ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ እዩ ንወዲ 13 ዓመት ኮተቴ ኣቕቲልዎ?

ምንጪ ስእሊ, STEPHENS FAMILY
ወዲ 13 ዓመት ኦሊ ስቲቨንስ፡ ኣብ ከተማ ሪዲን ኣብ ጥቓ ገዛኡ ኣብ ዝርከብ ግራት ብኻራ ተቐቲሉ።
ወለዱ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝግበር ዓመጽን ህውከትን ተቓሊዑ ከምዝነበረ ዝፈለጡ ግን ድሕሪ ምማቱ እዩ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ሞት ኦሊ ስቲፈንስ ዝነበሮ ግደ፡ መርሚራ ንቢቢሲ ፓኖራማ ጸብጻብ ዘቕረበት ማሪያና ስፕሪንግ፡ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓመጽ ንዝመልኦ ቪድዮታትን ካራሩን ብኸመይ ክቃላዕ ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣማንዳ ስቲቨንስንን ስቱዋርት ስቲቨንስንን ወዶም ቴሌፎኑ ሒዙ ናብቲ 'ባግስ ቦተም' ዝበሃል ግራት ክኸይድ እንከሎ ንመወዳእታ ግዜ ይርእይዎ ከም ዝነበሩ ኣይተረድኡን።
ድሕሪ 15 ደቓይቕ ኦሊ ተቐቲሉ።
እንታይ ከም ዝተፈጥረ ሓበሬታ ዝተረኽበ ካብታ ሒዝዋ ዝወጽአ ቴለፎን እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ክልተ ኰተቴ ኣወዳት እዮም ብኻራ ወጊኦ ቀቲሎምዎ።
ኦሊ ናብቲ ግራት ከም ዝወጽእ ዝገበረት ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፋለጥዋ ጓል እያ።
ወዶም ምስቶም ኰተቴ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝገበርዎ ባእስን ጽልእን ምስ ረኣዩ፡ ወለዱ ኣዝዮም ሰንቢዶም።
ማሪያና፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ሞት ኦሊ ዝነበሮ ግደን፣ ከምኡ ዝኣመሰሉ ደቂ 13 ዓመትን ናብ ከመይ ዝበለ ትሕዝቶታት ከም ዝቃልዑን ክምርምር ወሲነ ትብል።
ነቲ ዛንታ'ውን ብኸምዚ ዝስዕብ ትጸውዮ።
ስቱዋርት ኣብ ገዛኦም ከይደ ከዛርቦ ከለኹ፡ "ብማሕበራዊ መራኸቢ ሃዲኖም ረኺቦም፡ ቀቲሎምዎ" ኢሉኒ።
"ማሕበራዊ መራኸቢ በቲ ቕትለት ገበነኛ እንተዘይኰነ'ውን ካብ ቅትለት ከድሕኖ ኸኣ ኣይከኣለን፣ እምበር፡ ኦሊ ብህይወት ምተረፈ።"

ምንጪ ስእሊ, STEPHENS FAMILY

ምንጪ ስእሊ, STEPHENS FAMILY
ፖሊስ ቴምስ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብቲ ቕትለት ግደ ስለ ዝነበሮ፡ ታሪኽ ኦሊ ጐሊሑ ከም ዝርአ ገሊጾም።
ኣብ ተሌፎን እቶም ቀተልቲ ዝተረኸቡ ካራሩ፡ ምድንዳንን ዓመጽን ዝመልኦም ቪድዮታት፡ መርኣያ "ጫፍ ናይቲ ጸገም" ጥራይ ከም ዝዀኑ ይጥርጥሩ።
ኣብ ክሊ'ቲ ዕድመ ዝውቱራት ኣብ ዝዀኑ ሓሙሽተ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ወዲ 13 ዓመት ናይ ሓሶት ኣካውንትታት ብምኽፋት፡ መንእሰያት 'ቲ ዕድመ እንታይ ይርእዩ ከም ዘለዉ ክምርምር ተበጊሰ።
ንሓደ ዓርኪ ኦሊ ኣማኺርና፣ ኣብ ሪዲን ናይ ዝርከቡ ካልኦት መናእሰይ ኣካውንት'ውን ርኢና፣ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዝፈጠሮ ስእሊ'ውን ናይ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኮተቴ ኣካውንት ኣዳሊና።
