ኪሊማዊ ለውጢ፡ 'ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከባ ኣሓ ክውሕዳ ኣለወን'

ምጪ ጸዓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ከሰልንን ነዳዲን ዝምጩ ጸዓት ቀንዲ ጠንኪ ብከላን ክሊማዊ ለውጥን ምዃኑ ይጥቀስ

ሓደ ካብ ቀንዲ ፍጻሜታት ዓለም ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን'ዚ፡ እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ማድሪድ፡ ርእሰከተማ ስፔን ዝካየድ ዘሎ መበል 25 ዋዕላ ኪሊማ [ለውጢ ኣየር] ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ዩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዋዕላ፡ መደረ ዘስመዐ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ንኩነታት ክሊማዊ ለውጢ፡ "ናይ ህይወትን ሞትን'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ ቀንዲ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ምስ ክልተ ኤርትራውያን ኪኢላታት ናይቲ ዓውዲ ቃለመሕትት ኣካይዱ ነይሩ።

ዶ/ር መብራህቱ ኣቶወብርሃንን ዶ/ር ኤርሚያስ ክብረኣብን ብዛዕባ ጽልዋ ናይቲ ለውጢ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ርእይቶታትን ሓበሬታታትን ሂቦም ኣለዉ።

ክሊማዊ ለውጢን ጠንቅታቱን?

እዚ ንዓለም ኣሻቓሊ ኮንዋ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት የምርሕ ምህላዉ፡ ዝበዝሑ ተመራመርቲ ዝሰማምዕሉ ሓቂ ኮይኑ'ሎ። በቲ ዝኸዶ ዘሎ እንተ ቐጺሉ ኸኣ፡ እዛ ምድሪ ሂወታውያን ክነብሩላ ኣብ ዘይክሉ ደረጃ ክትበጽሕ ትኽእል'ያ።

ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክንሓስብ እንከለና፡ ብንጹር እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ? ስለምንታይን ብኸመይን? ዝብሉ ሕቶታት ናብ ኣእምሮና ክመጹ ባህርያዊ'ዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዙሕ ምርምራትን መጽናዕትታትን ዘካየደ ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን "ካብቶም ቀንዲ መሰረታውያን መምዘኒ ኩነታት ኣየር፡ ሙቐትን ብዝሒ ማይን እዮም" ድሕሪ ምባል "እቲ ካልእ ኢኮሎጂካዊ [ማሕድሮ ተፈጥሮ]፡ ናይ እንስሳ ድዩ፡ ኣትክልቲ በዚኦም'ዩ ዝውሰን" ክብል እቲ ለውጢ ካበይ ከም ዝብገስ ይገልጽ።

"ክሊማዊ ለውጢ ክንብል እንከለና፡ ናይዞም ክልተ ባህርያዊ ለውጢ ማለት'ዩ፡ ብፍላይ ከኣ ሙቐት።"

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ተመራማሪ ስነሂወት ባሕርን ኣከባብን
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ተመራማሪ ስነሂወት ባሕርን ኣከባብን

"ሕጂ እቲ ሕቶ ስለምንታይ'ዩ ሙቐት ናይ ዓለምና ዝውስኽ ዘሎ'ዩ። ኩነታት ኣየር ብባህርያቱ ተለዋዋጣይ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብዘን 1 ሚልዮን ዓመታት፡ እተን ዝሓለፋ 200 ዓመታት እተን ዝኸፍኣ ምንባረን ይዛረብ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ምስ ምጅማር "ኢንዱስትርያዊ ሰውራ" ሰብ ከሰልን ነዳዲን ክጥቀም ምስ ጀመረ ዝሰዓበ ምዃኑ'ውን ይጠቅስ።

