ሮማን ኣብራሞቪች፡ ካብ ዝኽትምና ናብ ዘደንቕ በዓል ጸጋ

ሮማን ኣብራሞቪች

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ሕጂ ብማዕከናት ዜና ብቐጻሊ ዝለዓል፡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ቀረባ ንግዳዊ ምትእስሳራት ከምዘለዎ ዝጥርጠር ሓደ ካብቶም ሒደት ቢልዮነራት ዓለምና ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ዘኽቲሙ'ዩ ዓብዩ።

"ሰባት ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ብዛዕባይ ክዛረቡ እዮም ግን ኩሉ ከምዝሓልፍ ርግጸኛ'የ" ዝበለ ሩስያዊ ቢልየነር ኣብራሞቪች " መን ከምዝኾንኩ ክርስዑኒ እዮም፤ ኣነ እውን ደስ ክብለኒ እዩ። ሕጂ ግን ናይ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ተርእዮታት ኣብ ግምት ብምእታው መንነትካ ክትሓብእ ኣይከኣልን እዩ" ይብል።

ኣብራሞቪች ኣብ ወራር ዩክረይን ምስ ሚስተር ፑቲን ዝምድና ኣለዎ ስለዝተባህለ መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንከም ዋንነት ቸልሲ ዝኣመሰለ ቀዋምን ተንቀሳቓስን ሃብቱ ክምርመርን ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ከንብርን ወሲኑ።

እዚ ኩነታት ንደገፍቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ከፋፊሉዎም ይርከብ። እቲ እተወስደ ስጉምቲ ንገሊኦም ከሐጉሶም እንከሎ ንገለ ከኣ ኣጕህዩዎም ኣሎ።

ይኹን እምበር ኣብራሞቪች ቅድሚ ሕጂ እውን ብዙሕ ፈተናታት አሕሊፉ እዩ።

ካብ ዝኽትምና ናብ ሃብቲ

ሮማዊ ኣርካዴቪች ኣብራሞቪች ብ1966 ኣብታ ካብ ዶብ ዩክረይን ሒደት ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሳራቶቭ እትብሃል ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ተወሊዱ።

ኣዲኡ ኢሪና፡ ኣብ ዓመቱ ብሰንኪ ምምራዝ ደም ሞይታ። ኣቦኡ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብሰንኪ ኣብ ስራሕ ኮንስትራክሽን ብዘጋጠሞ ሓደጋ ክሬን ሞይቱ።

ድሕሪኡ፡ ኣብራሞቪች ኣብታ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሩስያ እትርከብ "ኮሚ" እተባህለት ከተማ ምስ ኣዝማዱ እዩ ዓብዩ።

ክዓቢ እንከሎ ብመጠኑ ሕጽረት ገንዘብ ነይሩዎ እቲ ቦታ እውን ኣብ ገለ ወርሓት ኣዝዩ ቆራሪ እዩ።

ሓደ እዋን ኣብራሞቪች ኣብ ሓደ ዘይንቡር ቃለ-ሐትት፡ "ብሓቂ ክዛረብ እንተኾይነ ኣብ ቝልዕነተይ ሕማቕ'የ ዓብየ ክብል ኣይክእልን'የ" ክብል ንዘጋርድያን ሓቢሩ ነይሩ።

"ኣብ ግዜ ቝልዕነትካ ንነገራት ብዙሕ ከተወዳድሮም ኣይትኽእልን ኢኻ፦ ሓደ ቖልዓ ካሮት ይበልዕ፡ እቲ ሓደ ካራሜላ ይበልዕ፡ ክልቲኡ ከኣ ጥዑም እዩ ። ቈልዓ እንተ ዄንኻ ፡ ነቲ ፍልልይ ብዙሕ ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ "ይብል።

ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ትምህርቲ ሓዲጉ ከም መካኒክ ክዓዪ ጀሚሩ። ካብኡ ኣብ ሞስኮ ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ መጻወቲ ቖልዑ ይሸይጥ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ኣብ ቀይሕ ሰራዊት ተመልሚሉ ኣገልጊሉ። ካብኡ ሽቶን መመላኽዕን ናብ ምሻጥ ሰጊሩ። መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚኻኤል ጎርባቾቭ ንሰብ ጸጋ እታ ሃገር ሃብቶም ንከስፍሑ ዝሕግዝ ፖሊሲ ምስ ኣውጸአ ከኣ ኣቭራሞቪች ነቲ ዕድል ተጠቒሙሉ።

ሮማን ኣብራሞቪች

ምንጪ ስእሊ, EAST2WEST NEWS

'በረኻ ምብራቕ "

ሕብረት ሶቭየት ምስ ፈረሰት እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበረ ናይ ማዕድን ሃብቲ ናብ ሰብ ጸጋ ይውገን ስለዝነበረ፡ ኣብራሞቪች ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሜኡ ብዙሕ ሃብቲ ደሊቡ።

ብ1995 ኣቢሉ፡ ብዘታሓትት/ዘዘራርብ ጨረታ፡ ብ250 ሚልዮን ዶላር (190 ሚልዮን ፓውንድ) ካብ መንግስቲ ሩስያ ዝገዝኦ ሲብነፍት ዝተባህለ ናይ ዕደና ነዳዲ ትካል ብ2005፡ ብ13 ቢልዮን ዶላር (9.9 ቢልዮን ፓውንድ) ተመሊሱ ናብ መንግስቲ ሸይጥዎ ።

ኣብራሞቪች ብብልሽውና እዩ ብዙሕ ሃብቲ ኣጥርዩ ንዝብል ብተደጋጋሚ ዝቐርበሉ ክሲ ጠበቓታቱ ምንም መርትዖ ከምዘየሎ እዮም ዝምጕቱ። እንተኾነ ኣብ 2012 ኣብ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ተኸሲሱ ምስ ቀረበ ምስ ትካል ሲብነፍት ውዕል ንክፍጽም ጉቦ ከምዝኸፈለ ተኣሚኑ ነይሩ ።

ኣብራሞቪች ኣብቲ ኣብ 1990 እተገብረ ብ"ውግእ ኣለሚንዩም" ዝፍለጥ ንግድ ይሳተፍ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር። ኣብቲ እዋን ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ሰፊሕ ዕድላትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዝነበሮም ሃብታማት ነቲ ሰፊሕ ኢንዱስትሪ ንምቍጽጻር ይቃለሱ ነይሮም።

ሮማን ኣብራሞቪች ምስ ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ 2011 ኣብራሞቪች ኣብቲ እዋን እንተ ወሓደ ኣብ ሳልስቲ ሓደ ሰብ ይቕተል ከምዝነበረን በዚ ከኣ ንድሕንነቱ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ክኣቱ ከምዘይደለየን ይሕብር። እንተኾነ ኣብራሞቪች ኣብቲ እዋን ዕግርግር ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቝጸር ፓውንድ ገንዘብ ብምድላብ ሃብቱ ኣደልዲሉ'ዩ።

ኣብ ርእሲኡ ንሓደ ሓደ ካብ ዝገበሮ ስምምዓት ጉቦ ከምዝኸፈለ ዘርኢ ናይ ወረቓቕቲ ኣሎ። ንሱ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝነብረሉ ኣፓራታማ ዝነበሮን ምስ ፕረዚደንት ቦሪስ የልስን ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ሶቭየት ዝካፈል ዝነበረን ሰብ እዩ።

ብ1999 ፕረዚደንት የልሲን ብፍቓዱ ስልጣን ምስ ሓደገ፡ ኣብራሞቪች ነዚ ሕጂ ከም ቀረባ ዓርኩን መሳርሕቱም ዝጥርጠር ዞ ሓላፊ ከይ.ጂ.ቢ. ነበር ቭላድሚር ፑቲን ስልጣን ንክሕዝ ካብ ዝደገፉ እሙናት ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ፕረዚደንት ፑቲን ምሉእ ብምሉኡ ስልጣን ምስ ተቖጻጸረ ንገሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዳጕኖም እቶም ንህይወቶም ዝሰግኡ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም። ኣብራሞቪች ግን ዕድሉ ጸቢቑሉ ምንም ጸገም ኣየጋጠሞን።