ሓደ ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ስፖርት ኣትሒዙ ክሳብ ሙዚቃን ትሕዝቶታት ገበንን ዘለዎም ቪድዮታትን፡ ብኸመይ ከም ዝጽሎን እንታይ ክርኢ ከም ዝተባባዕን ወይ ከም ዝህንጠን ክንምንርምር ደሊና።
ብዘይካ'ዚ እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት፡ ምስቲ እቶም ንኦሊ ብምቕታል ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኸቡ ቘልዑ ዝዘርግሕዎ ቪድዮታት፡ ኣሳእልን ካራሩን ዝመሳሰል ነገር እንተሃልይዎም ክንምርምር ተበጊስና።
ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐረበ ትሕዝቶ፡ ‘ላይክ’ን ‘ፈሎው’ን ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት መበገሲ ድልየት ሕሳብና፡ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ፈተነ ምስ ገበርና፡ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ዘሰንብድ እዩ።
- ኣብ ኢንስታግራም፡ ዩትዩብ ከምኡ'ውን ፈይስቡክ እቲ ወዲ 13 ዓመት ኣካውንትና፡ ካራ ብዝሸጡ ሰባት ከምኡ'ውን ዓመጽ ዘድንቕ ትሕዝቶታት ንኽርኢ ምትብባዕ ቀሪቡሉ፡
- ነቲ ኣካውንት ተጠቒምና ኣንጻር ካራሩ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ክንደሊ እንከለና፡ እቲ ወዲ 13 ዓመት ሕሳብና ኣብ ኢንስታግራም፡ ዩትዩብ ከምኡ'ውን ኣብ ፈይስቡክ፡ ካራ ናይ ዘተባብዑ ጕጅለታት ቪድዮ ንኽርኢ ጻውዒት ቀሪብሉ
- እቲ ወዲ 13 ዓመት ሕሳብና፡ ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክ፡ ዩትዩብን ስናፕቻትን ካራ ምስ ረኣየ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይተወስደን። ቲክቶክ ግን ነቲ ብዛዕባ ሓደገኛ ተግባራት ዘውጽኦ መምርሒታት ብምጥሓሱ ትሕዝቶኡ ኣልጊስዎ፤ ሕሳቡ ክዓጽዎ ከም ዝኽእል ድማ መጠንቀቕታ ሂቡ።
'ሚስጥራዊ ዓለም'
ኣብታ መዓልቲ፡ ኦሊ ካብ ገዛኡ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣደኡ ኣማንዳ ኣበይ ከም ዘሎ ክትፈልጥ ስለ ዝደለየት ኣብታ ተሌፎኑ ዘሎ ኣሰር ዘመላኽት መተግበሪ ሞባይል ንኽውልዕ ነጊራቶ።
ኦሊ፡ ካብ ገዛ ዝወጽኣሉ መዓልቲ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንጽባሒቱ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ እዩ ትጽቢታ ነይሩ።
ካብ ቤቱ ምስ ወጽአ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ማዕጾ ተዃሕኵሑ። ንኦሊ ዝፈልጦ ወዲ እዩ፤ ኣማንዳ ነቲ ንሱ ዝብሎ ዝነበረ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን።
" 'ኦሊ ብኻራ ተወጊኡ ድዩ ዝብል ዘሎ?' ኢለ ሓሰብኩ፡" ትብል።
ስቱዋርትን ሓብቲ ኦሊን ተጓዮም ወጺኦም ምስ ከዱ፡ ኦሊ ብደም ጠልቅዩ ኣብቲ ግራት ውዲቑ ረኺቦምዎ።
ኣማንዳ’ውን ጸኒሓ ስዒባቶም።