ዶ/ር ኤርሚያስ ክብረአብ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ዳቪስ፡ መምህርን፡ ተመራማሪ ሕርሻ እንስሳን ዳይረክተር መግቢ ዓለም ናይቲ ዩኒቨርሲቲን ኮይኑ፡ ኣብ ምቅልጣፍን ምግዳድን ናይቲ ለውጢ ወሳኒ ተራ ዘለዎም ሰለስተ ጋዛት ከም ዘለዉ ይዛረብ።

"ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ለውጢ'ዚ ሰለስተ ጋዛት'የን፡ ካርቦዳይኦክሳይድ፡ ናይትሮኦክሳይድን መቴንን። ካብዚአን እቲ ዝዓበየ፡ ማለት ልዕሊ ሰብዓ ካብ ሚእቲ፡ ኣበርክቶ ዘለዎ ግን ካርቦንዳይኦክሳይድ'ዩ" ይብል ዶ/ር ኤርሚያስ።

እዚ ንኢንዱስትሪያዊ መዓላ (ፋብሪካታት)፡ መጓዓዝያን መነባብሮን እንጥቀመሉ ነዳዲን ጋዝን፡ ካብቲ ንሚልዮናት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተዓቂቡ ዝነበረ ካርቦን ነውጽኦ ከም ዘለና'ውን ይጠቅስ።

"ሕጂ እንታይ ኢና ንግብር ዘለና፡ እቲ ኣብ መሬት ተዓቂቡ ዝነበረ ንሰማይ ንሰዶ ኣሎና ማለት'ዩ። እዘን ጋዛት እዚአን ድማ ነቲ ናብ መሬት ዝኣቱ ሙቐት ይሕዘኦ ኣለዋ" እዚ ድማ ጠንቂ ምውሳኽ ዋዒ ዓለም ይኸውን።

ምንጪ ናይቲ መቴን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጋዝ ድማ፡ ኣሓ ምዃነን ዶ/ር ኤርሚያስ ይሕብር። ንኣብነት፡ 3 ሚእታዊት ናይ ዓለም ኣሓ ኣብ ኣመሪካ ኣለዋ፡ 13 ሚእታዊት ጸባ ዓለም ድማ የፍርያ ይብል።

ዶ/ር ኤርሚያስ ክብረኣብ፡ ተመራማሪ ሕርሻ እንስሳን፡ ዳይረክተር መግቢ ዓለም ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያን
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ኤርሚያስ ክብረኣብ፡ ተመራማሪ ሕርሻ እንስሳን፡ ዳይረክተር መግቢ ዓለም ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ዳቪስ

"ኣብ ኢትዮጵያ እንተሪኢና፡ ካብ ናይ ኣመሪካ ዝበዝሓ፡ 4 ሚእታዊት ናይ ዓለም ኣሓ ኣለዋ፡ ክንደይ የፍርያ እንተ ኢልካ ግን፡ 0̏́́́́.44 ሚእታዊት ጸባ የፍርያ። ስለዚ ብዙሕ እንድሕር ዘየፍርያ ኮይነን፡ ከተብዝሐን ኣለካ ማለት'ዩ። ከተብዘሐን ከለኻ እቲ መቴን ከኣ ብኡ መጠን ይበዝሕ ኣሎ ማትለት'ዩ።"

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቶም ጋዛት ንሂወት ኣገደስቲ ምዃኖምን፡ ብዘይብኦም ዓለም ኣዝዩ ዝዘሓለ'ዩ ዝኸውን። እቲ ቀንዲ ጸገም ዝኸውን ዘሎ ብዝሒ ናይቶም ጋዛት ኣብ ከባቢ ኣየር'ዩ። ስለዚ መጠኑን ሚዛኑንን ዝሓለወ እንተኾይኑ ጥራይ'ዩ ንሂወት ክድግፍ ዝኽእል ይብል።

