ሓበሬታ ጥዕና ዝእክቡ 'ስማርት' ሞባይላትን ሰዓታትን ስለምንታይ ስክፍታ ይፈጥሩ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዞይ ክላይንማን
ኣሰናዳኢት ቴክኖሎጂ
ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ስማርት ሰዓታት ዝኣመሰሉ ኣብ ኣካላቶም ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝለበሱ ሰባት ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ነዞም ፍርያት ጥዕናኦም ንምክትታል ይጥቀሙሎም።
ብሰንከ'ዚ ድማ እዚ ቴክኖሎጂ፡ ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ዝንቀሳቐሰሉ ኢንዱስትሪ ኰይኑ ይርከብ።
ብዙሓት ብሉጻት ፍርያት፡ ንመደባት ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ሙቐት ኣካላት፡ ህርመት ልቢ፡ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትን ኣገባብ ድቃስን ካልኦትን ብትኽክል ከምዝከታተሉ ይዛረቡ።
ብዙሓት ሓካይምን ክኢላታት ቴክኖሎጂን ግን በዞም ፍርያት ዝተኣከበ መረዳእታ ጥዕና ኣብ ምጥቃም ጥንቃቐ ከምዘድሊ'ዮም ዝገልጹ።
ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ብትካል ኣልትራሁማን ዝፈረየት ስማርት ቀለቤት እናፈተንኩ ይርከብ – ኣቐዲማ ድማ ይሓምም ከምዘለኹ ዝፈለጠት ትመስል።
ኣብ መወዳእታ ሓደ ሰሙን ሙቐተይ ቁሩብ ከምዝወሰኸን ድቃሰይ ድማ ቅሳነት ከምዘይብሉን ኣጠንቀቓትኒ። እዚ ድማ ገለ ነገር ይሓምም ከምዘለኹ ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል መጠንቀቕታ'ዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ምልክታት ቅድመ-ጽንፈተ ጽግያት እዩ ዝኸውን ኢለ ሸለል ኢለዮ - ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን ብሰዓል ክሳብ ዓራት ሒዘ ዝድቕስ ኰይነ።
ሕክምናዊ ሓገዝ ኣየድልየንን'ዩ ነይሩ፡ እንተዘድልየኒ ግን – እቲ ካብታ ቀለቤት ዝረኸብክዎ መረዳእታ ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ምሓገዞም'ዶ ነይሩ? ብዙሓት ከምዚኦም ዝበሉ ፍርያት ነዚ ብንጥፈት ዘተባብዑ እዮም።
ንኣብነት ኦራ ስማርት ሪንግ፡ ሕሙማት መረዳእታኦም ብመልክዕ ጸብጻብ ኣውሪዶም ንሓኪሞም ከካፍሉ ዝኽእሉሉ ኣገልግሎት ይህብ።

ምንጪ ስእሊ, Oura
ንትካል ኦራ ዘማኽር ዶክተር ኬክ ደች፡ እዞም ፍርያት ቴክኖሎጂ "ሓፈሻዊ ጥዕና ዝያዳ ብትኽኽል ክምርምር" ከምዝሕግዝዎ ይዛረብ። ይኹን'ምበር እዞም ፍርያት ኩሉ ግዜ ብቅኑዕ ኣገባብ ዝሕግዙ ምዃኖም ዘይሰማምዑ ሓካይም እውን ኣለዉ።
ዶክተር ሄለን ሳሊስበሪ ኣብ ኦክስፎርድ እትሰርሕ ሓፈሻዊ ሓኪም እያ። ንሳ፡ ካብዞም ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ሒዞም ዝመጹ ተሓከምቲ ብዙሓት ከምዘይኰኑ ትዛረብ። እንተዀነ እቲ ቁጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ከምዘስተብሃለትን ስክፍታ ከምዝፈጠረላን ኣይትኽሕድን።
"ካብቲ ሓጋዚ ዝዀነሉ ግዜ ንላዕሊ ሓጋዚ ዘይዀነሉ እዋን ኣሎ፤ ብሃይፖኮንድርያ (ጭንቀተ ኣእምሮ) ከምኡ'ውን ብልዑል መጠን ክትትል ኣካል ዝተዓብለለ ማሕበረሰብ ንሃንጽ ከምዘለና ከስተባህል እንከለኹ ስክፍታ ኣለኒ" ትብል።