"ኢዱ ሒዘ ገዲፍካኒ ኣይትሙት ኢለ ተማሕጺነዮ" ይብል ስቱዋርት።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን ፈተውትን ክሕግዙ እንተፈተኑ’ውን፡ ኦሊ ኣብቲ ግራት ድሮ ህይወቱ ሓሊፋ ነበረ።
ስቱዋርት "ኵል ሳዕ ኣእጋሩ ኣብ ጫፍ ዓራቱ ኣንጠልጢሉ ይርእዮ ስለ ዝነበርኩ፡ ከምኡ ጥራይ ይመስለኒ'ሞ፡ ኣእጋሩ ክርኢ እደሊ። ኣእጋሩ ክርኢ ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ'ዩ ዘሕመኒ፡" ብምባል ሓዘኑ ይገልጽ።
እቲ ዝፈትዎ መጐልበቢኡ ሎሚ'ውን ኣብ ዓራቱ ይንጸፍ ኣሎ።
ኣማንዳ ክሳብ ሎሚ፡ ምቁር ነገራት ዓዲጋ ናብ መደቀሲኡ ትወስድ።
መደቀሲኡ ከተጽርየሉ እንከላ፡ እቲ መጽራዪ ማሽን ዝፈጥሮ ድምጺ ስለ ዝርብሾ ደስ ኣይብሎን ነይሩ። ስለ ዝዀነ፡ ኣማንዳ ሎሚ'ውን ከምቲ ልሙድ፡ 'ሓንቲ ደቒቕ ጥራይ' እናበለት ነቲ መደቀሲ ክፍሉ ተጽርዮ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, STEPHENS FAMILY
ኦሊ ምስ ተቐትለ፡ ንጽባሒቱ ኣማንዳን ስቱዋርትን ተሌፎኑ ክርእዩ ከለዉ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ተገንዚቦም።
“ዝደለኻዮ ትዛረበሉን ዝደለኻዮ ትገብረሉን ምስጢራዊ ዓለም እዩ። እዚ ዓለም ከም ዘሎን ኦሊ ድማ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶን ኣይንፈልጥን ኔርና፡" ትብል።
'ኣቐዲሙ ዘይተራእየ' ዲጂታዊ መርትዖ
ነታ ተሌፎን ንኽምርምር ዝተመዘዘ ኣንዲ ሃዋርድ ኣቐዲሙ ከምኡ ዓይነት ነገር ከም ዝተራእየ ይገልጽ።
90% ናይቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ መርትዖ፡ ካብ ሞባይል ተሌፎናት ዝተረኽበ፡ ቈልዑ መሰኻኽር'ውን ዘየድለዮ መስርሕ እዩ ነይሩ ።
"ብብዝሒ እቲ ዲጂታዊ መርትዖታት ብሓቂ ተገሪምና ኢና" ብምባል ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እቶም ደቂ 13ን 14ን ዝዀኑ ክልተ ኣወዳት ገበነኛታት ተባሂሎም ክፍረዱ እንከለው፡ እኹል መርትዖታት ተረኺቡ ነይሩ። እታ ናብቲ ግራት ዝመርሓቶ ጓል 13 ዓመት'ውን ሰብ ብምቕታል ገበነኛ ተባሂላ ተፈሪዳ።
ኣብተን ተሌፎናት ካብ ዝተረኽቡ መርትዖታት፡ ኣብ ኢንስታግራም ካራን ካልኦት በላሕቲ ነገራትን ዝሓዙ፡ ማስኬራ ተኸዲኖም ፊቶም ዝቐልዑ ሰባት ዘርኢ ስእልታት ይርከቡ።
ብተወሳኺ'ውን ፖሊስ ምስ ቅትለት ኦሊ ዝተተሓሓዙ ኣወዳት ኣብ ንሓድሕዶም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዘርእዩ ቪድዮታት ረኺቡ።
እዞም ቪድዮታት ኣብ ኢንስታግራምን ስናፕቻትን "ብቓልዕን ብስሩዕን" ከም ዝተርግሑ ኣንዲ ሃዋርድ ይገልጽ።
ኣብ ስናፕቻት ዝተዘርግሐት "patterning" ዝተባህለ መጥቃዕቲ እተርኢ ቪድዮ፡ ናብ ቅትለት ኦሊ ዘምርሑ ክስተታት ዘብርሀት ነይራ።
ሓደ መንእሰይ ክዋረድ ከሎ ብቪድዮ ተቐዲሑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክዝርጋሕ ከሎ፡ "patterning" መጥቃዕቲ ይበሃል።
ሓደ ሰብ ነቲ ቪድዮ ናብ ካልእ ክልእኮ እንከሎ ወይ መሊሱ ክዝርግሖን፡ ‘ሼር’ ክገብሮን እንከሎ ኸኣ ብኡ መጠን እቲ ውርደት እናተራብሐ ይኸይድ።
ኦሊ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ክዋረድ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ረኸበ፡ ናብ ዓቢይ ሓዉ ነቲ ወዲ ልኢኹ ከጠንቅቘ ፈቲኑ።
