ጥልያን ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ኢላ ዝኸሰሰቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Kate Stanworth
ወዲ 16 ዓመት ሰኔጋላዊ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ስደተኛታት ዝጸንሕ ዘሎ መሲሉዎ፡ ሕጅስ እንቋዕ ብሰላም ናብ ሲሲሊ ኣተኹ ዝብል ዓብዪ ሩፍታ ተሰሚዑዎ ነይሩ።
እዚ ብ2015 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኮይኑ፡ እቲ ስደተኛ ካብ ሊብያ ብጃልባ ካብ ዝነበረ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ብህይወት ምስ ተረፈ ዘጋጠሞ እዩ።
ንኽልተ መዓልቲ ኣብቲ ዝኣተወሉ ማእከል ምስ ጸንሐ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዓጸወ በሪ ዘይምኽፋቱ ጭንቀት ክፈጥረሉ ጀሚሩ።
ብግርህነቱ፡ ሙሳ ንነብሱ [ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ተቐይሩ] ኣብ ምዕራብ ደሴት ጥልያን ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ትራፒኒ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቱ’ዩ ረኺቡዋ።
“እዚ ክኸውን ኣይኽእልን፤ ናብ ጥልያን ኣትየስ፤ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ፤ ወዲ 16 ዓመት እየ’ኮ” ክብል ሓሲቡ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዘጋጠሞ ክኣምኖ ኣይክኣለን። ካብ ሰኔጋል ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ተኸቲሉ ዝመጽኦ ኤውሮጳ ከምዚ ክጸንሖ ፈጺሙ ኣይገመቶን።
ሙሳ፡ ዋላ’ውን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ እንተዘይኮነ፡ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሱ ግን ኣብቲ ኣባጽሕ ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ንኽልተ ዓመት ክጸንሕ እዩ።
ካልኦት ብዙሓት ስደተኛታት’ውን ብተመሳሳሊ ግዳያት ኮይኖም’ዮም።
ጸብጻብ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣርሲ ፖርኮ ሮሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ 2500 ሰባት ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ጥልያን ከም ዝትኣሰሩ የመልክት።
እዚኦም፡ ዘይሕጋዊ ስደት ብምሕጋዝን ብምትብባዕን ዝተኸሰሱ’ዮም። እዚ ኽኣ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርትን ከቢድ ቕጽዓትን የፍርደ።
‘መቕጽዒ ይጥቀሙሎም’
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጉዳዮም ብሕጋዊ መገዲ ክዕጾ ዝጽበዩ ኣማኢት ንጹሃት ስደተኛታት ከም ዘለው ሓንቲ ካብ ሞንጎ ጸሓፍቲ እቲ ጸብጻብ ማሪያ ጉሊያ ፋቫ ትገልጽ።
ጥልያን፡ ሕግታት ምስግጋር ሰባት ስደተኛታት ንምቕጻዕ ትጥቀመሎም ኣላ ክትብል ትኸስስ።
እቶም ስደተኛታት ብኣዝዩ ዘይምኽኑይ መረዳእታ ከም ዝኽሰሱ እትገልጽ ማሪያ፡ ንጉዳዮም ዝርእዩ መጋብኣያታት ኣዝዮም ውሑዳት ከም ዝኾኑ ተረድእ።
ብተወሳኺ ሕጋዊ ከለላ ናይ ምርካብ ዕድል ዘይምህላው፣ እቶም መረዳእታታት እሙናት ኣብ ዘይኾኑ መሰኻኽር ዝተሞርኮሱ ከም ዝኾኑን ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣባጽሕ ከም ዝዳጎኑን ገሊጻ።
ቼክ ሲን፡ እቲ ስርዓት ብዝግባእ ዝፈልጦ ውልቀሰብ’ዩ።
ንሱ፡ ኣብ ሲሲሊ ኣብ እትረከብ ከተማ ፓሌርሞ ኣተሓባባሪ ሰኔጋላውያን እዩ። እንተኾነ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምስግጋር ብምሕጋዝ ገበነኛ ተባሂሉ ንኽልተ ዓመት ተኣሲሩ’ዩ።
ብዙሓት ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ፍትሓዊ ብዘይኾነ መገዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተትሓዙ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Kate Stanworth
እዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ይዛረብ።
