‘ዝተሰርቀ ምስለይ፡ መታለሊ ኣሽሓት ደቂ ተባዕትዮ ኰይኑ’

ቫኔሳ

ቫኔሳ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ካብ ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ መልእኽቲ ይመጻ ነይሩ።

ገሊኦም፡ ኣፍቀርታ ከምዝዀኑ ይኣምኑ፤ ገሊኦም በዓል ቤትኪ እየ ይብልዋ።

ገሊኦም ደቂ ተባዕትዮ ቍጡዓት እዮም፤ ገንዘብና መልስልና ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ቫኔሳ ግን ንዅሎም ኣይትፈልጦምን። ዝብልዎ ነገር’ውን ኵሉ ሓሶት እዩ።

ንሳ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መዘናግዒ ዓበይቲ ትሰርሕ ነይራ፤ ካብቲ ሕሉፍ ህይወታ ዝተወስዱ ስእልታታን ቪድዮታታን ድማ ካብ መፋርቕ 2000ታት ጀሚሩ ኣብ ኢንተርነት ንፍቕራዊ ምትላል ክውዕሉ ጸኒሖም እዮም።

ገለ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ሰባት፡ ስማን ስእላን ተጠቒሞም ናይ ሓሶት ፕሮፋይል የዳልዉ፤ እዞም ፕሮፋይላት ናይ ሓሶት ፍቕራዊ ርክብ ንምጅማር ይሕግዙ።

ብኸምዚ መገዲ ግዳያት ኣሽሓት ዶላር ተታሊሉ'ዩ። እዚ ዓይነት ፍቕራዊ ምትላል ካትፊሺንግ (catfishing) ይበሃል።

ቫኔሳ፡ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝተታለሉን ህይወቶም ከምዝተበላሸወን ዝገልጹ ዛንታታት ዝሓዙ ኣሽሓት መልእኽትታት ውሒዙላ’ዩ።

"ክጭነቕ፡ ንነብሰይ ክወቅስ ጀሚረ - ምናልባት ስእለይ ኣብ ኢንተርነት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እዞም ሰባት ኣይምተታለሉን" ትብል ቫኔሳ - መንነታ ንምሕላው ምሉእ ስማ ኣይንጠቅስን።

ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ከም "ካምገርል" ኰይና ሰሪሓ - ብዌብካም ኣቢላ ግሉጽ ትሕዝቶታት ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ትፍኑ ነይራ። ክትጅምር ከላ ቅሩብ ሓፋር ስለ ዝነበረት፡ ጃኔሳ ብራዚል እትበሃል ኣማራጺ መንነት ፈጢራ።

"ብሓቂ ኣነ ኣይኮንኩን ጃኔሳ እያ፡ ስለዚ ኣይክሓፍርን እየ" ኢላ ሓሲባ።

‘ብራዚል’ ዝብል ስም ዝመረጸትሉ ኣብኡ ስለዝተወልደት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ብብዝሒ ዝድለዩ ቃላት ስለዝዀነ'ውን እዩ።

"ቀልጢፈ ተፈታዊት ክኸውን ሓጊዙኒ'ዩ" ትብል ቫኔሳ፤ ሕጂ ግን "እቲ ስም ጸሊአዮ።"

ንዝተወሰነ እዋን ነገራት ጽቡቕ ነይሮም። ቫኔሳ ምስ ደገፍታ ብዝነበራ ርክብ ኣዝያ ሕጕስቲ ነይራ፡ ንሳቶም ንዓኣ ንምርኣይን ምስኣ መልእኽቲ ንምልውዋጥን ኣብ ደቒቕ ክሳብ 20 ዶላር ይኸፍልዋ።

ኣብ ዓመት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ትረክብ ከም ዝነበረት ትዛረብ። ጃኔሳ ናይ ገዛእ ርእሳ መርበብ ሓበሬታ፡ ዕዉት ምልክት ንግድን ኣብ ኢንተርነት ንጡፍ ህላወን ነይርዋ።

እዚ ናይ ኦንላይን ህላወኣ ግን ኣብ 2016 ግን ጸልሚቱ። ‘ፍቕሪ ጃኔሳ’ ንዝብል ፖድካስት ክንረኽባ ትሽዓተ ወርሒ ወሲዱልና።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማኣ ረኺብና ኣዘራሪብናያ።

ኣብ ኢንተርነት ዝነበራ ህላወ ዘቋረጸትሉ ሓደ ምኽንያት፡ እቶም መደናገርቲ ተወሳኺ ናይ ምትላል ዕድል ንከይረኽቡ ምዃኑ ነጊራትና።