ቀንዲ ሳዕቤናት ኣየኖት'ዮም

ክሊቲኦም ኪኢለታት ከም ዝሰማምዕሉ፡ ዋዒ ናይዛ ምድሪ እንተ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ጫፋት ምድሪ ዘለዉ ከውሒታት በረድ ክመኩ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ ወይ ቀረባኡ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ማለት ዴሴታትን ገማግም ባሕሪን ከዕለቕልቕ ይኽእል'ዩ ይብሉ።

እናመኸኸ ዝኸይድ ዘሎ በረድ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለም
መግለጺ ስእሊ, እናመኸኸ ዝኸይድ ዘሎ በረድ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለም

እዚ ማለት ድማ፡ ሰፊሕ ዕንወትን ምፍንቓል ህዝብታት ከጋጥም ይኽእል'ዩ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ከታማታት፡ ትሕተ-ቅርጽታትን ኣብ ሓደጋ ኣሎ ይብሉ።

"እቲ ቀዳማይ ሳዕቤን፡ እቲ ቀጥታዊ ሳዕቤን'ዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት እንስሳታት ሙቐት ኣይጻወሩን'ዮም። እቲ ሙቐት ካብ ዝተወሰነ ደረጃ እንተ ደዪቡ ይጠፍኡ ማለት'ዩ" ይብል ዶ/ር መብራህቱ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብካልኣይ ደረጃ'ውን እቲ እንስሳታት ዝነብርዎ ከባቢታት ብሰንኪ ዋዒ እንተ ተደምሲሱ፡ ብዙሓት እንስሳታት ክጠፍኡ ይኽእሉ። ንከም ኣንበጣ ዝበሉ በላዕተኛታት'ውን ቀልጢፎም ከም ዝፋረዩ ስለዝገብር፡ ንክትከላኸሎም ዕድል ኣይህቡን ይብል።

ዶ/ር ኣርሚያስ ብወገኑ፡"እቲ ናይ ለውጢ ሃዋሁ ኣብ ሕርሻ ዓቢ ጽልዋ'ዩ ዘለዎ። እቲ ቀንዲ ነገር ናይ ሙቐት ምውሳኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘሎ ለውጥታት ከኣ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ማለት'ዩ።

"እዚ እንታይ ዓይነት ጸገም የምጽእ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ብዙሕ ማይ ዝረክብ ቦታታት ከዕለቕልቕ ይኽእል፡ እቲ ገሊኡ ድማ [ውሕድ] ይረክብ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝበሃል ምስላ 'ገለ ብማይ ገለን ሰኣን ማይ' ይኸውን" ክብል ንለውጢ ኩነታት ኣየር ከም ሳዕቤን ይገልጽ።

ስለዚ ድማ ኣትክልትን ዘራእትን ዝበቑልሉ ኩነታትን ቦታታትን ዝተፈላለየ ይኸውን። እዚ ምምዝባል'ዚ ድማ ኣብ ሕርሻን ውሕስነት መግብን ጽልዋ ኣለዎ ይብል ዶ/ር ኤርሚያስ።

ምስ ምልውዋጥ ክሊማ ዓለም፡ ዓይነትን ብዝሕን እቶት ሕርሻ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ።

ዶ/ር ኤርሚያስ ክብርኣብን ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ

ኪኢላ ስነሂወት ባሕሪ ዝኾነ ዶ/ር መብራህቱ ብወገኑ፡ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን፡ ዋሕዲ ኦክስጅን የጋጥሞም ኣሎ ይብል። ጠንቂ ናይዚ ድማ፡ እቲ ሓደገኛ'ዩ ዝበሎ እቲ ኣብቶም ማያት ዘሎ መጠን ዋዒ ብምውሳኹ ምዃኑ ይገልጽ።

ከም ካርቦንዳይኦክሳይዕድን ኦክጅንን ዝበሉ ጋዛት፡ ኣብ ዝሑል ማይ'ዮም ዝሓቁ ወይ ዝሕወሱ፡ እቲ ማይ ክውዒ እንከሎ ግን፡ መጠን ናይቲ ዝሕወስ ጋዝ ይውሕድ። ስለዚ፡ እቶም ናይ ባሕሪ እንስሳታትን ኣትክልትን ዋሕዲ ናይቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኮስጅን ስኢኖም ህልቂት ከጋጥሞም ይኽእል።