ትካል ኣርሲ ፖርኮ ሮሶ’ውን፡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ዘወርቲ ጃልባ ኢሎም ንዝኸሰሱዎም ሰባት ምስክርነት ንምቕራብ ነቶም ስደተኛታት ዘቕርቡሎም ሰነድ ምህላው ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ ጥልያን ብዛዕባ መጋብኣያ ወይ ማእሰርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዝምልከት መረዳእታ ግን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ክሳብ 22 መጋቢት 952 እሱራት ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ እቶም 562 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበነኛታት ከም ዝተባህሉ ገሊጹ።
ይኹን’ምበር ነቶም ብኣርሲ ፖርኮ ሮሶ ዝቐርቡ ክስታት ምላሽ ኣይሃበን።
‘ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣባጽሕ’
ሙሳ ዝነበረላ ጃልባ ኣብ ትራፓኒ ምስ በጽሐት፡ ካብታ ጃልባ ተራጊፎም ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን ናብታ ከተማ እትወስዶም ኣውቶስብስ ይጽበ ነይሩ።
ኣብኡ እንከሎ ግን ብሓደ በዓል መዚ ጥልያን ተጸዊዑ።
“ናብ ውሽጢ ክኽተሎም ነጊሮምኒ፤ ወረቐት ሂቦምኒ። ካብኡ ስእሊ ስኢሎምኒ። ድሓር ኣብ ዓባይ መኪና ጽዒኖም ወሲዶምኒ። ዳርጋ ንክልተ ሰዓት ተጓዒዝና። መጨረሻ ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣእቲዮምኒ” ይብል።
እዚ ቤት ጽሕፈት፡ መደብር ፖሊስ እዩ። ኣብኡ ቋንቋ ፈረንሳ ብእትዛረብ ሞሪካዊት ተርጓሚት ቃለ መጠይቕ ተገይርሉ።
ክልተ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ መራሒ እታ ጃልባ ንሱ ነይሮም ኢሎም ከም ዝኸሰሱዎ ኣብሪሃትሉ።
ሙሳ፡ እቲ ክሲ ንምንታይ መጺኡ ስለ ዘይተረድኦ እቶም ሰባት በዓል መን’ዮም ኢሉ ሓቲቱ፤ ንሳ ግን ተርጓሚት እምበር ጠበቓ ኣይኮንኩን ኢላቶ።
ብናግኡ ብናይ ፖሊስ መኪና ተወሲዱ።
“ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰድኩ ኣይፈለጥኩን ነይረ። መቐበሊ ማእከል እዩ መሲሉኒ ነይሩ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Kate Stanworth
ኣብኡ፡ ‘ኣነ ትሕቲ ዕድመ’የ’ ኢሉ ከረድእ ፈቲኑ’ዩ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ዕድሚኡ ንምፍላጥ ዝፍተሻ ክልተ መሳርሒ ከም ዝነበራ ይዛረብ።
ኣብቲ ግዜ ንሱ ጥራይ ከም ዘይነበረ ይዝክር።
ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን መናእሰይን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
ምስ ብዙሓት ጋምቢያውያን፣ ቱኒዝያውያን፣ ናይጄሪያውያንን ማላውያንን ከም ዝተራኸበ ገሊጹ።
'ኣብ ቀብሪ ኣቦይ ኣይተረኸብኩን'
ንትሸዓተ ኣዋርሕ፡ ናብቶም ሞይቱ’ዩ ኢሎም ዝሓሰቡ ወለዱ ቴሌፎን ክድውል ኣይክኣለን ነይሩ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ቴሌፎን ምስ ደወለ ሞት ኣቡኡ ተረዲኡ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወ፡ ኣብ ጥልያን ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ክምሃር እንከሎ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድመሉ ዝኽእል’ውን ይሓስብ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብ2017፡ ሙሳ ኣብ ቤት ፍርዲ ፓሌርሞ ቀሪቡ።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዋርድያታት መጺኦም ካብታ ዝተኣሰረላ ክፍሊ ከውጽኡዎ እንከለው ምፍትሑ ኣበሲሮምዎ።
“ናብቲ በሪ ሒዞምኒ መጺኦም፡ እቲ ማዕጾ ብድሕረይ ጠርቂሞም ዓጽዮምዎ። ክዳውንተይ ዝመልአ ፌስታል ሒዘ ደው ኢለ ነይረ” ይብል።
ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን፤ ሓደ ዋርድያ ዝኸደሉ መገዲ ክሕብሮ እንከሎ ኣብኡ ክሕግዙዎ ዝኽእሉ ኣፍሪቃውያን ክረክብ ከም ዝኽእል ነጊሩዎ።
ኣብቲ ግዜ፡ ገለ ሰኔጋላውያን ክረክብ እንከሎ ስደተኛታት ናብ ዝጸንሕሉ ማእከል ቮልፒታ ክኸይድ ሓቢሮምዎ።
ዝተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ፍረ ኣውሊዕ እናኣረየ ገንዘብ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ከይዱ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥቓ ፓሌርሞ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ሼፍ ኮይኑ እናሰርሐ ናብርኡ ይመርሕ ኣሎ።
እቲ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓጽወን። ኣብታ ሃገር ከጽንሖ ዝኽእል ሰነድ’ውን መዓልቱ ስለ ዝኣኸለ ሓድሽ ናይ ቤት ፍርዲ መዓልቲ ቖጸራ እናተጸበየ እቲ ዘባህርሮ ሽግራት ከእክል ይጽበ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