እቶም ኣብቲ ጕጅለ ስናፕቻት ዝነበሩ ክልተ ኣወዳት፡ ነዚ ምስ ፈለጡ ተቘጢዖም።
ቀንዲ መርማሪ ኣንዲ ሃዋርድ፡ እቶም ኣወዳት ኦሊ "ከም ዝሓሰወሎምን ከም ዘቃልዖምን" ስለዝሕሰብዎ፡ ናብ ቅትለት ከም ዘምርሖም ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/PHIL COOMES
ፖሊስ ካብቶም ክልተ ኣወዳት ብኣማኢት ዝቝጸር መዘኻኸሪ ድምጺ ስናፕቻት ረኺቡ እዩ። ኣብ ንሓድሕዶም ንኦሊ ብዛዕባ ምጥቃዕ ክመያየጡ ይስማዕ፤ እዚ ንምግባር ድማ ሓንቲ ጓል ክጥቀሙ ይፍትኑ።
እታ ነዚ ክትገብር ፍቓደኛ ዝዀነት ጓል 13 ዓመት፡ ንኦሊ ብኣካል ትፈልጦ እያ። ምስቶም ክልተ ኣወዳት ግን ብማሕበራዊ መራኸቢ እያ ተላልያ።
ኵላቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ'ኳ እንተ ነበሩ ኣብታ ኦሊ ዝተቐትለላ መዓልቲ እዮም ንመጀመርታ ግዜ ተራኺቦም።
እቶም ኣብቲ ድምጺ ዝስምዑ ሰባት ዝጥቀምሉ ቋንቋ ዘሰንብድ እዩ።
"ኦሊ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ" ከምኡ'ውን "ክሃርሞ ወይ ክወግኦ እየ" ክብሉ ይስምዑ።
እቲ ዘሰንብድ ቃና ድምጾም'ውን ዘይልሙድን ዝሑልን እዩ።
ኣብ ሓደ መዘኻኸሪ ድምጺ፡ እታ ጓል "[ወዲ 2] [ንኦሊ] ከመቻችኣሉ ደልዩ ኣሎ። ክሃርሞን ሓመድ ከስሕኖን እዩ" ትብል።
ስናፕቻት ነቶም መዘኻኸሪ ድምጺታት ፈጺሙ ዘስተውዓለ ኣይመስልን። ብመሰረት ፖሊሲ ስናፕቻት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውልቃዊ መልእኽቲ ወይ ናይ ድምጺ መዘኻኸሪ፡ ናብቲ ወብ ሳይት ሪፖርት ኣይልእኽን እዩ፣ እቲ ሰብ ጥራይ እዩ ከምኡ ክገብር ዝኽእል።
እቲ ብፖሊስ ዝተኣከበ መርትዖ፡ ነቲ መስርሕ ፍርዲ እኹል እዩ። ኣንዲ ሃዋርድ ግን እቶም መንእሰያት ወትሩ ዓመጽ ንዝመልኦ ትሕዝቶ ዝተቓልዑ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ስግኣት ኣለዎ።
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃደርስፊልድ ዝርከብ ማእከል 'ኣፕላይድ ክሪሚኖሎጂ ኤንድ ፖሊሲ' ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝድግፍ እዩ።
ርብዒ ናይቲ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዝፍጽምዎ ገበናት፡ ቀንዲ ረቛሒ ማሕበራዊ መራኸቢ እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ዓመጽ'ዚ ብ ርክብ ኢንተርነት'ዩ ዝጅምር።
መንእሰያት ብኢንተርነት ዝርእይዎም ነገራት
ኣብቲ ቢቢሲ ዝገበሮ መርመራ፡ ኣብ ከተማ ሪዲን ዝርከቡ ደቂ 13 ዓመት መንእሰያት ዝከታተልዎ ትሕዝቶ ምስ ተኸታተልና፡ እቲ ዝፈጠርናዮ ኣካውንት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ካራሩ ዝሓዙ ሰባትን ንዕዳጋ ዝቐረቡ ካራሩን ከምኡ'ውን ዓመጽ ዘኽብሩ ቪድዮታትን ንኽርኢ ሐሳብ ቀሪቡሉ።
እዚ ዘጋጠመ ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ዩትዩብንን እዩ። ኣብ ቲክቶክን ስናፕቻትን ከምኡ ኣየጋጠመን።
