ኪነታውያን በላሕቲ (AI) ተሓጋገዝቲ ንዓመታ ከምዚ እዋን ክቕልቀሉና'ዮም ይብሃል ኣሎ

ኣርማ ማይክሮሶፍት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ነዊሕ ናይ ምዝካር ክእለት" ዘለዎም ብኪነታዊ ብልሒ (ኣርትፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝሰርሑ ተሓጋገዝቲ ንዓመታ ከምዚ እዋን ክቕልቀሉ ምዃኖም ማይክሮሶፍት ኣሚቱ።

ሓላፊ ኪነታዊ ብልሒ (AI) ናይቲ ትካል ተክኖሎጂ ዝኾነ ሙስጠፋ ሱሌማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በላሕቲ ኪነታውያን ንዝሓለፈ ዝርርባትና፡ ፕሮጀክትታትናን ዘጓነፉና ጸገማትን ዘኪሮም ክሰርሑ ዝኽእሉ ምዃኖም ደቂ ሰባት ግዜናን ውልቃዊ ድሕረባይታናን ከነካፍል ዘተባብዕ’ዩ ኢሉ።

"ናብ መሰረታዊ ለውጢ ዝራኣየሉ ሓድሽ እዋን ገጽና ንኸይድ ዘለና ይመስለኒ። እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ወትሩ ህሉዋትን እሙናትን ዝኾኑ ማንታ-መራሕቲ (co-pilot) ህይወትና" ዝፍጠርሉ ምዃኑ ይገልጽ።

ገለ ወገናት ግን፡ ክሳብ ክንድኡ ዝበጽሕ ምውህሃድ ሰብን ተክነሎጂን፡ ውሕስነት ሓበሬታን፡ ስቱርነት፡ ከምኡ'ውን ኪነታውያን መሳርሒታት ክህብዎ ዝኽእሉ ግጉይ ምኽርታትን ሓበሬታታትን ወይ ምስኦም ዝፍጠር ውልቃዊ ኣድልዎታትን ኣዝዩ ከምዘሻቕሎም'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ደገፍቲ ምዕባለ ኪነታዊ ብልሒ ግን፡ ናይ ብሓቂ እቶም መሳርሒታት ሓገዝቲ ክኾኑ እንተኾይኖም፡ ኣብ ኩሉ መነባብሮና ዝጠበቑ ክኾኑ ኣለዎም። ድሕረባይታን ክሊ (ኮንቴክስት) ናይቲ ዝተዋህቦም ዕማም ዝርድኡ እንተኾይኖም ጥራይ እዮም ሓገዝቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ክብሉ ይምጉቱ።

ንኣብነት፡ መዘክር-ግዜ (ዳያሪ) ዘወሃህድ ኪነታዊ ማናጀር፡ ነቲ መዘክር ክረኽቦ እንተኺኢሉ ጥራይ'ዩ ከመሓድሮ፡ ክቕይሮን ሓበሬታ ክዕቅብን ዝኽእል ይብሉ።

እንተኾነ ግን፡ ሰባት ብዛዕባ ስቱርነት ውልቃዊ ሓበሬታኦም ዘለዎም ኣተሓሳስባ ምስ ግዜ እናተቐየረ ምምጽኡ ይምጉት።

ከም ተለቪዥን፡ ላፕቶፕ፡ ተንቀሳቓሲ ተለፎን፡ ኣብ መኪና ዝለገበ ካሜራታትን ኣብ ኣእዛንና ዝስኳዕ መስሚዒታትን ድሮ ኣብ ንቡር ሃዋሁ "ኣብ ዝኾነ ቦታ ብቐጻሊ ይቐድሑ ኣለዉ" ይብል። ነቲ ኣብ ኣይፎን ዝርከብ 'ላይቭ ቪው' ዝብል ኣካል፡ ስእሊ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ቪድዮን ድምጺን ክቐድሕ ምኽኣሉ ከም ኣብነት ይጠቅስ።

"ዝበዝሑ ሰባት ነቲ ኣካል ይፈትውዎ እዮም" ይብል ሙስጠፋ።

"ገለ ሰባት የጥፍእዎ'ዮም፡ እንተኾነ ግና እዚ ስእሊ እንታይ ምዃኑ ፍሉይ ለውጢ ዝገብር'ዩ"።

ረብሓታት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ተክኖሎጂ፡ ሰባት ክቆጻጽርዎም ዘሎ ተኽእሎታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍረይቲ ትካላት ዘለዎም እምነትን ተቐባልነት ሰብ ኣብ ምርካብ ዝውስኑ ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም ድማ ይብል።

