ኣብ ወተሃደራዊት መርከብ ሳን ጁኣን ዝተሰምዐ 'ነትጒ' ተስፋ ድሕነት ኣጸልሚቱ

ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጠፊኣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጠፊኣ

ኣብታ ደሃያ ዝተሳእነ ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና ዝነበሩ 44 ኣባላት ብህይወት ክርከቡ ተስፋ ነይሩ። ይኹን'ምበር ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር፡ ብመመርመሪ መሳርሒ ዝተቐድሐ ነትጒ ከምዝረኸበ ምስገለፀ፡ ተስፋታት መንሚኖም ኣለው።

እቲ " ንሓፂር ግዜ ዝፀንሓ፡ ዘይልሙድ፡ ግን ከኣ ከቢድ ዘይኒኩሌራዊ" ድምፂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ንኒኩሌራዊ ነትጒታት ብዝከታተል መሳርሒ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ተቐዲሑ።

እዚ ዜና ምስተሰምዐ፡ ስድራ ቤት ኣባላት እታ መርከብ ብሓዘንን ቁጠዐን ስምዒቶም እናገለፁ እዮም።

ኣሜሪካ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ከቢድ ድምፂ ከምዝተሰምዐ ኣፍሊጣ።

ንእንግሊዝ፣ ሩስያን ኣሜሪካን ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣብ መስርሕ እቲ ኣለሻ ወፊረን ይርከባ።

እዚ መረዳእታ ካበይ መፂኡ?

ኣብ ቪየና ዝርከብ ትካል ሓፈሻዊ ውዕሊ እገዳ ፈተነ ኒኩሌር (CTBTO) እዩ፡ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ሓበሬታ እቲ 'ነትጒ' ተዋሂቡ።

ክልተ መመርመሪ ኖቑጣታቱ ፡ ምልክት እቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተፈጠረ ነውፂ ከምዝቐድሑ ኣፍሊጡ።

ኣባላት እታ መርከብ

እታ መርከብ 44 ኣባላት ነይሮም፡ ብፔድሮ ማርቲን ፈርናንዴዝ ከኣ እያ ትምራሕ ነይራ።

ኣብ ሞንጎ 43 ደቀተባዕትዮ ኤልያና ማርያ ትበሃል ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ነይራ። ጓል 35 ዓመት ማርያ፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ፈላሚት ጓለ ኣንስተይቲ 'ኦፊሰር' እያ።

ኤልያና፡ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምዃን ሕልሚ ካብ ቀደም ጀሚሩ ከምዝነበራ ስድርኣ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኤልያና፡ ካብ ቀደም ጀሚሩ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምዃን ሕልሚ ከምዝነበራ ስድርኣ ይዛረቡ።

ኣቡኣ "ንግስቲ ባሕሪ" ብዝብል ሳጓ ዝፅውዕዋ ኤልያና፡ ካብ ሰሜናዊ ኣርጀንቲና'ያ።

ዝፈልጥዋ ሰባት፡ ነቲ ሙያ ዝተፈጠረት ሰብ ምዃና ይዛረቡ።

ዝተረፉ ኣባላት እታ መርከብ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመን ልምዲ ስራሕን ይርከቡ።

Presentational grey line

እታ መርከብ ትርከብ'ዶ ትኸውን?

ብራዚል፣ ቺለ፣ ኮሎምቢያ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ሩስያ፣ ፔሩ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኡራጓይን እንግሊዝን ካብ'ተን መራኽብ ወይ ድማ ነፈርቲ ናብ ኣለሻ ዘዋፈራ እየን።

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንታሕተዋይ ክፋል ምድሪ እቲ ባሕሪ ዝስእላ ክልተ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ሳብማሪን ኣዋፊሩ።

ናሳ ዘዋፈራ ነፋሪት'ውን ኣብ ኣለሻ እኳ እንተሃለወት፡ ዝረኸበቶ ኣፋፍኖት ግን የለን።