ኵሎም እዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንእስያት ጉድኣት ንኸይወርድ ከም ዝከላኸሉ እዮም ዝገልጹ።
ንኢንስታግራምን ንፈይስቡክን ዝውንን ሜታ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም መንእስያት፡ "በላሕቲ ኣጽዋራት ንምሻጥ ወይ ንምግዛእ ዘወዓውዕ ትሕዝቶታት” ከይርእዩ ቀይዲ ከም ዝገብር ይገልጽ።
ዩትዩብ፡ "መንእሰያት ክቐድሕዎ ዝኽእሉ ጐዳኢ ወይ ሓደገኛ ተግባራት" ዘጠቓልል ትሕዝቶ፡ "ቀይዲታት ዕድመ ክውሰኸሉ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።
ኣብቲ ዝኸፈትናዮ ኣካውንት፡ ገደብ ዕድመ ዘለዎ ሓደ ቪድዮ ጥራይ እዩ ኣጋጢሙና።
ገለ ካብቲ ካራታት ዝሓዘ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ምስቲ ኣብ ተሌፎን እቶም ቀተልቲ ኦሊ ዝተረኽበ ስእልታት ዝመሳሰል እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ዝዘርገሐ ሓደ ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ፡ እንታይ ከም ዝጋጥሞ ክንፍትን ደለና።
እቶም ዝኸፈትናዮም ናይ ሓሶት ኣካውንታት፡ ንስእልን ቪድዮን ካራሩ ምእንቲ ከይቃልዑ ብሕታዊ እዮም ተገይሮም።
ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ዩትዩብን ከምኡ'ውን ኣብ ስናፕቻት ትሕዝቶ ካራ እንተዘርጋሕና’ውን ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይተወስደን።
ቲክቶክ ግን መምርሒ ስለዘየኽበረን ሓደገኛ ተግባራት ስለዘርኢን ነቲ ቪድዮ ኣልይዎ እዩ።
እቲ ኣካውንት’ውን ክዓጽዎ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ሂቡ። እዚ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ዝዝረግሕዎ ሓደገኛ ትሕዝቶታት ምፍላይን ምእላይን ከምዝክኣል ዘመላኽት እዩ።
እቶም ናይ ሓሶት ኣካውንትታት ከም ዝዕጸው ገይርና ኢና።
እቲ ዝገበርናዮ ምርመራ ካልእ ውጽኢት'ውን ኣርእዩና፤ ኣብቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ምልክታታት ድልየት፣ ግዜን ዕድመን ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም።
ምልክታት ምዝርጋሕ፡ ሓበሬታ መንእስያት ዝጥቀሙ እንተዀይኖም ካብ ሓደገኛ ትሕዝቶታት'ውን ክከላኸልዎም ከም ዝኽእሉ የመልክት።
ኵሎም እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቕትለት ኦሊ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም እዮም።
ሜታ "ሓደገኛ ትሕዝቶ ዘተባብዑ፡ ዘፈራርሑን ዓመጽን" ከም ዘይፈቅድ፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ኣብ ምርመራ ቕትለት ኦሊ ዝሓገዞ፡ "ፖሊስ ዘካይዶ ምርመራ ንምሕጋዝ መስርሕ ከም ዘዳለወን” ገሊጹ።
ዩትዩብ፡ መድረኹ "ዓመጽ ንምትብባዕ ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ነረጋግጸሉ ጽኑዕ ፖሊሲታት” ዝብል ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ቲክቶክ፡ "ተጠቀምትና ብፍላይ መንእሰያት ንምሕላው ‘እኹል እዩ’ ንብሎ ስራሕ የለን” ብምባል ተወሳኺ ፖሊሲታትን መሳርሒታትን ከምዘዳሉ'ውን ገሊጹ።