እተን ቀንዲ ተጠቃዕቲ ዝኾና ሃገራት፡ ኣብ ደቡባዊ ኤስያ ዝርከባ ደሴታት ምዃነን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ካብተን 7 ቀንዲ ተጸለውቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን እቶም ኪኢላታት ኣረዲኦም።

እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ክልቲኦም ኪኢለታት፡ ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር መጠን ካርቦንን እቶም ዝተጠቕሱ ካልኦት ጋዛት መግትኢ ተጌሩሉ ክንኪ ኣለዎ በሃልቲ'ዮም።

ነዚ ንምግባር፡ ዓለም ካብ ከሰልን ነዳድን ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ናይ ግድን ክትሰጋገር ኣለዋ ይብሉ።

"እቲ ቀንዲ ኣድህቦ ክንገብረሉ ዘለና፡ ናይ ካርቦንዳይኦክሳይድ ጸዓት ብናይ ተሓዳሲ ጸዓት ከመይ ጌርና ክንልውጦ ከምዘለና'ዩ" ዝበለ ዶ/ር ኤርሚያስ፡ ካብ 2030 ንደሓር መጠን ካርቦን ናብ ዝተሓተ ክወርድ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ንሱ ንመጠን ናይቲ ካብ እንስሳታት ዝወጽእ ጋዝ ንምጉዳል ድማ፡ ካብ ውሑዳት ኣሓ ዝለዓለ ውጽኢት ከም ዝርከብ ብምግባር ቁጽሪ ኣሓ ከም ዝንኪ ክግበር ኣለዎ ይብል። ብወገን እቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ዘሎ ዩኒቭርሲቲ፡ ንሓረስቶት ንምድጋፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዘለዉ ፕሮጀክት ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ብወገኑ፡ "ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ኣብ ነዳዲ ዝምርኮስ ጸዓት ትጥቀም፡ ብዙሕ ሩባታት ስለዘለዋ፡ ሃይድሮ ኤለክትሪክ (ማያዊ ጸዓት) ንምጥቃም ብዙሕ ትሰርሓሉ ኣላ። እዚ ምስ ግብጺ ዘባእስ ዘሎ [ግድብ ሕዳሰ] እውን ኣሎ" ክብል ንኣገዳስነት ማያዊ ጸዓት ይገልጽ።

"ኣብ ኤርትራ'ውን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣሎ፡ ንኣብነት፡ ናይ ንፋስ ጸዓት ኣብ ከባቢ ዓሰብን ደቀምሓረን ነቲ ከባቢ እኹል ሸፈነ ክገብር ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸ'ሎ።

"ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ኤርትራ ዕቑር ጂኦተርማል ኢነርጂ [ጸዓት] ኣሎ፡ ውዑይ ማይን ኣየርን ዘለዎ። ጸሓያዊ ጸዓት'ውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ብምግባር ድማ፡ ማይ ባሕሪ ናብቲ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ንታሕቲ ዝኾነ ከባቢታት ዳሉል ብምጭንጓዕ ጸዓት ከተመንጩ ከም ዝክኣል ዝእምት መጽናዕቲ'ውን ኣሎ ኢሉ።

ኤርትራ ብተሓዳሲ ጸዓት ርእሳ ከም እትኽእል ኣፈናዊ መጽናዕቲ ከም ዘሎ'ውን ዶ/ር መብራህቱ ገሊጹ።

ምጪ ጸዓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ከሰልንን ነዳዲን ዝምጩ ጸዓት ቀንዲ ጠንኪ ብከላን ክሊማዊ ለውጥን ምዃኑ ይጥቀስ

ትጽቢታትን ውጽኢታትን ዋዕላ ክሊማ 2019 (COP25)

