'ሸውዓተ መዓልትታት ኣብ ሲኦል’የ ነይረ' - ብኢንተርነት ዝግበር ምትላል

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ማሪያ (ናይ ሓቂ ስማ ኣይኰነን)፡ ንስድራ ቤታ ካብቲ ኣዝዩ ሃሩር ክረምቲ ኣውስትራልያ ንኸተዕርፎም ብበረድ ክንሸራተቱሉ ናብ ዝኽእሉ ምድረ ኣውሮጳ ክትወስዶም ወሰነት።
እቲ ዕረፍቲ ድሕሪ እቲ ዕጽዋን ውሸባን ዘስዓበ ለበዳ ኮቪድ ንፈለማ እዋን ትጓዓዝ ስለዝነበረት፡ መገሻኣ ፍሉይ ክዀነላ ተስፋ ብምግባር፡ ብራፋኤል በሳ ዝበሃል ብራዚላዊ ወዲ-ዓዳ ብዝውነን ወኪል-ጕዕዞ $20,000 ከፊላ ንሰሜን ገጻ ተጓዕዘት።
እቲ ዕረፍቲ ብጽቡቕ'ኳ እንተጀመረ፡ ካብቲ ሳልሳይ ሆቴል ክትወጽእ እንከላ፤ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ሆቴል ሕሳብ ከም ዘይተኸፍለ ነገራ።
ብድሕሪኡ እውን ብተኸታታሊ ክልተ ተወሰኽቲ ጕዳያት ኣጋጠምዋ። ማሪያ ሓገዝ ደልያ ምስቲ ወኪል-ጕዕዞ (ራፋኤል በሳ) ምስ ተዛረበት፡ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆቴል ብቛንቋ ፈረንሳ ከዛርቦ ዓቕሚ ከም ዘይነበሮ ኣስተብሃለት። ኣብ ኣልፕስ ኣብ ዝርከብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብቋንቋ ፈረንሳ ከም እተማህረ ሓቢሩዋ'ኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዋና ሆቴል ግን ብፈረንሳይኛ ከዛርቦ ኣይከኣለን።
ብድሕሪኡ እታ ስድራ ናብቲ ዝቕጽል መዓርፎኦም ብባቡር ምስ ተጓዕዘት ጸገም ቲኬት ኣጋጠማ። ክልተ ቲኬት ሓደ ዓይነት መለለዮ ቍጽሪ ስለ ዝነበሮም ተወሳኺ ገንዘብ ክትከፍል ተገደደት።
ንማርያ ኣብቲ ዝኸደቶ ካልእ ሆቴል እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጓነፋ። ዋላ’ኳ ድሮ እቲ ወጻኢታት ሆቴል ነቲ ወኪል ከፊላቶ እንተነበረት፡ ደጊማ ንኽትከፍል ተገደደት።
ኣብ ፈለማ ራፋኤል በሳ ብቕዓት ዘይብሉ ብላሽ ሰብ’ኳ እንተመሰላ፡ ሃዲኣ ነቲ ጉዳይ ምስ መዘነት ግን፡ “እዚ ብፍላጥ እምበር ብጌጋ ዝተገብረ ጕዳይ ኣይኰነን” በለት፤ እቲ ነገር ብፍላጥ ከም ዝገበሮ ተረድኣ።
ማሪያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣቐዲማ ዝኸፈለቶ $20,000 ገንዘብ ካልእ ተወሳኺ $10,000 ናይ ሆቴል ሕሳብ ከም ዝኸፈለት ገለጸት። ከምኡ'ውን ንሓደ ካብቲ ሆቴላት ጥራይ ተወሳኺ $10,000 ዶላር ከም ዝኸፈለት ገለጸት።
ማሪያ ከም ዝገለጸቶ ራፋኤል በሳ ነቲ ክፍሊት ብምልኡ ከም ዝኸፈለላ ጥራይ ዘይኰነስ ዝሓሸ መዓርግ ዘለዎ ሆቴል ምእንቲ ክዀነላ ተወሳኺ ወጻኢ ከም ዝኸፈለላ’ዩ ዝዛረብ። እንተ ንሱ ግን ከምኡ ኣይገበረን፣ እቲ ሆቴል ንማሪያ ምሉእ ዋጋ እዩ ዘኽፍላ ነይሩ።