ስናፕቻት፡ "ምንሻው፡ ማህሰይቲን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳትን ፍጹም ክልክል እዩ” ብምባል፡ "ሚስጥራዊ መሳርሒታት ጸብጻብ ኣብቲ መተግበሪ ሞባይል” ከም ዝገብር ኣብ መርበብ ገጹ ሓቢሩ።
ኣለሻ መልሲ
ኣማንዳን ስቱዋርትን ካልኦት ደቂ 13 ዓመት መናእሰይን፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘዕቝብ መልስን ፍታሕን ክረኽቡን ሓገግቲ ብሪጣንያ ኸኣ ነዚ ክጽውዑ እዮም ዝደልዩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/PHIL COOMES
እቲ ንድሕነት ኢንተርነት ዝምልከት ሕጊ ንፓርላማ ቀሪቡ ኣሎ። ጸሓፊት ሃገር (Secretary of State) ናዲን ዶሪስ "እዚ ሕጊ'ዚ ድሕነት ቈልዑን መናእሰይን ንምሕላው እዩ" ትብል።
ውጽኢት ናይቲ ዘካየድናዮ ምርመራ ክትርኢ እንከላ ኣይሰንበደትን። "እዞም መድረኻት፡ ትሕዝቶ ካራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መንእሰያት ከም ዝዝርጋሕ ይፈልጡ እዮም። ነቲ ጕድለት ክእርምዎ'ውን ይኽእሉ እዮም፡" ትብል
ስቱዋርትን ኣማንዳን እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ሕጊ፡ ንኦሊ ኣይመድሓኖን ኢሎም ይሓስቡ።
ከምቲ እቲ ከፊትናዮ ዝነበርና ናይ ሓሶት ኣካውንት ንኽርእዮም ዝተጠቈሙ ቪድዮታት ኣሳእል ዓመጽን ካራሩን፣ ትሕዝቶታቶም ሕጋዊ'ኳ እንተዀነ፡ ዕድመ መናእሰይ ንምርግጋጽን፡ ንጐዳእቲ ትሕዝቶታት ንኸይቃልዑን ዘኽእል ዝያዳ ስራሕ ተሰሪሑ ክርእዩ ድልየት ኣለዎም።
ዶሪስ ኣብ ቀረባ ግዜ ጐዳኢ ግን ከኣ ሕጋዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ብንጹር ከምዝፍለ ትገልጽ።
እንተዀነ እቲ ሕጊ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዚ ጸገም ንኽፈትሑ ብኸመይ'ዩ ከገድዶም ዝኽእል?
"ነቲ ቐንዲ መሰረታዊ ስርዓት ናይቲ ሕጊ ምሕላው ዝቐለለ እመስለኒ።" ትብል ዶሪስ።
"ቈልዑን መናእሰይን ኢንተርነት ንኽጥቀሙ ብሪጣንያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ብዝበለጸ ውሕስነት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኣለዋ።"
መንግስቲ ኣብተን ሕጊ ዘየኽብራ ትካላት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘሕልፍ ተመባጺዑ ኣሎ።
ዶሪስ "ብቢልዮናት ፓውንድ ዝቝጸር መቕጻዕቲን ኣብ ከምዚ ዝበሉ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ብገበን ከምዝሕተቱ ናይ ምርግጋጽ ስልጣን ክህልወና እዩ፡" ክትብል ተብርህ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣማንዳ፡ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ከም ዘይቃወማ እምነታ ትገልጽ።
ስቱዋርት ድማ፡ "መኽሰብኩም ረስዑ፤ ቈልዑ ሕድሕድ ይቃተሉ ኣለዉ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







