ሞባይል ስልክና ክሳብ ክንደይ ንኣእምሮና ከምዝቆፃፀሮ ነስተብህል’ዶ?

ኣብ ዓራት ዝደቀሱ ሰባት

መብዛሕትና ኣብ ሞባይል ስልክና እነሕልፎ ግዜ ነዊሕ ከምዝኾነ ንግንዘብ ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ ጥፍኣተኝነት ስምዒት ይስምዓና።

ካብ ሞባይሎም ንምርሓቕ ክብሉ ዝዓፅውዋ፤ ካብ ጥቕኦም ዘርሕቕዋ ሰባት ኣለዉ። ግን ድማ ካብ ስልኪ ምርሓቕ ክሳብ ክንድኡ ቀሊል ኣይኮነን።

ብዙሕ ከይፀንሑ ድማ ብተሌፎን ጥራይ ዝስራሕ ስራሕ ከምዘሎ ስለዝስምዖም ነታ ዘጥፍእዋ ሞባይሎም ይኸፍትዋ። እዚ ወልፊ እዩ።

እሞ ደኣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ካብ ሞባይል ስልኪ ንነዊሕ እዋን ክትርሕቕ ትኽእል?

ኣብ ኣሜሪካ ሰባት ኣብ መዓልቲ 344 ግዜ ንሞባይል ስልኮም ከምዝጉርጉርዋ ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ደቓይቕ ንሞባይሎም የልዕልዋ ማለት’ዩ። ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣብ ሞባይሎም የሕልፉ።

ኢመይል ንምርኣይ ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምጥቃም ንሞባይልና እንተልዒልናያ ዳግማይ ኮፍ ክነብላ ዓቐብ’ዩ ዝኾነና።

እቲ ጉዳይ መውጽኢ ዘይብሉ ዕንክሊል እዩ።

ሞባይል ስልኪ ዝህቦ ረብሓታት ብዝወሰኸ ቑፅሪ ኣብኣ እነሕልፎ ግዜ ዝያዳ ይነውሕ። ኣብ ሞባይል እነሕልፎ ግዜ ብዝነውሐ ቁፅሪ ድማ እቲ ንረኽቦ ረብሓ ይዛይድ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት (‘ሶሻል ሚድያ’) ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጥፈታት 'ዓንዲ ሕቖ' ብምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ዘሕድሮ ፅልዋ ንተመራመርቲ የሻቕሎም። ብቐጻሊ ሞባይል ስልኪ ምርኣይ ድማ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ መፅናዕቲታት የመልክቱ።

ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሕ ዕማማት ክትውግን ምፍታን ንርእሱ ንውፅኢታውነትን ናይ ምዝካር ክእለትን ዝህውኽ’ዩ። ነዚ ከም ሓደ ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል መኪና እናዘወርካ ሞባይል ስልኪ ምጥቃም’ዩ።

ዋላ’ኳ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲታት እንተዘይረኣኻ ብተሌፎን እናዛረብካ ምኻድ ንርእሱ ኣሉታዊ ከምዝኾነ መፅናዕቲታት ይሕብሩ።

ድምጺ መልእኽቲ ሞባይል ስልኪ ምስ ሰምዑ ካብ ስርሖም ዝተኣጓጐሉ ሰባት ውሑዳት ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

ሞባይል ዝሓዘት ሰበይቲ

ሞባይል ቴለፎን ምጥቃም ጥራይ ዘይኮነስ ህላወኣ ንባዕሉ ንኣተሓሳስባና ከምዝፀልዎ ዝዛረቡ’ውን ኣለዉ።

ሓደ መጽናዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ተሳተፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ንሞባይል ስልኮም ኣብ ዝርአ ወይ ሕቡእ ቦታ ከቐምጥዋ ተሓቲቶም።

ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ክምልሱ ተገይሩ። ንስልኮም ኣብ ዘይርእይዋ ቦታ ዘቐመጡ ተሳተፍቲ ድማ ዝሓሸ ብቕዓት ኣርእዮም።

ሞባይልና ኣብ ቀረባና ኣብ እትህሉ ኣእምሮ ብንጹር ከይሓስብ እያ ትገብር። ኣብ ቀረባና እንተሃልያ ድማ ኣእምሮና ኣልዒልና ክንርእያ ከምዘለና መልእኽቲ ይሰድድ።

ተመራመርቲ ከም መፍትሒ ዝምዕድዎ ነገር እንተሃለወ እታ ሞባይል ካብቲ ንሕና ዘለናሉ ክፍሊ ወጻኢ ምግባር እዩ።

ግን ከኣ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ሞባይል ስልኪ ዝተመርኮሰ ህይወት ኣወንታዊ እዩ ዝብሉ ሰባት ኣይጠፍኡን። ንዝረሳዕናዮ ነገር ክንዝክር ትሕግዘና ይብሉ።

ሓንጎል ሓበሬታ ዝዕቅበሉ ከምኡ’ውን ንሓደ ሓበሬታ ካብ ካልእ ሓበሬታ ቀዳምነት ዝህበሉ መገዲ ክመሓየሽ ከምዝገብር ተመራመርቲ ክግንዘቡ ኪኢሎም’ዮም።

እቲ ጸገም ግን እቶም ሰባት ኣብ ጥቕኦም ስልኮም እንተዘይሃልያ ንነገራት ባዕሎም ክዝክሩ ዘይምኽኣሎም እዩ።

ምስ ሞባይል ስልክታትና ዘለና ምትእስሳር ንሓንጎልና ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብግቡእ ንምፍላጥ ዓመታት ዝወስድ መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ይኸውን።

ሞባይል ስልኪ ዝሓዙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ባዕልኻ ኣብ ምውሳን፣ ምስትንታን፣ ምዝካርን ካልእ ኣእምሮኣዊ ክእለታትን እንታይ ፅልዋ ከምዘሕድር ብግቡእ ክፍለጥ ዝኽእል ድሕሪ ዓመታት እዩ።

ዴቪድ ሮብሰን ነዚ ጉዳይ ዝምልከት መጽሓፍ ኣሕቲሙ’ሎ።

ንሞባይልና ደጋጊምና ከይረኣና ኣብ ሓደ ዕማም ከነተኩረሉ እንኽእል መገዲ ከነማዕብል ከም እንኽእል ይገልጽ።

‘ስልከይ ከይረኣኹ ክጸንሕ ኣይክእልን’ ኢሎም ንነብሶም ዘእመኑ ሰባት ንነብሶም ንምቁጽጻር ክሽገሩ ከለዉ፤ ብኣንፃሩ ንነብሶም ዘጠንክሩ ሰባት ብዘይ ሞባይሎም ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ዴቪድ ይዛረብ።

ሞባይልና ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣቐሚጥና ንነብስና ምልምማድ፤ ኣእምሮ ብዘይ ደገፍ ስልኪ ዕቑር ዓቕሚ ከም ዘለዎ ንነብስኻ ምእማንን ሞባይል ምርኣይ ቃሕ ክብለና ከሎ ንነብስና ክነረሳስዕ ምፍታንን ገለ ካብ መፍትሒታት እዮም።