ማሪያ ከም ዝገለጸቶ ራፋኤል በሳ ገንዘባ ንኽመልሰላ ዝኣተዎ መብጽዓ ከንቱ ኰይኑ ተረፈ። ዋላ’ኳ “መረጋገጺ ክፍሊት” ዘርኢ ጭብጥታት እንተለኣኸላ እቲ ገንዘብ ግን ኣብ ሕሳባ ኣይበጽሐን።
ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፈቶ ተመኵሮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ኣሕተመት ጠበቓ ናይቲ ወኪል-ጕዕዞ ረኸባ። ገንዘባ ንኽመልሰላ ($20,000) ከኣ ተሰማምዑ። ግናኸ ነቲ ጕዳይ ንኸይተቃልዕ ወረቐት ንክትፍርም ሓበራ። እንተዀነ ማርያ ስቕ ክትብል ኣይተሰማምዐትን።

ቢቢሲ ንራፋኤል በሳ ብዛዕባ እቲ ማሪያ ዘቕረበቶ ክሲ ሓሳቡ ንኽህብ ሓተቶ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ዋጋ ሓደ ካብቶም ሆቴላት ዘይተፈልጠ "ጸገም" ከም ዝነበሮ ሓበረ። ኣብቲ ንማርያ ዝተዋህባ ውዕል ከም ዘይኣተወ ገለጸ። እቶም ቲኬታት ባቡር ሓደ ቍጽሪ ከም ዝነበሮም ዘርኢ ቅዳሕ ከኣ ለኣኸ።
ኣና ጃሌና እትበሃል ካልእ ብራዚላዊት ሰበይቲ፡ ኣብ ኣልፕስ ኣብ በረድ ብምንሽርታት "ዘደንቕ" ናይ ስድራቤት ዕረፍቲ ከተሕልፍ ምስ ራፋኤል በሳ ተወዓዓለት።
ንገሊኡ ክፋል ክፍሊታ ብጥረ ገንዘብ ክትከፍሎ እንከላ፡ ነቲ ዝተረፈ ደማ ብናይ ባንካ ካርድ ክትከፍሎ ተሰማምዐት። ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ ኣብቲ ናይ ባንክ ሕሳባ እንተረኣየት ንብሪቲሽ-ኣየር-መንገዲ ዝተኸፍለ ሕሳብ ስለዝረኸበት ገሪሙዋ ብዛዕባኡ ንኽትሓቶ ንራፋኤል በሳ ደወለትሉ።
“እቲ ገንዘብ ነቲ ናይ ዓዲ ጣልያን ሆቴል’ዩ ተኸፊሉ” በላ። ነዚ ንምእማኑ ስለ ዘጸገማ ናብቲ ሆቴል ኢ-መይል ምስ ለኣኸት ዋላ ሓንቲ ክፍሊት ከም ዘይተኸፍለ ተነግራ።
ኣና፡ ንራፋኤል በሳ፡ መረጋገጺ ናይቲ ዝኸፈሎ ክሰደላ ምስ ሓተተቶ ክልተ መወከሲ ቍጽሪ ለኣኸላ። ነቶም ተኸፊሎም እዮም ዝበላ ሆቴል በቲ ራፋኤል ዝሃባ መወከሲ ቍጽሪ እንተ ሓተተት ግን ሓቂ ከም ዘይኮነ ተነግራ።
"እቲ ዝነበረኒ ገንዘብን ሕልምን፡ እቲ ጕዕዞ ንባዕሉ ኣምሊጡኒ። ስለዝስ ብዅሉ’የ ከሲረ" ከኣ ኢላ።
ጸኒሓ፡ ንኻልኦት ብኣሰራርሓኡ ዘይዓገቡ ዓማዊል ራፋኤል በሳ ምስ ኣዘራረበቶም፡ ተመሳሳሊ ናይ ምድንጋር ኣሰራርሓ ኣስተብሃለትሉ።
"እቲ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ ተኻይዱ" ትብል። እቲ ዝቐጸለ ግን ምድንጋር ከምዝነበሮ ትገልጽ።
ራፋኤል በሳ፡ ንኣና ኣብ ኢጣልያ ሆቴል ከም ዝሓዘላ እቲ ናይ በረድ መዘናግዒ ግን ባዕላ ከም ዝሰረዘቶን ገንዘባ ከም ዝመለሰላን ንቢቢሲ ተዛረበ።
ኣና ግን ከም ዘይሰረዘቶን ከም ዘይተኸፈለትን ሓበረት።