"ድሕሪ ሕጂ ንዝዀነ ናተይ ነገር ዳግማይ ክጥቀሙሉ ዕድል ክህቦም ኣይደልን እየ" ትብል።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀጥታዊ ምርኢታ ኣትዩ ርእይቶ ጽሒፉ። ንሱ፡ በዓል ቤታ ምዃኑን እቲ ምርኢት ድማ ክተቋርጽ ቃል ኣትያ ከምዝነበረት ገሊጹ።

ቫኔሳ ግን ላግጺ እዩ መሲልዋ፤ ብዝዀነ ኢመይል ክገብረላ ሓቲታቶ።

ተመሳሳሊ ዛንታታት ዘለዎም ካልኦት ሰባት፡ ኣብ እዋን ምርኢታታ ክጽሕፉን መንነታ ከተረጋግጽ ክሓቱን ጀሚሮም። ሽዑ፡ ብስማ ዝፍጸም ምትላል ከምዘሎ ንመጀመርያ ግዜ ፈሊጣ።

መደናገርቲ ከም ቀይሕ ቆቢዕ ምልባስ ዝኣመሰሉ ዘይንቡር ሕቶታት የቕርቡላ ነይሮም። ደሓር ድማ ግዳያት ንምትላል ዝተጠቐሙሉ ምስልታት ሓቲቶምዋ።

እቶም ብቀጻሊ ዝጸሓፉ ዝነበሩ ርእይቶታት፡ ኢመይላትን ወጥሪ ዝመልኦ ሃዋህውን ኣብ ንግዳ ጽልዋ ከሕድር ጀሚሩ። ቫኔሳ፡ "ዘባህርር ሕልሚ እዩ ነይሩ" ትብል። ብዛዕባ እቶም ግዳያት ግን ሓዚና፡ "እንታይ ክገብር ኣለኒ?" ክትብል ትሓትት።

ኣብ መጀመርታ ንነፍሲ ወከፍ ኢመይል መልሲ ክትህብ ትፍትን ነይራ፣ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰዓታት ይወስድ’ዩ።

እቲ ሽዑ በዓል ቤታን ኣካያዲ ስርሓ ዝነበረ፡ ነቶም መልእኽትታት ክከታተል ጀሚሩ። ንሱን ቫኔሳን ድማ በቲ ዝተፈጸመ ምትላል ተሓተትቲ ከምዘይኮኑ ነቶም ግዳያት ነጊርዎም።

"እቶም ግዳያት ናብቶም መጭበርበርቲ ዝለኣኹዎ ኩሉ ገንዘብ እንተዝረክብ፡ ሎሚ ቢልዮነር ምኾንኩ ነይረ" ትብል።

ቫኔሳ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ብባህሪ ንደቂ ኣንስትዮ ክከናኸኑ ዝደልዩ ይመስላ፡ እዚ ድማ ንምንታይ ንዘይተራኸብዋ ሰብ ገንዘብ ከም ዝልእኹ ይገልጽ።

"ዋላ ገንዘብ እንተዘይብሎም፡ ፍቕሪ ንኽስምዖም ጥራይ ክህቡ ፍቓደኛታት" ምዃኖም ትገልጽ።

ቫኔሳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሮቤርቶ ማሪኒ ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ኢጣልያዊ ነጋዳይ እዩ።

መጀመርታ፡ ሓንቲ ንነብሳ ሃና እትብል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ፌስቡክ መልእኽቲ ሰዲዳትሉ። በቲ ሓድሽ ዝጀመሮ ንግዲ - ኣብ ደሴት ሳርዲንያ ዝርከብ ሕርሻ - ኣሞጊሳቶ።

ንሰለስተ ወርሒ ስእልታትን ፍቕራዊ መልእኽትታትን ክለኣኣኹ ጸኒሖም።

ድሕሪኡ ገንዘብ ክትሓቶ ጀሚራ። ኣብ መጀመርታ፡ ቅሩብ ገንዘብ ትሓትት ነይራ፡ ንኣብነት ንዝተበላሸወት ተሌፎና መዐረዪ ዝኸውን። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ተወሳኺ ደልያ። ከቢድ ህይወት ከም እትመርሕን ንዝሓመሙ ኣዝማድ ኣብ ዘይትከናኸነሉ እዋን ኣብ መዘናግዒ ዓበይቲ ብምስራሕ ኣታዊ ከምትረክብን ነጊራቶ።

ሮቤርቶ፡ "ኣቦኣዊ ጸዓት" ተሰሚዕዎ ክሕግዛ ደልዩ። ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ብዘይምኽኣሎም ግን ተስፋ ይቘርጽ ነይሩ - ኵሉሳዕ ክራኸቡ ቈጸራ ኣብ ዝሕዝሉ መዓልቲ፡ ተሌፎና ትበላሾ ወይ ካልእ ነገር ይፍጠር።