ነጥበ-መቐይሮ ዋላስ መህረፍ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል ማይክሮሶፍት ኣብቲ 'ቻትጂፒቲ' ዝሰርሐ ትካል 'ኦፐንኤ-ኣይ' (OpenAI) ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ ኣውፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብቲ ብዙሓት ትካላት ተክኖሎጂ ክውንናኦ ዝቀዳደማሉ ዘለዋ ዕዳጋ ድማ መሪሕ ቦታ ሒዙ ከምዘሎ ይግለጽ።

ይኹን 'ምበር ሰባት ብስሩዕ ይጥቀምሉ ከምዘየለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኢንስትዩትዩት ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ወረሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 29 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ብሪጣንያ ቻትጂፒቲ እኳ እንተሃለዎም 2 ሚእታዊት ጥራይ መዓልታዊ ከምዝጥቀምሉ የመልክት።

ሙስጦፋ'ውን፡ ኪነታዊ ንዋያት ብዓለም ደረጃ ማዕረ ስማርትፎናት ጠለብ ተጠቀምቲ ከይረኽቡ ከምዝኽእሉ ክእመን ተገዲዱ'ዩ።

"ምናልባት ካብ ስማርትፎን ፍልይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ድማ ይብል።

"ዳርጋ 90 ሚእታዊት ናይዛ ምድሪ ስማርትፎን ኣለዋ። ምናልባት [ኪነታዊ ብልሒ] ክፍለ ይኽእል ይኸውን፡ ምናልባት 50 ሚእታዊት ኣይቅበልዎን ይኾኑ"።

ገለ ክኢለታት ተክኖሎጂ ግን፡ እዚ ብዛዕባ ግደ ኪነታዊ ብልሒ ዝብሃል ዘሎ ከምቲ ዝንገረሉ ከምዘይኮነ ይምጉቱ።

ኣብ ዓለምለኻዊ ባንክ ጎልድማ ሳክስ ተመራማሪ ዝኾነ ጂም ኮቨሎ ከምዝብሎ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ብዙሕ ተዘሪብሉ ዝቐሃመ ፍርያት መህረፍ ኮይኑ ክተርፍ ከምዝኽእል ይዛረብ።

ሙስጠፋ ግን፡ ነቲ ትንተና ብምንጻግ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲነት ኪነታዊ ብልሒ ኣብነት ብምቕራብ'ዩ ክምጉት ዝፍትን። ገለ ሰባት ባዕሉ ዘማዕበሎ 'ቻትቦት' ተተባቢዖም ንግዳዊ ትካል ክፈጥሩ ከምዝኽኣሉ ድማ ከም መርትዖ የቕርብ።

ሰባት ብውሑድ ወጻኢ፡ ውልቃዊን ንጡፍን ፍልጠት ብቐረባ ክረኽቡ ዝገብር ተክኖሎጂ የማዕብሉ ከምዘለዉ'ዩ እቲ ሓላፊ ኪነታዊ ብልሒ ማክሮሶፍት ዝገልጽ።

"እዚ ዓፍራ ኮይኑ ክተርፍ'ዩ ዝብል፡ ብሓቂ ክርድኦ ኣይክእልን"።

ትማሊ ሰሉስ ማይክሮሶፍት ነቲ ከማዕብሎ ዝጸንሐ 'ኮኦ-ፓይሎት' ተባሂሉ ዝጽዋ ኪነታዊ ብልሒ ከም ናይ ድምጺ ክፋል፡ መዓልታዊ ዜና ኣኪቡ ዝዝርግሕን ዓበይቲ ሕቶታት ንምምላስ ዘኽእል 'ኣዕሚቚካ ሕሰብ' (Think Deeper) ዝበሉ ሓደስቲ መመላእታ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብናይ ኦንላይን ዳህሳስ ኢንርነት "ክተሓጋገዝ" ኽእል 'ኮኦ-ፓይለት ቪዢን' (CoPilot Vision) ፈጢሩ ከምዘሎ ይሕብር።

ማክሮሶት ዝሰርሓሎም መርበባት ኢንተርነት ድሩት ከምዝኸውን'ዩ ገሊጹ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ 'ሪኮል' ዝተባህለ (Recall) ዝተባህለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢታት ስእሊታት ስክሪን (ሾትስ) ብምውሳድ ዝሰርሕ ኪነታዊ ብልሒ ብሰንኪ ተሓለቕቲ መሰላት ስቱርነት ውልቃዊ ሓበሬታ ዘቕረብዎ ተቓውሞን ብሪጣንያዊ ተቖጻጻሪ ትካል ናብ ዕዳጋ ካብ ምውጻእ ተዓጊቱ ነይሩ'ዩ።

ውሕስነት ዝህብ ተወሳኺ መቆጻጸሪ ተመሊእሉ ኣብ ዝመጽእ ውርሒ ሕዳር ኣብ መዓላ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።