ማሪያን ኣናን በቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ከም ዝተቘጥዓን፡ እቲ ተሞኵሮ በሰላ ከም ዝገደፈለንን ይዛረባ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመን ምድንጋር ከኣ ኣብ ናይ ገንዘብ ቅልውላው ከም ዝኣተዋ ይሕብራ።
ኣድሪያን ትሮፊን እትበሃል ኣብ ለንደን እትነብር ብራዚላዊት ኣደ ኽልተ ቘልዑ፡ ኣብ ግሪኽ ምስ ስድራቤት ዕረፍታ ንኸተሕልፍ ዘውጽኣቶ መደብ ብዘይምስኽዑ ኣዝዩ ከም ዘሰንበዳ’ያ ትዛረብ።
ኣድርያን ከም ዝበለቶ፡ ምስ ራፋኤል በሳ ብፈይስ-ቡክ’ያ ተፋሊጣቶ። በቶም ዘቕርቦም ዝነበረ ናይ ዕረፍቲ ቦታታት ኣሳእል ተመሲጣ’ያ ቀሪባቶ፤ ብኡ ከኣ ምሕዝነት ፈጢሮም።
ንሳ ንባዕላ ከምዚ ዓይነት ክቡር ዕረፍቲ ከተሕልፍ ከም ዘይትኽእል’ኳ እንተተረድኣ፡ ራፋኤል ግን ንነፍሲ ወከፍ ባጀት ዝኸውን መገሻታት ከም ዘሎ ነገራ። ኰይኑ ድማ ብናቱ ምኽሪ ዓጊባ ን14 ሰባት - ንኣባላት ቤተሰባን ኣዕሩኽታን ንግሪኽ ንዕረፍቲ ክትጐዓዝ መደብ ኣውጽአት።
ንራፋኤል በሳ ኣብቲ ኣርባዕተ ኮዀብ ክላብ-ሜድ ዝበሃል መዘናግዒ ቦታ ንኽሕዘሎም ኣቐዲሞም ከፈልዎ። ይዅን’ምበር፡ እተን መካይን ናብቲ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ንኽወስዳኦም ኣብ ኤርፖርት ክቕበለኦም ዝግበአን ክነሰን ከይመጽኣ ተረፋ።
ኣድሪያን፡ ንራፋኤል በሳ ንኽሕግዛ መልእኽቲ ለኸትሉ። ንሱ ድማ ኵሉ ነገር ከም ዝወድኣላ ሓበራ፣ ሰለስተ ቍጽሪ ስልኪ ኸኣ ሃባ። እንተ ደወለት ግን ፍጹም መልሲ ሰኣነት።
ኣድሪያን ምስ ጕጅለኣ ንሰዓታት ዝኣክል ኣብ ኤርፖርት ቀንፈዘው በለት። መወዳእታኡ ደቪድ ዶፈር፡ እቲ ናይ ክላብ-ሜድ ናይ ገያሾ መጓዓዝያ ኣካያዲ ስራሕ፡ ባዕሉ ክሕግዞም ተበገሰ። እቲ ዘገርም ግን ብስም ኣድራያን ኣብ ክላብ-ሜድ ዝተመዝገበ ሰብ ከም ዘይነበረ ሓበረ። ራፋኤል ቦታ ሒዙሎም ከም ዝነበረ ግናኸ ብዘይምኽፋሉ እቲ ጠለብ ከም ዝተሰረዘ ሓበራ።
ዴቪድ ባዕሉ ነቲ ወኪል-ጕዕዞ ደዊሉ ኣብ ኣቴንስ ካልእ ሆቴል ክሕዘሎም ተወከሶ፣ ብኸምኡ ኸኣ ተሰማምዑ። ጸኒሑ ደቪድ ናብቲ ሓድሽ ሆቴል ምስ ደወለ ራፋኤል በሳ ገንዘብ ከም ዘይከፈለ ሓበርዎ።
ኣብ መወዳእታ ሰብኣይ ኣድሪያን ንብምሉኦም እቶም ጕጅለ ኣብ ካልእ ሆቴል ንኸዕርፉ $12,000 ዶላር ከፈለሎም።
"ኣብታ ሰሙን’ቲኣ - ማለት ኣብተን ሸውዓተ መዓልትታት’ቲአን - እንተ ወሓደ ገለ ክፋል ናይቲ ዝኽፈል ገንዘብ ንኽሰድድ መዓልትን ለይትን ምስ ራፋኤል ብተሌፎን ተመያየጥኩ። ከላግጸለይ ጀመረ" በለት ኣድርያን። ንሱ ከይኣኽሎ ድማ ምስ መጓዕዝቲ ኣድርያን ብዘካየዶ ዝርርብ እቲ ጕድለት ናይ ኣድርያን ምዃኑ፡ ንሳ ዘይከፈለቶ ገንዘብ ከም ዘሎ ብሓሶት ኣእመኖም።
