ንዝምድናታትና ዘበላሹ ዘሎ ልምዲ ተሌፎን ደው እነብለሉ ቀሊል መገዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ተሌፎናትና ዘለና ምትእስሳር - ሓሓሊፉ ናብ ወልፊ ገጹ ዝኸደ - ምስ ሰባት - መሓዙትና ኰነ መጻምድና - ዘለና ርክባት ይሃስዮ ምህላው ነጋሪ ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኰነን።
ከምኡ ምዃኑ እናፈለጥና ግን፡ ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ግዜ ብሃበ ተረኽበ ተሌፎናትና ንተናኽፍ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዘይ ፍላጥ ኣብ ጐንና ኮፍ ንዝበለ ሰብ ገዲፍና ነብስና ምስ ስልክና እንረኽበሎም ህሞታት እስከ ሕስብ ኣብሉዎ?
እዚ ልምዲ ብፍላይ ኣብ ዝምድናታት መጻምዲ ጽልዋ ከሕድር ይኽእልን፤ ወለዲ ብሰንኩ ምስ ደቈም ዘሕልፉዎ ግዜን ክፈጥሩዎ ዝግባእ ምትእስሳርን ካብ ምድኻምን ብዝሰገረ፡ ኣብ ዓበይቲ ርእሰ-ምትእምማን ክጐድል ይገብር።
ነዚ፡ ነብሰ ግትኣት ገይርካ ርእሰ ነቐፌታ ብምግባር፡ መዓስ እዩ ቀልብና ናብ ተሌፎናትና ዝሰግር ኣብ ዝብል ምትኳር ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓንቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ትዛረብ።
ሓጋዚት ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ዶክተር ኬትሊን ረገር፡ ምስ ካልእ ሰብ ኣብ እትህልወሉ እዋን ብዘይ ፍላጥካ ተሌፎንካ ንዘይምትንካፍ ዝሕግዝ ቀሊል መገዲ ከም ዘሎ ትሕብር።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኢድና ናብ ተሌፎንና እንሰደሉ እዋን፡ ስለ ምንታይ ከምኡ ከም እንገብር ነቲ ምሳና ዘሎ ካልእ ሰብ ምዝራብ፣ ምስ ወዳእና ድማ ንዕኡ ኣቐሚጥና ዳግማይ ምጽንባር።
እዚ ኣዝዩ ቀሊል ይመስል፡ ግን ብዙሕ ግዜ ከየስተብሃልናሉ እንከለና'ውን መልእኽትታት፡ ኖቲፊኬሽናት ወይ "ቅልጥፍ ኢልና ዝዀነ ነገር ርእይ ብምባል ምሕላፍ፡ " ዝበሉ ባህርያትና ንምቕያር ክሕግዝ ከም ዝኽእል ዶክተር ረገህር ትዛረብ።
እቲ ዘገድስ ብዛዕባ እዚ ሽግራትካ ግልጺ ምዃን እዩ፤ ስለዚ ምስ ሰብ እንከለኻ መልእኽቲ እንተመጺኡካ እሞ ግድን ክትርእዮ እንተሃልዩካ፡ ነታ ምሳኻ ዘላ ወይ ዘለው ሰባት፡ "ሓንሳእ ነዚኣ ክምልስ ኣለኒ፣ ድሕሪኡ ምሉእ ቀልበይ ምሳኺ/ምሳኹም'ዩ፡" ምባል ክትለምድ ይግባእ።
"እዚ ድማ እቲ ምሳኻ ዘሎ ካልእ ሰብ ሸለል ከም ዝበልካዮ ንኸይስምዖ ይገብር፡" ትብል ዶክተር ረገር።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ሓደ ሰብ ነዚ ምኽንያት ገይሩ፡ ተወሳኺ ሰዓት ኣብ ተሌፎኑ ንኸየጥፍእ ሓላፍነት ክስምዖ ይገብር ኢላ። ከምዚ ዓይነት ስነ ምግባር ምምዕባል ከኣ ዝምድናታትና ንምምሕያሽ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ሓጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ዶክተር ክሌር ሃርት፡ ብዛዕባ ዝምድናታቶምን ኣጠቓቕማ ተሌፎንን 196 ሰባት ዘጠቓለለ መጽናዕቲ መሪሓ።
ብሓፈሻ እቲ ውጽኢት ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ኣብ ጐንኻ ዘለው ሰባት ትኹረቶም ናብ ተሌፎን ምስ ዝኸይድ ዕሽሽ ከም ዝበሉኻ ከም ዝስምዓካ፡ እዚ ድማ ንዝምድናታትካ ክጸሉ ከም ዝኽእል ይሕብር።
ዶክተር ሃርት፡ "ኵሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ግብረ መልሲ ኣይህብን'ዩ፡" ይብል።
"ኣብ ስብእና'ዩ ዝምርኰስ፡ ሓደ ሰብ ዕሽሽ ከም ዝተባህለ ምስ ዝስምዖ ግን ሕነ ክፈዲ ክለዓዓል ይኽእል'ዩ።"
"ስለዚ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ተሌፎን የልዕሉ፤ ሽዑ'ዩ ድማ ነፍሲ ወከፍ መጻምዲ ካብቲ ኣብ ስክሪን ዘሎ ዝዀነ ይዅን ነገር ዝተሓተ ወይ ዝተነጽገ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ ሓደገኛ ዝኸውን።"
ብፍላይ ምስ መጻምድኻ ኴንካ ግዜኻ ኣብ ስልክኻ እተሕልፍ እንተዄንካ፡ እቲ ክህሉ ዝግብኦ ምቅርራባት እናሃሰሰ እዩ ዝኸይድ።
እዚ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ክትመልሶ ድማ ቅሩብ ግዜ ክወስደልካ ይኽእል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







