ንጥራጥን ፈሲን እንስሳ ግብሪ ከተኽፍል ዝወሰነት ፈላሚት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውሮጳዊት ሃገረ ደንማርክ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ካብ ሕርሻ እንስሳ ንዝምንጩ በካሊ ጋዛት ብኸመይ ግብሪ ከተኽፍል ከምዘለዋ ኣብ ስምምዕ በጺሓ።
እቲ ውሳነ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጐ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሓረስቶት፡ ኢንዱስትሪታት፡ ማሕበራት ዕዮን ተሓለቕቲ ኣከባቢን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ'ዩ ተበጺሑ ዘሎ። እቲ 'ስምምዕ ሱሉሳዊ ቀጠልያ' ክፍሊት ክግበር ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ'ዩ ተወሲኑ ነይሩ።
ካብ 2030 ጀሚሩ፡ ሓረስቶት፡ ካብ ከብትን ሓሰማን ንዝወጽእ ሓደ ቶን ሚቴን ጋዝ 43 ዶላር ክኸፍሉ እዮም። ኣብ 2035 ድማ ብልዕሊ ዕጽፊ ክውስኽ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።
እቲ በካሊ ጋዝ፡ ካብ ጉሳዕ፡ ዒባ፡ ከምኡ'ውን ጥራጥን ፈሲን እንስሳ ዝምንጩ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ስሉሳዊ ቀጠልያ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ድሕሪ ኣብ ፓርላማ ዝተረኽበ ሰፊሕ ደገፍ "ናይ ክሊማ ዕላማና ንምውቃዕ ዝሕተት ኵሉ ከንገብር ኢና" ኢሉ።
"ዓቢ ዓቢ ዕማም'ዩ ተጀሚሩ ዘሎ- ንዝሰፍሐ ክፋል መሬትና፡ ሕርሻዊ እቶት፡ ዱራት፡ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት፡ ንኣፍላጋትና ህይወት ክመልስ ንምግባርን" ይብል ጀፐ ብሩስ።
ገለ ካብቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ፡ ኢንዱስትሪ ሕርሻን ትካላት ኣከባቢን ዝተበጽሐ ቀጠልያ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ኣብ ገማግም ባሕርን ሩባታትን ንዘሎ ብከላ ናይትሮጅን ንምንካይ ዝዓለመ'ዩ። ክሳብ 2027 ኣብ ዘሎ ግዜ መጠን ናይትሮጅን ብ13,780 ቶን ክጐድል ከምዝኽእል ኤ-ኤፍ-ፒ ጸብጺቡ'ሎ።
ንህይወታዊ ብዙሕነት እታ ሃገር ንምድንፋዕ'ውን ዝተወሃሃደ ጻዕሪታት ክካየድ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ።
መዓልታዊ ጋዜጣ 'ኮፐንሃገን ፖስት' ከምዝበሎ፡ርብዒ ሚልዮን ሄክታር ዝበጽሕ መሬት ክግረብ ምዃኑን፡ 140 ሽሕ ሄክታር ብባህርያዊ ካርቦን ዝዘቕበበ (peatland) መሬት'ውን ናብ ተፈጥሮኣዊ ማሕድሮ ክምለስ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 60 ሚእታዊት መሬት ደንማርክ ኣብ ሕርሻዊ መዓላ ይርከብ። ካብ መላእ ዓለም ደንማርክን ባንግላደሽን ጥራይ'የን ዝሰፍሐ መሬተን ኣብ ንጡፍ ሕርሻዊ ልምዓት ዝርከብ።
"ኣብ 1864 እቲ ብማይ ዝዘቕበበ ከባቢታት ካብ ዝዝቆቚ ንደሓር ንፈለማ እዋን ተፈጥሮ ደንማርክ ክልወጥ'ዩ" ክብል ሚኒስተር ብሩስ ከምዝተዛረበ ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።
ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ዝተዛረበ፡ ሚኒስተር ክሊማ፡ ጸዓትን ኣገልግሎታትን ላርስ ኣጋርድ ብወገኑ፡ እታ ሃገር ዝግብኣ "ክትገብር ዘለዋ ድሌት" ዘነጽር'ዩ ኢሉ።
"እዚ ናይ ደንማርክ መርኣያ- ኣብ ፓርላማ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ደገፍ ዘለዎ፡ ተሳትፎ ኵሎም በቲ ግብሪ ዝጽለዉ ጽላታት፡ ከምኡ'ውን ብጽሒት ዘለዎም ኣካላት ኣከባቢ ዘጠቓለለ እዩ" ይብል። ካልእ ዓለም ከም ኣብነት ክወስዶ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ሚኒስተር የብርህ።
ኣብ 2022 ሃገረ ኒውዚላንድ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ተመሳሳሊ እማመ ኣቕሪባ ምንባራ ይዝከር።
ነቲ ከብቲ ዝጐስዓኦ በካሊ ጋዝ፡ ግብሪ ንምኽፋል ዘኽእል እማመ ሕጊ፡ ኣብ ምፍራይ እንስሳታት ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ካብ 2025 ጀሚሮም ንዘበርክትዎ ብከላ ንምኽሓስ ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ'ዩ።
ጉሳዕን ሽንቲን እንስሳ ዘቤት 'ግሪንሃውስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ በካሊ ጋዝ ከምዘለዎ ይፍለጥ።
ጽላት ሕርሻ ኒውዚላንድ፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ብከላ ዝውክል ምዃኑ ይግለጽ። እንተዀነ፡ ሓረስቶታት እታ ሃገር ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ እማመ ተቓዊሞሞ ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