ኣድርያን ከም ዝበለቶ፡ "ሽዑ ኣብ ገሃነም’የ ተሸሚመ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ካብ ናይ ሽዑ ተመኵሮ ዝኸፍአ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፤ እወ፡ ኣብ ህይወተይ ካብቲ ኣብ ግሪኽ ዘሕለፍክወን ሸውዓተ መዓልታት ዝኸፍኣ ኵነታት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን” በለት።
"ሓዳረይ ኣመና’ዩ ተናዊጹ … ክሳዕ ሕጂ! ንዓይ ዓቢ ዕዳ’ዩ! ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ብስምዒታዊ መዳይ እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ድሂኹኒ’ዩ" ትብል።
ራፋኤል በሳ ንኣድሪያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትጽበ እንከላ ኵሉ ነገር ደሓን ከም ዝነበረ’ኳ እንተ ኣረጋገጸላ፡ ኣድሪያን ግን ዕዳኣ ስለ ዘይከፈለት ነቲ ምዝገባ ሆቴል ከም ዝሰረዞ ንቢቢሲ ሓበረ።
ኣድሪያን ግን ወጻኢታት ናይቲ ሆቴል ምሉእ-ብምሉእ ንምሽፋን ቅድሚ ጕዕዞኣ ገንዘብ ከም እተመሓላለፈ ዝሕብር መርትዖ ኣቕረበት ። ምስ ራፋኤል በሳ ሰለስተ ናይ ነፋሪት ቲኬት ክትከፍል ከም ዝተሰማምዐት ድማ ምስቲ ራፋኤል በሳ ባዕሉ ናብ ቢቢሲ ዝለኣኾ መልእኽትታት ኣረጋገጾ።
ቢቢሲ ን10 ዓማዊል ራፋኤል በሳ ኣዘራሪብዎም እዩ። ማሪያን ኣናን ኣድሪያንን ብሓበራ ነቲ ዘይተዋህበን ኣገልግሎት $90,000 ዶላር ከም ዝኸፈላ ገሊጸን።
ነቲ ኣብ ክንዲ 50 ዓማዊል ራፋኤል በሳ ኰይኑ ጕዳዮም ዘበገሰ ቪክቶር ፔኒዶ ማቻዶ ዝበሃል ብራዚላዊ ጠበቓ እውን ቢቢሲ ኣዘራሪቡዎ እዩ። እቲ ጠበቓ ንሆቴልን ካልኦት ዘይተዋህቡ ኣገልግሎታትን ብድምር $183,000 ዶላር ከም ዝኸፈሉ ገሊጹ።
እቲ ጠበቓ ከም ዝገለጾ ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ተፈጺሙ። ዓማዊል ናብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምስ በጽሑ ሆቴሎም ከይተኸፍለ ይጸንሖም። ራፋኤል በሳ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ገንዘብ ካብ ምኽፋል የምልጥ።
ቢቢሲ ንሚስተር በሳ ምስ ኣዘራረቦ፡ እቶም ናይ ቀደም ዓማዊሉ ዘቕረብዎ ክስታት "መስደምም’ዩ" ብምባል ከሓዶ።
"ብብዙሕ ጌጋታትኩም - 90% ሓቅታትኩም - ሓሶት ብምዃኑ ብሓቂ ገሪሙኒ" ኢሉ ከኣ ጸሓፈ።

ዓለማዊ ውድብ ቱሪዝም ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNWTO)፡ ወኪላት ጕዕዞ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ንዓማዊሎም ንመዘናግዒ ቦታታት ካብ ሓቂ ንላዕሊ ኵሒሎም ብምቕራብ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ስልቲ’ዩ ክብል ይኸሶም።
