ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዝተራቐቐ ምትላል ብኸመይ ንከላኸሎ?

ሰርሳሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ እናዀነ ምስ ምምጽኡ ተተሓሒዙ፡ ብኢንተርነት ዝግበር መስርሕ ባንክ (ኦንላይን ባንኪን) ማዕረ-ማዕረኡ ድማ ብተሌፎን ዝፍጸም ምትላል ዝያዳ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓደ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ቃለ-ምስጢር (ፓስዎርድ) ኦንላይን ባንኪን ናይ ኣስታት 74 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሰርቀ ጸብጺቡ ነይሩ።

መታለልቲ፡ መሰረታዊ ከም ቃለ-ምስጢር ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ሓበሬታ ረኺቦም ማለት ናብ ባንክ ሕሳብና ክኣትዉን ዓቢ ክሳራ ከስዕቡን ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ባንክታት፡ ብሞባይል ባንኪን ዝፍጸሙ ምትላላት ስለዘለዉ ዓማዊል ካብ መታለልቲ ክጥንቀቝ ብተደጋጋሚ የዘኻኽራ።

ብብዝሒ ጨናፍርን ዓማዊልን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ካብ ሜላታት እቲ ምትላል ብሞባይል ባንክ ኣገልግሎት ልቓሕ ይህብ ኣሎ ብዝብል ሓበሬታ ምስራቕ ምዃኑ ይገልጽ።

እቶም መደናገርቲ፡ ልቓሕ ዝደልዩ ዓማዊል ኣቐዲሞም ኮድ ሞባይል ባንኪን ከእትዉ ይጠልቡ። ብድሕሪኡ ካብ ሕሳብ እቲ ዓሚል ገንዘብ ይቝረጽ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ባንክታት ብሕቲ ሓደ ዝዀነ ባንኪ ኣዋሽ እውን ብዙሓት ዓማዊሉ በዞም ሰረቕቲ ይታለሉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

መታለልቲ ካብ ባንክ ኣዋሽ ዝተደወለ ኣምሲሎም ሓደ ግዜ ቃለ-ሚስጥር ሞባይል ባንኪን ብምልኣኽ ዓማዊል የታልሉ ከም ዘለዉ’ዩ እቲ ባንክ ዘመልክት።

መደናገሪ ሜላታት

ካብቲ ቅድም ዝተገልጸ ኣብነት ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ቅንያት ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል ባንኪን ብዝተፈላለየ መንገድታት ምትላል የጋጥሞም ኣሎ።

ንኣብነት ኣገልግሎት ሞባይል ባንክ ክንህበኩም ኢሎም ተጠቀምቲ ዝተነግሮም ኮድ ኣብ ተሌፎኖም ከእትዉ ብምግባር ዘታልሉ ኣለዉ።

ኣብ ባንክ ዝተመዝገበ ውልቃዊ ሓበሬታ ጌጋ ስለዘለዎ ከም ብሓድሽ ክንምዝግበኩም ኢሎም ውልቃዊ ሓበሬታ ዝወሰዱ’ውን ኣለዉ።

ገሊኦም ድማ ሽልማት ስለዝተዓወትኩም ነቲ ሽልማት ንምቕባል ገንዘብ ለኣኹ ተባሂሎም ይልእኩ።

ብተወሳኺ ገለ ሰባት መተግበሪ - ኣፕሊኬሽን - ሞባይል ከነሐድስ (ኣፕዴት) ክንገብረልኩም ብዝብል’ውን ንምትላል ተቓሊዖም እዮም።

ተሌፎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ባህሪ፡ ሽሕ መታለልቲ

ገበናት ምትላል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም እውን ክፍጸም ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኵሉ ከባቢ ብዙሓት መታለልቲን ከምኡ’ውን ብዙሓት ሜላታት ምትላልን’ኳ እንተሃለወ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቶም መታለልቲ ተመሳሳሊ ባህርያት ኣለዎም።

ቴለፎን ይድውሉ፤ ዝተደወለሎም ሰባት ቴለፎን ምስ ኣልዓሉ ካብ ባንክ፡ መንግስታዊ ትካል፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካብ መደበር ፖሊስ ከም ዝደወሉ መሲሎም ይቐርቡ።