ዶክተር ሳሊስበሪ ንግዚኡ ንቡር ዘይኰነ መረድኢታት እንረኽበሉ ብዙሕ ምኽንያት ክህሉ ከምዝኽእል ትገልጽ። ንኣብነት ጠንቂ መጠኑ ዝወሰኸ ትርግታ ልቢ፡ ጸገም ጥዕና ወይ ብልሽት መሳርሒ ክኸውን ይኽእል። መብዛሕትኡ መጠኑ ዝወሰኸ ትርግታ ልቢ ድማ ተወሳኺ መርመራ ዘይከድልዮ ይኽእል።
"ሰባት ኣብ ክንዲ ሕማም ክስምዖም እንከሎ፡ ኵሉ ግዜ ጥዕናኦም ክከታተሉን እቲ መሳርሒ ከምዝሓመሙ ብዝሓሰበ ቁጽሪ ናብ ሓኪም ክጎዩን ኢና ነበረታትዖም ዘለና።"
ብተወሳኺ ካብቶም መሳርሒታት ዝርከብ መረዳእታ ብስነ-ኣእምሮ መዳይ ኣንጻር ገለ ሕማም ከም መድሕን ወይ ውሕስነት ዝጥቀሙሉ ከምዘለዉ ተተሓሳስብ። ንኣብነት እቶም መተግበሪታት ብዛዕባ መንሽሮ ሕበጥ (ኣብ ውሽጢ ኣካላት ዝኽሰት ሕማም) መጠንቀቕታ ስለዘይህቡ ሕማም የብልናን ኢሎም ክሓስቡ ዝኽእሉ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ስክፍታኣ ትገልጽ።
እዞም ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝገብርዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ሰባት ጽቡቕ ልምዲ ከማዕብሉ ምግባር እዩ፤ ካብኦም ክርከብ ዝኽእል ዝበለጸ መልእኽቲ እቲ ሓካይም ንዓመታት ክህብዎ ዝጸንሑ መልእኽቲ ክትብል ትውስኽ፡ "እቲ ብሓቂ ሰባት ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ብእግሪ ምጕዓዝ፡ ብዙሕ ኣልኮል ዘይምስታይን ቅኑዕ ክብደት ምዕቃብን እዩ። እዚ ፍጹም ኣይክልወጥን'ዩ።"
ሰዓት ኣፕል (ኣፕል ዎች) ዋላ'ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ግን መሸጣኣ እንተነከየ፡ ኣብ ዓለም እታ ብሰፊሑ ዝተሸጠት ስማርት ሰዓት እያ።
ብዛዕባ'ዚ እቲ መፍረይ ትካል ርእይቶ ኣይሃበን፡ እንተዀነ ግን ዕዳጋኡ ንምውዕዋዕ ሓቀኛ ታሪኽ ናይቶም ብሰንኪ ኣብታ ሰዓት ዘሎ መከታተሊ ኩነታት ልቢ ህይወቶም ዝደሓኑ ሰባት ይጥቀም እዩ።
ኣነ'ውን ብዙሓት ካብዞም ወግዕታት ሰሚዐ ኣለኹ፡ እቲ ዘይሰማዕኽዎ ግን ክንደይ ዝኣክል ዘይቅኑዕ መረዳእታታት ነይሮም ዝብል እዩ።
ተሓከምቲ መረዳእታቶም ናብ ሰብ ጥዕና ኣብ ዘቕረቡሉ ኣጋጣሚታት፡ ሓካይም ስቕ ኢሎም ካብቶም ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝቐረበሎም መረዳእታ ካብ ምጥቃም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መሳርሒ ሕክምና ተጠቒሞም ናይ ባዕሎም መረዳእታ ክረኽቡ ይመርጹ።
እዚ ዝዀነሉ ብዙሕ ምኽንያት ከምዘሎ ኣብ ዩኒቨርሲቴ ኖቲንግሃም ትረንት ፕሮፌሰር ናይዞም ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝዀነ ዶክተር ያንግ ዌ ይዛረብ። እዞም ምክንያታት ድማ ኵሎም ግብራዊ እዮም ይብል።
"ሰባት ናብ ሆስፒታል ከይዶም ኢሲጂ (ECG - መመርመሪ ንጥፈታት ልቢ) ክገብሩ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ሃልኪ ሓይሊ መብራህቲ ኣይትጭነቕን - ምኽንያቱ እቲ መመርመሪ ምስ ሶኬት ዝተራኸበ እዩ" ይብል።
"ኣብ ሰዓት ግን፡ ብኡ ንብኡ ባትሪ ስለ ዝውድእ ሰባት ብቀጻሊ ኢሲጂ ክምርምሩ ኣይኽእሉን።"
