መልክዕናዶ ባህርያትና ይምረጽ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መልክዕ ንፈለማ ጦብላሕታ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ልቢ ሰባት ዝሰልብ ግን ካልእ ባህርያታት ኣሎ።
ሰባት ንግዳማዊ መልክዕ ብዙሕ ኣቓልቦ ስለ ዝህቡዎን ፈለማ ጦብላሕታ ንምፍጣር ቅልጡፍ ብምዃኑን ንምፍቃር ኣገዳሲ እዩ ኢልካ ንኽትሓስብ የቕልሎ። እንተዀነ፡ ግዳማዊ ስሕበት ዝድለ ደኣ ይዅን'ምበር፡ እቲ እምብዛ ኣድላዪ ግን ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ነገር እዩ።
ሰባት ንኣየናይ ዝያዳ ዋጋ ከም ዝህቡ ክምልሱ ዝፈተኑ መጽናዕቲታት፡ መልክዕን ጾታዊ ርክብን ማእከላይ ደረጃ ጥራይ ከም ዝሕዙ ይገልጹ። ገንዘብን ንዋታዊ ነገራትን ድማ ካብቶም ዝወሓደ መስሕብ ዝፈጥሩ እዮም።
ከም ኣገናዛቢ ምዃን (ኣብቲ ናይ ካልእ ሰብ ቦታ ኰይኑ ዝርኢ)፡ ሕዉስ ከምኡ'ውን በሊሕ ምዃን ዝኣመሰሉ ባህርያት ልዕሊ መልክዕ ሰሓብነት ዘለዎምን ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኽቡን እዮም።
እንተዀነ፡ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጽናዕቲታት፡ ሰባት ነቲ ብውሽጦም ዝስምዖም ሓዲጎም ኣብ ሰባት ቅቡል ዝብሉዎ መልሲ ስለ ዝህቡ ነቲ ውጽኢት ከዘንብሎ ከም ዝኽእል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ፕሮፌሰር ስነልቦና ግረግ ዌብስተር ይዛረብ።
እዚ ማለት፡ እቶም መጽናዕቲታት ቅሩብ ወገናውያን ክዀኑ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ካብ ንመልክዕ ንብልሒ ወይ ምስትውዓል ከም ዝመርጹ እዮም ዝገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዕለታዊ ህይወት፡ ሰባት ንባህርያት ወይ ንስነት ልዕሊ መልክዕ ክመርጹዎ ንዕዘብዶ?
ጀስ ኣልደርሰን፡ ሶ ሲንክድ ዝብል ናይ መራኸቢ መተግበሪ (dating app) ምስ ካልኣይታ ዝመስረተት፡ ነዚ ሕቶ "እወ" እዩ መልሳ።
እቲ መተግበሪ እንታይነት ባህርያት ሰባት ንምዕቃን፡ ዝምለስ ሕቶታት (ሳይኮሜትሪ) የቕርብ። ኣብቲ ቢቢሲ ዝተዓዘቦ ናይ ልዕሊ 1,000 ተጠቀምቲ፡ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ካብ መልክዕ ንላዕሊ ባህርያት ከም ዘገድሶም የርኢ።
ባህርያት ንምዕቃን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕቶታት ሳይኮሜትሪ ኣብ ሕክምና ስነኣእምሮ ባህርያት ንምፍላጥ ንዓመታት ክጥቀምሉ ጸኒሖም እዮም።
ሓያሎ ክኢላታት ስነኣእምሮ፡ ሓሙሽተ ዓበይቲ መዐቀኒታት ባህርያት ይጥቀሙ፤ ንሓድሽ ተመኵሮ ክፉት ምዃን፡ ንቑሕን ሓላፍነታውን ምዃን፡ ሕዉስ ምዃን፡ ዝረዳዳእ (ግጭት ዘወግድ) ምዃን፡ ከምኡ'ውን ዘይጸዓድ (ርጉእ) ምዃን እዮም። እዚኦም ልሙዳት እኳ እንተዀኑ፡ ሰባት ኣብ ውሱናት ነጥብታት ከም ዘተኵሩ ዝገብርን ምሉእ ስእሊ ዘይህብን ምዃኑ ዌብስተር ይዛረብ።
እዞም ዝርዝራት ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ሰባት ኣብ ሓድሕዶም ዘርእዩዎ ምምስሳልን ምፍልላይን ስእሊ ክህቡ ግን ይኽእሉ እዮም። ገለ ባህርያትና ኣብ ዕቱብ ዝምድና ከመይ ክንዋሳእ ከም እንኽእል ዘመልክቱ ይመስሉ።
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሓሙሽተ መዐቀኒታት ባህርያት ዝዀነ ምርድዳእ ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ሕውነታዊ፡ ሓላዪን ተሓባባርን ምዃኑ - ኣብ ስሕበት ኮነ ዝምድና ዓቢይ ግደ ኣለዎ።
መጻምድቲ ኣብ ሕጂ ይዅን ኣብ መጻኢ ክሳዕ ክንደይ ሕጉስ ዝምድና ይህልዎም ከም መገመቲ'ውን የገልግል እዩ። ደጋዊ መልክዕ ብጽቡቕ ዝሰርሕ፡ ምርድዳእ ምስ ዝህሉ እዩ።
ጥዑይ ሰብ ምዃን (ብባህርያት) ኣብ ዝምድና ንነዊሕ ግዜ ክትጸንሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ዌብስተር ይገልጽ። ምርድዳእ ከም ኣውራ ኣገዳሲ እዩ። ሕያዋይ ምስ ዘይኰነ ሰብ ርክብ ምጅማር ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል ይውስኽ።
ዌብስተር፡ ንገዛእ-ርእስናን ካልኦትን እንርእየሉ መንጽር፡ ኣብቲ ዘለና መዐቀኒታት ከም ዝምርኰስ ይገልጽ። እቶም ምርድዳእ ዘዘውትሩ ሰባት ንኻልኦት እውን ሕያዎትን ዕርክነት ዝፈትዉን ገይሮም እዮም ዝርእዩዎም። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ናብቶም ከምኦም ተመሳሳሊ ክብርታት ዘለዎም እዮም ዝሰሓቡ።
መወዳእታኡ፡ ምስቲ ከም ናትና ባህርያት ወይ ንስነት ዘለዎ ሰብ ንዛመድ ክኸውን ይኽእል እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







