ኣብ መረጻ ሃንጋሪ ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንፕረዚደንት ዩክረይን ነቒፉ

ምርጫ ሃንጋሪ፡ ኣብ መረጻ ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንዘሌንስኪ ነቒፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ንራብዓይ ግዜ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ።

ኣፈናዊ ውጽኢት እቲ መረጻ፡ የማናዊ ክንፊ ሰልፊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር 53.1% ድምጺ ናይቲ ዛጊት ተቖጺሩ ዘሎ (98%) ከም ዝተዓወተ የመልክት።

እቲ ብፒተር ማርኪ-ዛይ ዝምራሕ ልፍንቲ ተቓውሞ ድማ 35% ድምጺ ምርካቡ ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንዝረኸቦ ዓወት ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንሰብ መዚ ብራስለስን ፕሬዝደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘሌንስኪን "ተቓወምቲ" ክብል ነቒፉ።

"እዚ ዓብዪ ዓወት'ዩ። ኣብ ወርሒ ኮይኖም ክርእዩዎ ይኽእሉ'ዮም። ብርግጸኝነት ካብ ብራስለስ" ክብል ተዛሪቡ።

ሃንጋሪ ምስ ዩክሬን እትዋሰን ኮይና ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ተቐቢላ ኣላ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንስደተኛታት ሓገዝ ከም ዝገብር ብምግላጽ ሃንጋሪ ኣብ ኲናት ዩክሬን ንዘይምሕዋስ ናብ ዩክሬን ኣጽዋር ከም ዘየቕርብ ብተደጋጋሚ ይዛረብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ካብ 2010 ጀሚሩ'ዩ ነታ ሃገር ክመርሓ ጸኒሑ።

ብመሰረት እቲ ኣፈናዊ ውጽኢት፡ እቲ ኣብ መረጻ ዝተዓወተ ሰልፊ ኣብ ባይቶ 135 መናብር ክህልውዎ እንከለው፡ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ድማ 56 ከም ዝረክብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ መረጻ ይገልጽ።

ወዲ 58 ዓመት ኦርባን ብሰንኪ ሰልፊ ፊደዝ ዴሞክራሲያዊ ትካላት ሃንጋሪ ኣዳኺሙ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ: ምስቲ ሕብረት ሓርፋፍ ርክብ ጸኒሑዎ'ዩ።

ኣብቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሎም 12 ዓመታት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዳግም ጽሒፉ፣ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ብሽሞኛታት መሊኡን ስርዓት መረጻ እታ ሃገር ንርእሱ ብዝጥዕሞ ክቕየር ገይሩን'ዩ።

ሕጹይ ተወዳዳሪ ሰልፊ ተቓውሞ ዝኾነ ፒተር ማርኪ-ዛይ ሃገሩ ኣብ ሸነኽ እተን ናብ ዩክሬን ኣጽዋር ዘቕርባ ዘለዋ ሃገራት ፖላንድ፣ ብሪጣኒያን ካልኦትን ክትጽንበር ኣለዋ ይብል ነይሩ።

እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ፊደዝ: ሃንጋሪ ካብ ቐጠና ኤውሮጳ ከምኡ'ውን ካብ ፍትሓውነትን ደሞክራስን ክትንጸል ገይሩ'ዩ ኢሉ ይነቅፍ።