ብ2000 ድማ ኣመሓዳሪ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቓዊ ጫፍ ሩስያ ዝርከብ እተገለለ ዞባ ቹኮትካ ኰይኑ ተመርጸ። ብናይ ውልቂ ሃብቱ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናይቲ ህዝቢ ስለዘመሓየሾ ከኣ ኣብቲ ሃገር ዓቢ ህቡብነት ኣጥረየ። እንተኾነ ኣብ 2008 ብገዛእ ፈቓዱ ፖለቲካዊ ስልጣን ሓደገ።

ካብኡ ንደሓር ኣብቲ ቀደም ዝጀመሮን ዝፈልጦን ናይ ቢዝነስ ዓለም ኣትዩ ብዙሕ ኣባይቲ፡ መካይን ቅብኣን ምዕዳግ ቀጸለ።

እቲ ሓፋርን ስቕተኛን ምዃኑ ዝንገረሉ ኣብራሞቪች ኣብ 2003፡ ነታ ኣብ ምዕራብ ለንደን እትርከብ ዝዓበየት ክለብ ቸልሲ ብ140 ሚልዮን ፓውንድ ብምዕዳግ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ፍሉጥ ሰብ ኮነ።

ሓደ ግዜ "ኣብ ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ፕሮፌሽናል ጋንታታት ከተባብዕ እየ ዝደሊ። ኣብ ቹኮትካ (ሩስያ) ፕሮፌሽናል ጋንታታት ኣለዋኒ። ኣብዚ እውን ከምኡ ክገብር እደሊ " ክብል ንፋይናንሻል ታይምስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሮማን ኣብራሞቪች

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሃብቲ ኣብራሞቪች ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጆሴ ሞሪኖን ካልኦትን ፡ ንቸልሲ ኣብ ሓሙሽተ ናይ ፕሪመር ሊግ ጸወታት፡ ክልተ ሳዕ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግን ሓሙሽተ ዋንጫ ኤፍኤምን ንኽትረክብ ሓጊዝዋ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ገንዘብ ሃብታማት ሰብ ጸጋ ናብ ለንደን ኣዕለቕሊቑ'ዩ ። ሚስተር ኣብራሞቪች ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ከንሲንግተን ፓላስ ጋርደንስ ዝርከብ 15 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ልዕሊ 150 ፓውንድ ዘውጽእ መንበሪ ገዝኡ ብስሙ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ቸልሲ ጽቡቕ ቤት፣ ኣብ ኮሎራዶ ናይ እንስሳታት መራብሒ ራንች፣ ኣብ ፈረንሳ ሪቭየራ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቱ ዝዛነየሉ ኣባይትን ሃብትን ኣለዎ።

"ሶላሪስን ኤክለፕስን" ዝተባህላ ኣብ ዓለም ብዕብየተን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዓ ናይ ቱሪዝም መራኽብ እውን ኣለዎኦ። እዚ ሰለስተ ሳዕ እተፋትሐ ኣብራሞቪች ናይ ውልቁ ጀት እውን ይውንን እዩ ።

ኣብ 2006 ዘ ጋርድያን፡ ገንዘብ ንሓደ ሰብ እንታይ ረብሓ ይህቦ ክብል ምስ ሓተቶ፡ "ገንዘብ ገለ ናጽነት ግን ክህበካ ይኽእል እዩ፤ ሓጐስ ኽዕድገልካ ግን ኣይክእልን እዩ። " ክብል መሊሱ ነይሩ።