መታለልቲ ህዉኻት እዮም። እቶም ዘታልልዎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ነገር ዝሓስብሉ ግዜ ምእንቲ ከይረኽቡን ካብ መጠን ንላዕሊ ትእዛዛት ይህቡ፡ ኣእምሮ ናይቶም ዘታልልዎም ብምቍጽጻር ድማ ድላዮም ይፍጽሙ።

ድላዮም ክሳዕ ዝረኽቡ ኣይርዓርፉን፤ ደጋጊሞም ይድውሉ።

ካልእ ባህሪኦም ድማ መጠንቀቕታ ምሃብ እዩ። እዚ እንተዘይገይርኩም ከምዚ ዝበለ ጸገም ከጋጥመኩም’ዩ ኢሎም የፈራርሑ፤ ብሕጊ ክትግደዱ ኢኹም ይብሉ። መጠንቀቕታ/መፈራርሒ ብምሃብ ውልቃዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ይፍትኑ።

ብተወሳኺ ሓቂ ዘይመስል ነገር ቃል ይኣትዉ። 500 ሽሕ ብር ስለዝተዓወትኩም፡ እዚ ሽልማት ናብ ባንክ ሕሳብኩም ንምስግጋር 50 ሽሕ ብር ንምኽፋል ይሓቱ።

ከምዚ ዝበሉ ኵነታት፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ወይ ገንዘብ ንምውሳድ ዝዓለመ ስለዝዀነ፡ ፈጺምካ ዘይምትሕብባር መፍትሒ ክከውን ከም ዝኽእል ይምከር።

ተሌፎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ መታለልቲ ብኸመይ ንከላኸል?

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምትላል ኣቓልቦ ብምሃብ ካብ ምትላል ምድሓን ከም ዝከኣል ክኢላታት ይገልጹ።

መልእኽቲ መጺኡኩም ድዩ? ወይስ ተሌፎን ተደዊሉልኩም? ህድእ ኢልኩም ኣስተውዕልሉ። ዝዀነ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳድኩም ነቲ ኵነታት ኣጻርዩ። ካበይ እዩ ተላኢኹ/ተደዊሉ? ንምንታይ? እዚ መልእኽቲ ናባይ ክለኣኽ ይኽእል ድዩ? ብተሌፎን ድዩ ክንገረኒ ዝግባእ? ንምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ንሕተት።

ኵሉ ዝለኣኸልና መላግቦ (ሊንክ) ስቕ ኢልና ካብ ምኽፋት ንቈጠብ።

ካብ እንፈልጦ ሰብ ከይተረፈ ዘጠራጥር መልእኽቲ እንተመጺኡና፡ ነቲ ሰብ ብኻልእ መንገዲ ክንረኽቦ ንፈትን፤ ምኽንያቱ ናይቲ ሰብ ተሌግራም ወይ ዋትስኣፕ ብመታለልቲ ተሰርሲሩ/ተጠሊፉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝመጸልና መልእኽቲ ጽሑፍ ዘሎ ሊንክ ብምኽታል፡ መተግበሪ ካብ ምውራድ ክንዕቀብ ይግባእ። ሓደ መተግበሪ ክነውርድ እንተደሊና፡ ወግዓዊ መርበባት መተግበሪ ንጠቐም - ንኣብነት ኣፕልሰቶር ወይ ድማ ፕለይስቶር።

ዘጠራጥር ወይ ናይ ምትላል ዝመስል ሕቶታት እንተቐሪቡልና ንዝምልከቶ ወሃቢ ኣገልግሎት ወይ ንፖሊስ ሓበሬታ ንሃብ።

መታለልቲ ግዳያቶም ንምህዳን መብዛሕትኡ ግዜ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጥቀሙ እዮም።

ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንርእዮም ነገራት ክንጠራጠር ኣድላዪ እዩ።

ብፍላይ ምስ ባንክ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ እንተተሓቲትና፡ ኵሉ ግዜ ናብቲ ጨናፍር ባንክ ብምኻድ፡ ብምድዋል፡ ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይቲ ባንክ ብምፍታሽ ብዛዕባ ዝህብዎ ኣገልግሎት ይዅን ብዛዕባ እቲ ዝመጸልና መልእኽቲ ንምጽራይ ምፍታን ቀሊልን ካብ ምትላል ዘድሕንን መንገዲ እዩ።