ድሕሪ ቅሩብ እዋን፡ ኣሽሓት ስእልታትን ቪድዮታትን ሃና ኣብ ኢንተርነት ረኺቡ። ግን ናይታ ንነብሳ ሃና እትብል ጓል ኣንስተይቲ ዘይኮኑስ ናይ ጃኔሳ ብራዚል እዮም - መብዛሕትኦም’ውን ካብቶም ሃና ዝሰደደትሉ ዝዛይዱ ግሉጻት ነይሮም።

ፍቕሮም ናይ ሓቂ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ንዝምድናኦም ከይተሓላለኽ ሓቀኛ መንነታ ክትሓብእ ደልያ ክትከውን ከምትኽእል ሓሲቡ።

ተደናገረ ሮቤርቶ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ቀጥታዊ ፈነወ ጃኔሳ ብራዚል ተጸንቢሩ።

"ብሓቂ ንስኺ ዲኺ?" ኢሉ ጽሒፉላ። ዝደለዮ መልሲ ግን ኣይረኸበን፡ ብደቒቕ ስለዝኸፍል ድማ ነዊሕ ኣይጸንሐን።

እቲ ሓቂ ክፈልጥ ስለዝደለየ ኢመይል ልኢኹላ።

ኣብ ቃለ መሕትትና ቫኔሳ፡ ካብ መንጐ ኣሽሓት ደልያ ሮቤርቶ ኣብ 2016 ዝለኣኸላ ኢመይል ረኺባ።

"ሃይ። ምስታ ሓቀኛ ጃኔሳ ብራዚል ክዘራረብ እደሊ" ክብል ጽሒፉ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት "ኣነ እታ ሓቀኛ ጃኔሳ ብራዚል እየ" ኢላ መሊሳትሉ።

ቅድሚ ሕጂ ተዘራሪቦም እንተዀይኖም ንኽፈልጥ ተወሳኺ ሕቶታት ሓቲትዋ። እዚ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ናይ መጀመርታን እንኮን ርክቦም’ዩ ነይሩ።

ሮቤርቶ ኣብ መጻወድያ መጭበርበርቲ ኣትዩ’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ብድምር 250 ሽሕ ዶላር ከምዝሰደደሎም ይዛረብ።

ብተወሳኺ፡ ገንዘቡ ወዲኡ ካብ ኣዕሩኽቱ፡ ቤተሰቡን ባንክን ገንዘብ ከምዝተለቅሐ ይገልጽ።

ብድሕሪኡ ሮቤርቶ፡ ኣብ ኢንተርነት ሰባት ብናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዝተሰርቀ ምስሊ ጃኔሳ ይታለሉ ከምዘለዉ ዘጠንቅቝ ጽሑፋት ክዝርግሕ ስለዝጀመረ ብኡ ኣቢልና ረኺብናዮ። ግን ሕጂ’ውን፡ ገለ ክፋል ውሽጡ ምስታ ሓቀኛ ጃኔሳ ዓሚቝ ርክብ ከምዘለዎ ይኣምን’ዩ።

እዚ ስምዒቱ ምልክት ዕዉት ምትላል’ዩ ትብል ዶክተር ኣንሹል ሬጌ - ኣብ ፊላደልፍያ ክኢላ ገበናዊ ፍትሒ ኰይና ብኢንተርነት ዝፍጸም ምትላል ፍቕሪ ተጽንዐ’ያ።

ንሳ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መልእኽትታት ካብ ብጕጅለ ዝሰርሑ መርበባት ገበን ከምዝለኣኹ ትዛረብ። ኣብነት ናይቲ ዝጥቀሙሉ ማንዋላት’ውን ረኺባ እያ - ብኸመይ ከም ዝስራሕ ዝሕብሩ ግብራዊ መምርሒታት ኰይኖም፡ ካብ ከቃልዖም ዝኽእል ጻውዒት ተሌፎን ከምልጡ ዝሕግዙ መመኽነይታታት'ውን ይዝርዝሩ።

እቲ ምትላል ሓደ ኣገባብ ይኽተል - ፍቕራዊ ቦምባታት ማለት’ውን ነቲ ሰብ ንምጽላው ወይ ንምቍጽጻር ኣቓልቦ ወይ ፍቕሪ ምሃብ፡ ክንፈላለ ኢና ኢልካ ምፍርራሕን ድሕሪኡ ድማ እቶም መጻምድቲ ኣብ መወዳእታ ብሓባር ንክዀኑ ዘኽእል ሓገዝ ገንዘብ ምሕታትን። እቶም ሜላታት ዝፍለጡ’ኳ እንተኾኑ፡ ግን ውጽኢታውያን እዮም።

ቫኔሳ

"ከም ደቂ ሰባት መጠን ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ተኣሲርና ኢና። ልክዕ ብኸምኡ ኢና ተሃኒጽና" ትብል ዶክተር ሬጌ።

