ናይጄሪያዊ ኢ-ኣማኒ ንእስልምና ተጻሪፍካ ብዝብል ናይ 24 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ስእሊ ሙባረክ ባላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሙባረክ ባላ ብ2014 ናይ እስልምና እምነቱ ሓዲጉዎ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰሜናዊ ምምሕዳር ካኖ ናይጄሪያዊ ኢ-ኣማኒ ሙባረክ ባላ ንእስልምና ተጻሪፍካ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ብምግላጽ ብማእሰርቲ 24 ዓመታት ክቕጻዕ ፈሪዱ።

እዚ ወዲ 37 ዓመት ፕሬዝደንት ማሕበር 'ሂዩማኒስት' ናይጄሪያ ንዝቐረብሉ 18 ክስታት ገበነኛ ክብሃል እንከሎ ምሕረት ሓቲቱ።

ንሱ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ።

ኣብታ ሃገር፡ ናይ እስላም ጉጅለታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንእስልምና ዘይጠቕሙ መልእኽታት ጠቂዑ'ዩ ብዝብል ክሲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ጸኒሖም።

ምምሕዳር ካኖ ዝበዝሕ እስላም ህዝቢ ዝነብረላ እያ። ኣብዚ ክልል፡ ጎና ጎኒ ዓለማዊ ሕግታት እስላማዊ ሕጊ'ውን ተግበራዊ ይኸውን።

እቲ ኣብ ልዕሊ ባላ ዝተመስረተ ክሲ ብእስላማዊ ቤት ፍርዲ እንተዝርኣይ ነይሩ ድማ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክፍረዶ ይኽእል ነይሩ።

ሰብ ሞያ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ግን ማእሰርቲ ባላ ብምኹናን ንክፍታሕ ሓቲቶም።

ባላ፡ ብ2014 ናይ እስልምና እምነቱ ገዲፉ እዩ ኢ-ኣማኒ ኮይኑ። ካብኡ ንድሓር ስነ ልቦናዊ ሕክምና ናብ ዝወሃቦ ሕክምና ከም ዝተወስደ ይግለጽ።

ብ2020 ኣብ ጎረቤት ክልል ካዱና ምስ ተኣሰረ ናብ ክልሉ ካዶ ተመሓላሊፉ።

ናይጄሪያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ እያ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝበዝሑ ተኸተልቲ እስልምና ኮይኖም፣ ኣብ ደቡብ ድማ ኣዝዮም ኣመንቲ ዝኾኑ ክርስቲያን ዝበዝሑዎ እዩ።