ ከልቢ ቀዲሞም ናብቲ ቀልቀል ብምጉያይ ከይበልዖ ኣብ ዝኽልክልሉ እዋን፡ ከልቦም እቲ ቀልቀል ነቶም ወነንቲ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ርድኢት ክህልዎ ይገብር። እዚ ድማ ኣኽላባት ካብ ወነንቶም ቀዲሞም ናብቲ ቀልቀል ንኽበጽሑ ዝያዳ ይድርዀም" ክትብል ብላክዌል ተብርህ።

እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ ኣብ መንገዲ ቀልቀል ክትርእዩ እንከለኹም፡ ቀንዲ ግብረ-መልስኹም ናብኡ ምጉያይ ክኸውን የብሉን።