ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ፓሪስ ከም እትወጽእ ንውሕሃ ኣፍሊጣ

ደገፍቲ ክሌማ ኣብ ዋሽንግቶን ተቓውሞ እናስምዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተጣበቕቲ ክሌማ ዓለም ኣብ ዋሽንግቶን ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ

ኣሜሪካ፡ ካብ ስምምዕ ፓሪስ ክትወጽእ ምዃና ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ኣፍሊጣ።

እቲ ወግዓዊ መግለጺ፡ ቀዳማይ ስጉምቲ ናይቲ ንሓደ ዓመት ዝወስድ መስርሕ ምውጻእ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ማለት፡ ኣሜሪካ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ኣብ 2020 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ካብቲ ስምምዕ ጠቕሊላ ክትወጽእ'ያ።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ክሊማ ኣብ ልዕሊ "ቁጠባ ኣሜሪካ ዘይርትዓዊ ጸቕጢ" ዝፈጥር'ዩ ብምባል ይነቅፍ።

እቲ ኣብ 2015 ዝጸደቐ ስምምዕ ፓሪስ፡ 188 ሃገራት ንክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ዝፈረማሉ'ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ፡ ቀንዲ ደጋፊ ናይቲ ስምምዕ ብምዃን፡ ኣሜሪካ ክትፍርመሉ ምግባሩ ይዝከር።

ኩለን በቲ ስምምዕ ዝቕየዳ ሃገራት፡ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዋዒ ዓለም፡ ናብ ትሕቲ 2 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ከውርድኦ መብጻዓ ኣተየን'የን።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ዝርከቦም፡ መራሕቲ ዓለም በቲ ኣሜሪካ እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ከም ዝጉሃዩ ይገልጹ ኣለዉ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ 2017 ሃገሩ ካብቲ ስምምዕ ከም እትወጽእ ድሕሪ ዝኣተዎ መብጽዓ'ዩ፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ።

ንሱ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኦባማ ዝሰርሖ ስራሓትን፡ ዝበጽሖ ስምማዓትን ከፍርሶ ምዃኑ ክዛራብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ክሌማ ኣብ ልዕሊ "ቁጠባ ኣሜሪካ ዘይርትዓዊ ጸቕጢ" ዝፈጥር'ዩ ብምባል ይነቅፍ።

ድሮ፡ ነቲ ባራክ ኦባማ ምስ ኢራንን ሓያላት ሃገራት ዓለምን ዝበጽሖ ስምምዕ ኑክሌር ከም ዘይኣምነሉ ብምግላጽ፡ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ከም እትስሕብ ጌሩ'ዩ።

ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ነዳድን ከሰልን መሰረት ቁጠባ ኣሜሪካ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ብከላ ንምክልኻል ብዝብል ቁጠባ ክህሰ የብሉን ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ።

ኣሜሪካ፡ 15% ናይ ዓለም በካሊ ጋዝ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ተትክኽ።

መራሕቲ ፈረንሳን ቻይናን፡ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ብዘየገድስ፡ እቲ ስምምዕ ንድሕሪ ዘይምለሰሉ ኩነታት ንምፍጣር ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና ቤዢንግ ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።