ኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም

ኣንጌሊ ኪጆ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤኒናዊት ደራፊት ኣንጌሊ ኪጆን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲጄ ብላክ ኮፊን ናይዚ ዓመት ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም።

ኪድጆ፡ 'Mother Nature' ዝብል ኣልበማ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ኣልበም ዓለም ብዝብል ግራሚ ዝወሰደት ኮይና፡ ሰለስተ ናይጄሪያውያን ስነ ጥበባውያን ተሳቲፎምሉ'ዮም።

ጓል 61 ዓመት ኪጆ፡ ነዚ ሽልማት መነሓንሕታ ኮይኖም ንዝተሓረዩ ናይጄሪያውያን ዊዝኪድ፣ ፌሚ ኩቲን ጋናዊ ሮኪ ዳዊንን በሊጻ'ያ ተዓዊታ።

እዛ ስነ ጥበባዊት፡ ኣብ 2014፣ 2015ን 2019 እውን ንሽልማት ግራሚ ተዓዊታትሉ ነይራ እያ።

ኪጆ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንዓለም ብኸቢድ ማዕበል ክወስዱዋ እዮም ንዝበለቶም ሓደሽቲ ስነ ጥበባውያን ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ብላክ ኮፊ፡ ብብሉጽ ሳዕስዒት/ኣልበም ሙዚቃ ኤሌክትሮኒክ ክዕወት እንከሎ፡ 'Subconsciously' ብዝብል ኣልበሙ ሽልማት ግራሚ ወሲዱ።

ኮፊ፡ እዚ ናይ መጀመርታኡ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ምስ ንኡሽቶ ወዱ ኦሶና ኮይኑ ተቐቢሉዎ።

"ፈጣሪ ዝሃበኒ ውህብቶ ሙዚቃ ከመስግን ይደሊ፤ በዚ ኣቢለ መንፈስ ሰባት ከሕውን ኣብ ዝሓልፉዎ ጉዕዞ ህይወቶም ሓቢረ ክሓልፍን ብምኽኣለይ የመስግን" ኢሉ።