ቺሊ፡ ብሰንኪ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ዓለም-ለኸ ዋዕላ 'ለውጢ ኣየር' ሰሪዛ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቺሊ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት፡ ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት ሃገራትን ኤፒክ ትሬድን ከምዘይተተኣናግድ ገሊጻ።
እቲ ኣጋጣሚ ከምዘሕዘኖ ዝገለጸ ፕረዚደንት ቺሊ ሰባስትያን ፒነራ፡ መንግስቱ ሕጊ ምኽባር ከምዘቕድም ገሊጹ።
ጉባኤ 'ለውጢ ኣየር' ኣብ ዝመጽእ ታሕሳስ ክካየድ መደብ ተታሒዝዎ ዝነበረ እንትኸውን፤ ጉባኤ ኤፒክ ትሬድ ድማ ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ዝካየድ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ካሊእ ኣማራጺ ይደሊ ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።
ቺሊ ነዚ ውሳነ ዝወሰደት ብተሓላቒት ከባቢ ኣየር ግሬታ ተንበርግ ዝተጸወዐ ሰልፊ ተቓውሞ ሓዊሱ ይካየዱ ዘለዉ ሰልፊታት ተቓውሞ ስዒቡ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሎሚ፡ እንተወሓደ 20 ሰባት ተቐቲሎምን ልዕሊ 7 ሽሕ ተኣሲሮምን እዮም።
መብዛሕተኦም ተቓውሞታት ብሰላማዊ ኣገባብ እናተኻየዱ ኮይኖም፤ ገሊኦም ግን ኣዕነውትን ጎንጺ ዝበዝሖምን እዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