ቫኔሳ ነዞም ጨካን ሜላታት ትጸልኦም። "ፍቕሪ ኣርእዮም ድሕሪኡ ይወስድዎ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተስፋ ይቘርጹ፡ [መጻምድቶም] ንኸምለሱ ድማ ዝዀነ ነገር ክገብሩ ድሉዋት’ዮም" ትብል።

ዶክተር ረጌ፡ ሮቤርቶ ብዝተወደበ ጕጅለ ተታሊሉ ክኸውን ከምዝኽእል ትሓስብ። ኣብ መላእ ዓለም ዝሰርሑ ዓበይቲ መርበባት ከምዘለዉን፡ ቍጽሮም ዘይነዓቕ ካብ ቱርኪ፡ ቻይና፡ ኢማራት ዓረብ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናይጀርያን ጋናን ከምዝዀኑን ትዛረብ።

ሮቤርቶ ገንዘብ ክሰድድ ካብ ዝተሓተተሉ ቦታታት ሓደ፡ ሳካዋ ቦይስ ዝበሃሉ ጕጅለ መደናገርቲ ዝነብሩላ ጋና እያ። ኣሰር ገለ ካብቶም ኣብ ኣክራ ዘለዉ ረኺብና።

"ኦፋ" ዝበሃል መንእሰይ፡ ብኢንተርነት ምትላል ግዜ ዝወስድን ብዙሕ ምሕደራ ዘጠቓልልን ምዃኑ ሓቢሩና። በቲ ስራሕ፡ "ሕማቕ ስምዒት ከም ዝስምዖ" እኳ እንተገለጸ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ዶላር ከምዝረኸበ ግን ተኣሚኑ።

ኦፋ፡ ምስልታት ጃኔሳ ከምዘይተጠቐመሎም፡ እንተዀነ ንምንታይ ኣብ መንጐ መደናገርቲ ተፈታዊ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከምዝተረድኦ ገሊጹ። ብተወሳኺ እቲ ምትላል ዕዉት ንክኸውን፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዓልታዊ ኵነታት - ከም ኣብ ምብሳል ወይ ኣብ ጂምናዝየም ኰይነን - ዘርኢ ዝተፈላለየ ስእልታት ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ኣብ መንጐ ሞያዊ መንነታን ሓቀኛ መንነታን ግን ንጹር ፍልልይ ከምዘሎ እተስምር ቫኔሳ፡ ብኸፊል ካብ መዓልታዊ ህይወታ ብዙሕ ግሉጽ ህሞታት ዘርእዩ ስእልታት ስለዘካፈለት እቶም መጭበርበርቲ ክጥቀሙላ ዝኸኣሉ ይመስላ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ደው ዘይብል ዋሕዚ ግዳያት ምትላል በሰላ ኣሕዲሩላ።

መዓልታዊ ኣብ ካሜራ ምውሳኣ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኣን ሓዳራን ጽልዋ ኣስዒቡ። ቫኔሳ፡ ብሰንኪ ድኻም ቅድሚ ምርኢት ምጅማራ ክትሰቲ ከምዝጀመረት ትዛረብ፤ ዘይሕጕስቲ ኰይና።

ክትቅጽል ኣይከኣለትን፤ ኣብ መወዳእታ ኣብ 2016 ክትገድፎ ወሲና። ሓድሽ ህይወት ክትጅምር ገዛኣን በዓል ቤታን ገዲፋ ከምዝኸደት ትዛረብ።

ሕጂ ከም ቴራፒስት ትስልጥንን ተዘክሮ ድማ ትጽሕፍን ኣላ፤ ዛንታ ገዛእ ርእሳ ዳግማይ ትቈጻጸሮ ኣላ።

ቫኔሳ፡ ብምስላ ምትላል ይፍጸም ከምዘሎ ንሰበስልጣን ኣይሓበረትን። ንጥርዓና ብዕቱብ ዝወስድዎ ኣይመስላን። "ኣብ ገጸይ 'ኮኾብ ፖርኖግራፊ ኢኺ' ኢሎም ክስሕቍ'ዮም" ትብል።

ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ዝያዳ ተጻዋርነት ረኺባ። መታለልቲ ንዓኣ ምምሳል ከየቋርጹ ከም ዝኽእሉ ትፈልጥ’ያ፣ ገለ ግዳያት ግን ስለምንታይ ኣብቲ መጻወድያ ከምዝኣትዉ ትርዳእ።

"ኣብ ፍቕሪ፡ ክሳብ ክንድዚ ዓያሹ ክንከውን ንኽእል ኢና" ትብል።

"እፈልጥ’የ፡ ኣጋጢሙኒ’ዩ - ኣብ ኵላትና እዩ ዘጋጥም።"