ብተወሳኺ እታ ኣብ ኢዶም ዘላ ሰዓት ከምኡ'ውን ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኣካል ናይቶም ሰባት፡ ኣብቲ ዝእከብ መረዳእታ 'ምርባሽ ስለ ዝፈጥር' ተኣማንነት እቲ ሓበሬታ ክትሕት ይገብር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Helen Salisbury
ዶክተር ዌ ናብታ ኣብ ኣጻብዕተይ ዝነበረት ቀለቤት ኣኣንፈተ።
"ትርግታ ልቢ ንምልካዕ እቲ ዝበለጸ መስርሕ ካብ ጕምቦ ኢድ ወይ ብቀጥታ ካብ ልቢ እዩ" ይብል። "ካብታ ኣጻብዕቲ እንተመርሚርኪ፡ ቅንዑነት እቲ መረዳእታ ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣቱ ኣሎ።"
ተራ እቲ ሶፍትዌር ኣብቲ መረዳእታ ዘሎ ክፍተት ምምላእ ከምዝዀነ ይጠቅስ። ኣብዚ ጉዳይ ግን እቶም መሳርሒታት፡ እንተላይ ዝጥቀሙሉ ሴንሰራትን ሶፍትዌርን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዝእክብዎ መረዳእታ ብዝምልከት እንተላይ ዝተቐመጠ ዓለምለኻዊ ደረጃ የለን።
ሓደ መሳርሒ ብቀጻሊ ብዝተለበሰ መጠን ቅኑዕ መረዳእታ ክህብ ተኽእሎ ኣሎ፤ ግን እዚ እውን እንተዀነ ብዘይ መጠንቀቕታ ኣይኰነን።
ቤን ውድ ካብ ገዝኡ ወጺኡ እንከሎ፡ ብዓልቲ ቤቱ ካብ ኣፕል ሰዓቱ ሓደጋ መኪና ከምዘጋጠሞ ዝገልጹ ተኸታተልቲ መጠንቀቕታ ተቐቢላ። ተሌፎኑ ህጹጽ ኣገልግሎት ንምርካብ ክደልዮ ስለዝኽእል ኣብ ክንዲ ምድዋል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክትሰድድ ድማ ለበዋ ኣቕሪቡላ። ክትቅበል እንከላ፡ ንሱ ንደገ ወጺኡ ነይሩ።
እቶም መጠንቀቕታታት ቅኑዓት እዮም ነይሮም፡ ግን ድማ ኣድለይቲ ኣይነበሩን። ቤን ኣብ ውድድር መኪና፡ ብፍጥነት መኪና እናዘወረ እዩ ነይሩ። ኣብ ውድድር መኪና "ብዙሕ ተውህቦ" ከምዘይብሉ'ኳ እንተተኣመነ፡ ኩሉ ግዜ ውሕስነት ከምዝስምዖ ግን ይዛረብ።
"ኣብ መንጎ ሓደ ኵነትን መጠንቀቕታን ዘሎ ፍልልይ ብጥንቃቕ ክመሓደር ኣለዎ" ክብል ኣብ ሓደ ብሎግ ጺሒፉ። "ኣፍረይቲ እቶም መሳርሒታት፡ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን፡ ቀዳሞት ወሃብቲ ግብረ-መልሲን ውልቀሰባትን ብዛዕባ መጻኢ እዚ ቴክኖሎጂ ብኸመይ ከምዝሓስቡ ክፈልጥ ይህንጠ።"
ኣብ ኪንግስ ፈንድ ዝሰርሕ ክኢላ ፕሪተሽ ሚስትሪ፡ ብተሓከምቲ ዝተኣከቡ መረዳእታታት ኣብ ስርዓት ጥዕና ኣብ ምጥቃም ርኡይ ብድሆታት ከምዘለዉ ይሰማማዕ። ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዓመታት ምይይጥ ክካየድ ከምዝጸንሐን ዝዀነ መዕለቢ ከምዘየለን ወሲኹ ይገልጽ።
ኣገልግሎት ሕክምና ካብ ሆስፒታላት ናብ ከባቢታት ማሕበረሰብ ንምድፋእ ንዝጽዕር ዘሎ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እዞም ፍርያት ከም "ሓደ ጽቡቕ ምኽንያት" ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
"ብመዳይ ትሕተ ቅርጺ ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ክእለት፡ ፍልጠት፡ ዓቐሚን ርእሰ-እምነትን ንከማዕብሉ ብዘኽእሉ መሰረታዊ ደገፋት እንተዘይተሓጊዙ ግን ብድሆ ዝኸውን ይመስለኒ" ክብል ይውስኽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