ንሱ ብርግጽ ብዙሕ ገንዘብ ኣለዎ። ፊናንስያዊ መራኸቢታት ብሉምበርግ ፡ንሚስተር ኣብራሞቪች ብ13.7 ቢልዮን ዶላር (10.6ቢልዮን ፓውንድ) ኣብ ዓለም ኣብ መበል 128 ደረጃ ሃብቲ ሰሪዑዎ ይርከብ። መቐናቕንቱ ዝዀነ ፎርብስ ከኣ ብ12.3 ቢልዮን ዶላር (9.4ቢልዮን ፓውንድ) መበል 142 ደረጃ ሒዙ ኣሎ ።

እቲ ናይ ሕጂ ዝዓበየ ከቢድ ሕቶ ግን ኣብራሞቪች ካብ ሚስተር ፑቲን ማዕረ ክንደይ ተፈልዩ ነጻ ኮይኑ ይነብር ኣሎ ዝብል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሃርፐርኮሊንስ ዝተባህለ አሕታሚ ትካል ናይ ፑቲን ቀረባ ሰባት ክብል ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ፡ ፑቲን ንኣብራሞቪች ንቸልሲ ክዕድጋ ከም ዝኣዘዞ ጠቒሱ ነይሩ። እንተኾነ ኣብራሞቪችን እቲ ኣሕታሚ ትካልን ንሓድሕዶም ሓበሬታታትን መብርህን ብምልውዋጥ ነቲ ጉደይ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ኣዳቒሶምዎ።

ሮማን ኣብራሞቪች ኣብ ሶላሪስ ባርሴሎና እውን ክልተ ሱፐር ማርኬት ይውንን እዩ።

ሱፕር ያች

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እንተዀነ፡ ሓይልታት ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረሩ ሚስተር ኣብራሞቪች ምስ ፑቲን ዝነበሮ ዕርክነት ኣየቋረጸን ዝብል ክሲ ክቐርበሉ ጸኒሑ ኣሎ። ንሱ ግን ርክብ ከምዘይብሉ እዩ ዝነግር።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ ንብረት ኣብራሞቪችን ካልኦት ሽዱሽተ ሃብታማትን ሩስያውያንን ምስተኣገደ፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትሩስ፡ [እቶም ሰባት] "ምስ ፑቲን ብዘለዎም ጥብቂ ርክብ ኣብቲ ወራር ከምዝተሓባበሩ እዩ ዝቑጸር። በዚ ከኣ ደም ህዝቢ ዩክረይን ኣብ ኣእዳዎም ኣሎ " ክትብል ተዛሪባ።

ሚስተር ኣብራሞቪች፡ እቲ እገዳን መቕጻዕትን ቅድሚ ክውን ምዃኑ ሸሞንተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ንክለብ ቸልሲ ከም ዝሸጣ ኣፍሊጡ ነይሩ። ገሊኦም ደገፍቲ ቸልሲ ንስም ኣብራሞቪች ካብ ምውዳስ ዓዲ ኣይወዓሉን። ይኹን እምበር ብዙሓት ፖለቲከኛታት ንብረቱ ክእገድ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንኽተሓዙ እውን እዮም ዝጽውዑ ዘለዉ ።

ኣብራሞቪች ንደገፍቲ ቸልሲ፡ "ሓደ መዓልቲ ንኹላትኩም ንክሰናበተኩም ብኣካል ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ክመጽእ ተስፋ እገብር" ኢሉ ነጊርዎም እዩ። እንተኾነ፡ ንግዝይኡ ናብ ምዕራብ ለንደን ምምላስ ዝከኣል ኣይመስልን።

እንተኾነ ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣብ ዶባት ቤላሩስ ኣብ እተገብረ ዝርርብ ሰላም፡ ሚስተር ኣብራሞቪች ምስ ዓበይቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዩክረይን ናይ ምምራዝ ምልክታት ካብ ዘጋጠሞም ሰባት ሓደ ምዃኑ ዘገርም ነገር ኮይኑ ኣሎ።