ኣሊስያ ጐመዝ እትበሃል ኣማኻሪት ሕጊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበለቶ፡ "ቱሪስት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝርእይዎ እዞም ወሃብቲ ኣገልግሎት ሶሻል ሚድያ፡ ንኣገልግሎቶም ከም ዝእመን ገይሮም የቕርብዎም ስለ ዘሎዉ ንሰብ [የተዓሻሽዉ] ኣለዉ - ካብ ካልኦት ስሩዓት ወብሳይታት የውጽእዎም ኣለዉ” ትብል።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዲጂታላዊ ምጥፍፋእ ብፍላይ ከኣ ኣብ መገሻን ጕዕዞ ቱሪዝምን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ሚስ ጐመዝ ትገልጽ።
"እዚ ዓለም ለኻዊ ጸገም ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ተጠቀምትን ሰበ-ስልጣንን ብኢንተርነት ዝግበር ምትላል እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ጸብጻብ ይህቡ ኣለዉ፣ ንብዙሓት ቱሪስትን ብኸምዚ ዓይነት ስርቂ ክታለሉ የሕፍሮም ስለ ዝኾነ ብሕንከት ስቕ’ዮም ዝብሉ - እዚ ኸኣ ብግቡእ ንኽምከቱ ኣይሕግዘን’ዩ” ትብል ሚስ ጐመዝ።
ትካል ቱሪዝም ሕቡራት ሃገራት (UNWTO ) ንበጻሕቲ ሃገር ዝሕግዝ ኮድ ኣማዕቢሉ ኣሎ፤ እዚ ኮድ እዚ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ፡ መንግስትታት፡ ተጠቀምቲ ዘለዎም ሓላፍነት ዘነጽር ኰይኑ፡ መንግስትታትን ውልቀ ኩባንያታትን ብኸመይ ኣገባብ ብዝበለጸ መገዲ ብሓባር ክዓዩ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ እዩ።
ክሳዕ ሕጂ ሸውዓተ ሃገራት ነዚ ኮድ’ዚ ተቐቢለን ክፋል ሃገራዊ ሕጋጋተን ገይረንኦ ኣለዋ፣ ካልኦት፡ እንኮላይ ብራዚል ንኸጽድቓኦ ይጽዕራ ኣለዋ።
ሜታ - ዋና ኢንስታግራምን ፌስቡክን ዝዀነ ትካል - ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ "ኣብ መድረኽና ናይ ሓሶት ንጥፈታት ክካየድ ኣይንፈቅድን ኢና፡ ንሰረቕቲ ንምርሓቕ ከኣ ምስቶም ሰብ-ስልጣን ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና” ኢላ።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ሓድሽ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ብምውፋር፡ ዓሚ ማዕረ $5 ቢልዮን ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ድሕንነት ኣውጺእና" ከኣ ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







