ኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤኒናዊት ደራፊት ኣንጌሊ ኪጆን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲጄ ብላክ ኮፊን ናይዚ ዓመት ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም።
ኪድጆ፡ 'Mother Nature' ዝብል ኣልበማ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ኣልበም ዓለም ብዝብል ግራሚ ዝወሰደት ኮይና፡ ሰለስተ ናይጄሪያውያን ስነ ጥበባውያን ተሳቲፎምሉ'ዮም።
ጓል 61 ዓመት ኪጆ፡ ነዚ ሽልማት መነሓንሕታ ኮይኖም ንዝተሓረዩ ናይጄሪያውያን ዊዝኪድ፣ ፌሚ ኩቲን ጋናዊ ሮኪ ዳዊንን በሊጻ'ያ ተዓዊታ።
እዛ ስነ ጥበባዊት፡ ኣብ 2014፣ 2015ን 2019 እውን ንሽልማት ግራሚ ተዓዊታትሉ ነይራ እያ።
ኪጆ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንዓለም ብኸቢድ ማዕበል ክወስዱዋ እዮም ንዝበለቶም ሓደሽቲ ስነ ጥበባውያን ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ብላክ ኮፊ፡ ብብሉጽ ሳዕስዒት/ኣልበም ሙዚቃ ኤሌክትሮኒክ ክዕወት እንከሎ፡ 'Subconsciously' ብዝብል ኣልበሙ ሽልማት ግራሚ ወሲዱ።
ኮፊ፡ እዚ ናይ መጀመርታኡ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ምስ ንኡሽቶ ወዱ ኦሶና ኮይኑ ተቐቢሉዎ።
"ፈጣሪ ዝሃበኒ ውህብቶ ሙዚቃ ከመስግን ይደሊ፤ በዚ ኣቢለ መንፈስ ሰባት ከሕውን ኣብ ዝሓልፉዎ ጉዕዞ ህይወቶም ሓቢረ ክሓልፍን ብምኽኣለይ የመስግን" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