ነዚ ንፕላነት ምድሪ ናይ ሞትን ሂወትን ጉዳይ ኮይንዋ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቅድድም ምስ ግዜ፡ ውድብ ሕቡራት መሪሕ ተራ ብምውሳድ ዓመታዊ ዋዕላታት የካይድ'ዩ።

ካብቶም ብኣገዳስነቶም ቀንዲ ዝጥቀሱ ዋዕላታት ድማ፡ እቲ ኣብ 2016 ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ዝተኻየደን ወሳኒ ውዕል ዝተፈረመሉን'ዩ። ቅድሚኡ'ውን ኣብ 1997 ኣብ ኪዮቶ፡ ጃፓንን ዝተኻየደ ዋዕላ ቀያዲን ሕጋውን ውዕላት ክግበር ኣብ ዝምምዕ ዝተበጽሓሉ'ዩ ነይሩ።

እዞም ዋዕላታትን፡ ካብኦም ዝምንጭዉ ውዕላትን፡ ሃገራት ዓለም ግብራዊ ስጉምትታት ብምውሳድ ንኣሉታዊ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝጎድል ብምግባር ምቁጽጻር ዝዓለሙ'ዮም።

ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ረብሓታትን ዚመሰረቱ ዘይምስምማዕ፡ እቲ ኩነታት እንናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ። ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ተሓለቐቲ ክሊማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ጽርግያታት ብምዕጻዉ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ዘለዎም ተቓውሞታት ከርእዩ ጸኒሐም ኣለዉ።

ዶ/ር መብራህቱ ከም ዝብሎ፡ መትከል ናይዚ ዓመታዊ ዋዕላ፡ እተን ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት፡ እተን ኣዝየን በከልቲ ብምዃነንን፡ ኣብ ምግዳድ ናይቲ ለውጢ ቀንዲ ተሓተቲ ብምዃነን፡ ነተን ዘይማዕበላን ግዳያት ናይቲ ለውጢ ዝኾናን ሃገራት ክደግፍአን ዝብል'ዩ።

ነዚ ንምግባር ድማ፡ ገንዘባዊ ደገፍ ክገብራለን ኣለውን፡ ነቲ ሳዕቤናት ንምጉዳልን ንመጠን ካርቦን ኣብ ከባቢ ኣየር ንምንካይን

ምስሓብ ኣመሪካ ካብ ውዕል ፓሪስ

ኣመሪካ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ካብቲ ውዕል ወጺአን ይርከባ። ይኹን እምብር እተን ክልተ ካብአን እኹል ኣይኮነን ብምባል'የን ተቓውሞአን ገሊጸን።

ዶ/ር ኤርሚያስ ብዛዕባ ምስሓብ ኣመሪካ ካብቲ ውዕል ክዛረብ እንከሎ "ሓደ ነገር ክንግንዘቦ ዘለና ናይ ኣመሪካ፡ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ'ዩ ነጺግዎ ዘሎ ድኣ'ምበር፡ እተን ክፍለሃገራት ብዕቱብ'የን ዝሰርሓሉ ዘለዋ" ይብል።

ፈደራላዊ መንግስቲ ነተን ክፍለሃገራት ከገድደን ስለዘይክእል ድማ፡ እቲ ዝድለ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ንኣብነት ናይቲ ዝነብረሉ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ጠቒሱ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ካሊፎርንያ ዘውጽኦ ሓደሽቲ ሕግታት፡ ነቲ በካሊ ጋዛት ከም ዝጎድል ተወሲኑ'ሎ።

ንመቴን ዝበሃል ጋዝ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት ብ40 ሚእታዊት ክጎድል ከም ዝተወሰነን፡ ድሮ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ካብ 15-20 ሚእታዊት ጎዲሉ'ሎ። ካልእ ስጉምትታትን ቅጥዕታትን ወጺኡ ኣሎ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምቁጽጻር።