ዋጋ ቢትኮይን 100 ሽሕ ዶላር በፂሑ: ብዛዕብኡ ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓሙሽተ ሓቅታት

ምልክት ቢት ኮይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ፈተውትን ተጠቀምትን ክሪፕቶካረንሲ ነዚ ኣብ ታሪኽ ቢትኰይን ክብረወሰን ዝሓዘ ዋጋ ጽምብል ኣካይዶም ኣለዉ።

እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ግን፡ ብሃንቀውታ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዋጋ ቢትኰይን ክብረ ወሰን ዝሓዘ መጠን ክበፅሕ ግምታት ነይሮም።

ዋጋኡ ናብ 100 ሽሕ ዶላር ይቐርብ ስለዝነበረ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዕዱማት ኣብ ኦንላይን ንዝካየድ ዝነበረ ምዕባላታተት ይከታተሉ ነይሮም።

ዋጋ ሓደ ቢትኮይን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ክሪፕቶካረንሲ ዓቢ ፅልዋ ዝፈጥሩ ዘለዉ ረቛሒታት ኰይኑ፡ እቲ ኢንዱስትሪ ሕጂ ዋጋኡ 3.3 ትሪልየን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል ትካል ትንተና 'ኮይን ማርኬት ካፕ' ይሕብር።

ነቲ ናይ ቀረባ ክብረ-ወሰን ዝሓዘ ወሰክ ዋጋ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መረፃ ኣመሪካ ዝረኸቦ ዓወት መበገሲ ምኽንያት ከምዝዀኖ እዩ ዝእመን።

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምቹእ ፖሊሲታት ክኽተል እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።

እቲ ምሩፅ-ፕረዚደንት፡ ንኣሜሪካ "ርእሰ ከተማ ክሪፕቶ" ዓለም ክገብራ ቃል ምእታዉ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ንቢትኮይን "መታለሊ" [ሰካም] ኢሉ ዘነኣኣሶ ዝነበረ ሰብ፡ ዘይእመን ለውጢ እዩ።

ትራምፕ ነቲ ኢንዱስትሪ ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ሸይሙ ኣሎ፤ ንተቖፃፃሪ ዎል ስትሪት ክመርሕ ዝተሾመ ፖል ኣትኪንስ ካብቲ ሕጂ ሓላፊ ኤስ.ኢ.ሲ ዝኾነ ጋሪ ጀንስለር ኣዝዩ ዝያዳ ደጋፊ ክሪፕቶካረንሲ ኮይኑ ይረአ።

እቲ ዘገርም ዋጋ ቢትኮይን ከመይ ጌሩ ክንድዚ ሰማይ ከምዝዓረገ እዩ።

40 ሚኢታዊ ወሰኽ ዋጋ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ መዓልቲ መረፃ ዝተራእየ ዀይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እናወሰኸሉ ዝመፅአ ዋጋ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ።

ቢትኮይን ግን ካብቲ ኣብ ዋጋኡ ዝመጽእ ዘደንጹ ለውጢ ንላዕሊ ብዙሕ ዘገድስ ነገር ኣሎ።

ቢቢሲ ብኸምዚ ዳህሲሱዎ ኣሎ።

ተመራጺ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

1. ስዉር ፈጣሪ ቢትኮይን

ንቢትኮይን ዝመሃዘ ሰብ መን ከምዝዀ ብሓቂ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

እቲ ሓሳብ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ 2008 ኣብ መድረኻት ኢንተርነት ብሓደ ንነብሱ ሳቶሺ ናካሞቶ ዝብል ሰብ ተዘርጊሑ።

ንሱ፡ ልክዕ ከምቲ ኢመይል ምልኣኽ፡ ሰባት ብኢንተርነት ቨርቹዋል ሳንቲም ክሰዱ ዘኽእሎም፡ መዛኑ ንመዛኑ ዝሰርሕ ዲጂታላዊ ስርዓት ገንዘብ ብኸመይ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ገሊፁ።

ሳቶሺ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉይ ሶፍትዌርን ሓያላት ኮምፒዩተራትን ዝጥቀሙ ዓቢ መርበብ ተጠቒሙ ልውውጥ ዘሰላስልን ሓደስቲ ሳንቲም ዝፈጥርን ዝተሓላለኸ ስርዓተ ኮምፒተር ፈጢሩ።

ኣብ 2014 ጃፓናዊ ኣሜሪካዊ ዶርያን ናካሞቶ ፈጣሪ ቢትኮይን ዝመስሎም ጋዜጠኛታት ተኸታቲሎምዎ'ኳ እንተነበሩ ብገለ ብጌጋ ዝተተርጎመ ሓበሬታ ምዃኑ'ዩ ጸኒሑ ተረጋጊጹ።

ኣውስትራልያዊ ሳይንቲስት ኮምፒተር ክሬግ ራይት ኣብ 2016 ንሱ ምዃኑ ገሊጹ።

ድሕሪ ናይ ዓመታት ሕጋዊ ሞጎት ግን ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሱ፡ ሳቶሺ ከምዘይኮነ ደምዲሙ።

ኣብዚ ወርሒ ድማ ሓደ እንግሊዛዊ ሰብኣይ ስቲቨን ሞላህ፡ ጋዜጠኛታት ፀዊዑ ‘ኣነ እየ’ ኢሉ መግለፂ ሂቡ - ግን ዝኣመኖ ሰብ ኣይተረኽበን።

 መሃዚ ቢትኮይን እዩ ተባሂሉ ብጌጋ ዝተኸሰ- ዶርያን ናካሞቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

2. ብፒዛ ታሪኽ ምስራሕ

ሕጂ ቢትኮይን ንኽልተ ትሪልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኢንዱስትሪ ክሪፕቶካረንሲ ዝስከም እዩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ዝተመዝገበ ልውውጥ ዕዳጋ ብእኡ ተጠቒምካ ፒዛ ምዕዳግ እዩ።

ብ22 ግንቦት 2010፡ ላዝሎ ሃንየች፡ ክልተ ፒዛ ንምዕዳግ ኣብ ሓደ ክሪፕቶ ፎረም 41 ዶላር ዝዋግኡ ቢትኮይን ኣቕሪቡ።

ሓደ ወዲ 19 ዓመት ተማሃራይ ዝወሰዳ ኰይኑ፡ እታ መዓልቲ ንኣድነቕቲ ናይቲ ባጤራ መዓልቲ #BitcoinPizza ተባሂላ ኣብ ታሪኽ ተሰሪዓ።

ነቶም ኣብ ማሕበረሰብ ክሪፕቶ ዘለዉ መዘራረቢ ዛዕባ ዀይኑ ቀንዩ፤ ሓይሊ ቢትኮይን ብሓቂ ብኦንላይን ኣቑሑት ክገዝእ ዝኽእል ናይ ኢንተርነት ገንዘብ ምዃኑ’ውን ኣርእዩ።

ርግፅ እዩ፡ ሰርሰርቲ እውን ነዚ ክብለፁሉ ይኽእሉ እዮም።

ምኽንያቱ ቢትኮይን ንምልዋጥ ሓሽሽን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣቑሑትን መለዋወጢ ዕዳጋ ዀይኑ ከገልግሉ ጀሚሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ኣጋጣሚ ግን ንላዝሎ ሕጂ ውን ሕማቕ ይመስል። ነተን ሳንቲም እንተዝሕዘን ሕጂ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ምኾና።

3. ዕቤትን ውድቀትን ክሪፕቶ ካዛኪስታን

ኣብ 2021፡ ካዛኪስታን ሕምብርቲ ዕደና ቢትኮይን ኰይና ነይራ።

ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ዝሰርሑ ሓደስቲ ኮምፒዩተራት ዝመልአ መኽዘናት ተኸፊቶም ነይሮም።

እቲ ዓስቢ ግን ነተን ዝሳተፋ ኩባንያታት ፍጹም ሓድሽ ቢትኮይን እዩ።

መኽዘናት ኮምፒዩተራት ብዙሕ ፀዓት ይሓትት። ብዙሓት ትካላት ንግዲ ድማ ሳላ ብቐሊሉ ዝርከብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካዛኪስታን ተመራፂት ነይራ።

ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ኢንቨስትመንት ስለዘምጽኡ ብኽፉት ልቢ እዩ ተቐቢልዎም።

እንተዀነ፡ ብዙሓት ዓደንቲ ቢትኰይን መጺኦም ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓቢ ጸቕጢ ብምፍጣሮም ነታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣእትይዋ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ መንግስቲ ነቲ ግስጋሰ ንምግታእ ሰፋሕቲ ገደባትን ግብርን ኣንቢሩ።

ኢንዱስትሪ ዕደና ቢትኮይን ካዛኪስታን ካብ ዕቤት ናብ ውድቅ ኣምሪሑ።

ኣብ መላእ ዓለም መርበብ ቢትኮይን ክንዲ ንሓንቲ ንእሽቶ ሃገር ዘገልግል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝጥቀም ይግመት። እዚ ድማ ኣብ ፅልውኡ ስክፍታታት የልዕል ኣሎ።

4. ኣብ እንዳ ጎሓፍ ዝኣተወ ቢትኮይን

ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር (78 ሚልዮን ፓውንድ) ዝዋግኡ ክሪፕቶ ቦርሳ ምሽካምካ እሞ ሕሰብ፡ ድሕሪኡ ድማ ብጌጋ ዝርዝር መእተዊ [ፓስዋርድ] ዝሓዘ ሃርድ ድራይቭ ወዲቑካ ንበል።

ወዲ ደቡብ ዌልስ- ጀምስ ሃውልስ፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ።

ባህሪ ክሪፕቶ፡ ከም ፓስዎርድካ ዳግማይ ምቕያር ቀሊል ኣይኮነን።

ባንክታት ስለዘይሳተፋሉ ድማ ዝኰነ ናይ ዓማዊል ደገፍ ሓገዝ የለን።

ጀምስ፡ ዋላ'ውን እንተፈቒዶምሉ 25 ምኢታዊት ካብቲ ዝዓቖሮ ቢትኮይን ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ናይቲ ከባቢ ከወፍዮ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዘፈጠረሉ ስምዒት፡ "ናይ ሓንቲ ሳንቲም ከም ምውዳቕ ህሞት እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ክንዲ ቢልዮነር ክሪፕቶ ሞጉል ነበር ሳም ባንክማን-ፍራይድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

5. ንጉስ ክሪፕቶ

ክንዲ ቢልዮነር ክሪፕቶ ሞጉል ነበር ሳም ባንክማን-ፍራይድ ዝኣክል ኣብ ቢትኮይን ዝኸሰረ ሰብ የለን።

መስራቲ ናይቲ ዓቢ ናይ ክሪፕቶ ትካል ኤፍቲኤክስ [FTX]፡ ንጉስ ክሪፕቶ ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦን ብማሕበረሰብ ዝፍቶን እዩ።

እቲ መስርሕ፡ ሰባት ንቡር ገንዘብ ብከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ክነግዱ ዘኽእሎም ናይ ክሪፕቶካረንሲ ምልውዋጥ እዩ ነይሩ።

32 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዋጋ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክሳብ ዝወድቕ ንሰማይ ይዓርግ ነይሩ።

ጋዜጠኛታት፡ ኩባንያ ባንክማን-ፍራይድ ዘተኣማምነ ከምዘይነበረን፡ ናብቲ ካልእ ትካሉ 'ኣላሜዳ ሪሰርች'፡ ዓማዊል ኤፍቲኤክስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከሰጋግር ከምዝጸንሐን ተረዲኦም ነይሮም።

ኣብ ታሕሳስ 2022 ኣብ ባሃማስ ካብ ዝርከብ ኣዝዩ ዝተመላኸዐ ኣፓርታማታቱ ተኣሲሩ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ንጋዜጠኛታት ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምጭብርባር ዝፈጸምኩ ኣይመስለንን። እዚ ክኸውን ኣይደለኹን። ብርግጽ ከምቲ ዝመስለኒ፡ ብቑዕ ኣይነበርኩን" ኢሉ።

ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ምስተዋህበ፡ ብምትላልን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን፡ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ን25 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ድማ ኣብ ማሕዩር ይርከብ።