ካቢነ ሚኒስተራት ስሪላንካ ብምልኦም ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ኣእትዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካቢነ ሚኒስተራት ስሪላንካ ብምልኦም፡ ድሕሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብፍታዎም ካብ መዝነቶም ወሪዶም።
ብዘይካ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማሂንዳ ራጃፓክሳን ሓው፡ ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳን ብምልኦም 26 ሚኒስተራት ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ኣእትዮም ኣለው።
ብዙሓት ካብቶም፡ ስድራ ራጃፓክሳ ካብ ስልጣን ክወርዱ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ግና ምእላይ እቶም ሚኒስተራት ትርጉም ዘለዎ ከም ዘይኮነ እዮም ዝገልጹ።
ብሰንበት ብርክት ዝበሉ ሰባት ንኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ብምጥሓስ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይ ተቓውሞ ድምጾም ኣስሚዖም።
እታ ሃገር ኣብ 1948 ካብ ብሪጣንያ ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ኣብ ዝኸበደ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣትያ ከምዘላ ይግለጽ።
ሓደ ጠንቂ እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ካብ ደገ ነዳዲ ንምእታው ዝውዕል ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ምህላው ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ ንሰዓታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን ቁጥዐ ህዝቢ ክብ ኢሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ዲነሽ ጉናዋርደና ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቶም ኣባላት ካቢነ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበታቶም ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዘቕረቡ ገሊጹ።
ወዱ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ናማል ራጃፓክሳ ካብ መንጎ እቶም ብፍቓዶም ካብ መዝነቶም ዝሓደጉ ኣባላት ካቢነ ኮይኑ፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን "ነቲ ህዝብን መንግስትን ንምርግጋእ ዝወሰድዎ ስጉምቲ" ሓጋዚ ከምዝኸወን ተስፍኡ ገሊጹ።
እንተኾነ ግና ነቲ እታ ሃገር ተሸሚማትሉ ዘላ ኩነታት ተሓተትቲ እቲ ፕረዚደንትን ስድራቤቱን ምዃኖም ዝገልጹ ሰልፈኛታት፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ብምቕጻሉ ሕጉሳት ኣይኮኑን።
ብሰንበት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶን ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ፍቓድ እንተዘይተዋሂብዎ ኣብ ህዝባዊ ስፍራታት ከይርከብ ዝኽልክልን መምርሒታት ብምጥሓስ ድምጾም ኣስሚዖም።
ነቲ ተወጢኑ ዝጸንሐ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምትዕንቃፍ ፌስቡክ፡ ዋትስኣፕን ትዊተርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሓወሰ ክልከላ ተገይሩ።
ብሓሙስ ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ መንበሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዕግርግር ምምርሑ ይፍለጥ።
ኣብ 2019 ብሰፊሕ ተዓዊቱ ስልጣን ዝሓዘ እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ከስፍንን ሓያል መንግስቲ ከም ዝፈጥርን ተመባጺዑ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







