ኣብ ርእሰ ከተማ ቺለ እዋን ህጽጽ ግዜ ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ርእሰ ከተማ ቺለ ሳንድያጎ፡ ዋጋ ትኬት መንገዲ ባቡር ምስወሰኸ ብዝተላዕለ ናዕቢ፡ ናብ ጐንጺ ብምምርሑ እዋን ህጽጽ ግዜ ተኣዊጁ።
ዝበዝሑ እቶም ናዕበኛታት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃን፤ ተማሃሮ ዮኒቨርስትን ኮይኖም፡ ኣብ ንቑጣታት ባቡር ጉድኣት ብምውራድ፤ ሓዊ ብምውላዕን ከምኡ'ውን ተሸከርከርቲ ብምዕጋትን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጓዓዝቲ ብዘይ መጐዓዝያ ተሪፎም ከም ዘለው ተገሊጹ።
ብተወሳኺ፤ እቶም ተቃውሞ ዝስምዑ ዝነበሩ ናዕበኛታት ኣእማን ክድርብዩን መኻይ ፖሊስ ከቃጽሉን ቴለቨዥን እታ ሃገር ኣቃሊሓ።
ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ፖሊስ እታ ከተማ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም፡ እንተኾነ ግን እቲ ናዕቢ ከቋርጽ ኣይከኣለን።
እዚ ዓይነት ዕግርግር ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማት ዘሎ ፍልልይ ኣጉሊሑ ከም ዘርኢ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ከተማ ሳንድያጎ 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመት ብሰንኪ ክብሪ ዋጋታትን መነባብሮን ብዙሕ ምዕዝምዝማት ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ቺለ ሳባስትያን ፒነራ፡ እዚ ዝተዋጀ እዋን ህጽጽ ግዜ፤ ንውሕሰነት ህዝብን ንብረትን ንምውሓስ ከም ዝተወስደ ሓቢሩ፡ ንሱ፡ ነዚ ጸገም ንፍታሕ'ውን ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሰንኪ ክብሪ ነዳድን ጸዓትን፡ ትኬት መጓዓዝያ ባቡር ብ 1.17 ክውስኽ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ቺለ፡ ነቲ ብናዕበኛታት ዝግበር ዘሎ ምዕናው ንብረትን ጐንጽን ኮኒንዎ'ሎ። እቲ ናዕቢ ንምሉእ ለይቲ እዩ ተኻይዱ።
ፖሊስ እታ ሃገርን ሓገግቲ ሕግን ድማ ነዚ ናዕቢ ንምቁጽጻር ዘድሊ ስጉምቲ ክወስዱ መንግስቲ ቺለ ኣዘኻኺሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, AFP




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







