ኣብራሞቪች ኣብ ብልሽውና ተዋፊሩ ከምዝነበረ ሚስጢራዊ ሰነዳት ኣቃሊዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምርመራ ቢቢሲ፡ በዓል ጸጋ ሮማን ኣብራሞቪች ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሐ ግዕዝይና ብምፍጻም ምዃኑ ዘረጋግጹ መረዳእታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ወናኒ ክለብ ቸልሲ፡ ሩስያዊ በዓል ጸጋ፡ ኣብ 1995 ብጨረታ ኣታሊሉ ሓደ ናይ ነዳዲ ኩባንያ ምስ ገዝኣ እዩ ቢልዪነር ኮይኑ።
ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ነቲ ሲብነፍት ዝተብሃለ ኩባንያ፡ መጀመርታ ካብ መንግስቲ ሩስያ ብ250 ሚልዮን ዶላር ብጨረታ ዝገዝኦ ኾይኑ፡ ኣብ 2005 ድማ መሊሱ ነቲ መንግስቲ ንባዕሉ ብ13 ቢልዮን ዶላር ሸይጥሉ።
ናይ ሕጊ ጠበቕኡ ግና፡ ንሱ ብገበን ገንዘብ ኣኪቡ ኢልካ ንምኽሳስ ዘኽእል መሰረት የለን እዩ ዝብል።
እቲ ሩስያዊ በዓልጸጋ፡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ብዘለዎ ርክብ ብመንግስቲ እንግሊዝ ማዕቀብ ተነቢርዎ ኣሎ።
ቀዋሚ ሃብቲ ሚስተር ኣብራሞቪች ዝደስከለ ኾይኑ፡ ካብ ደሬክርነት ቼልሲ ድማ ተኣልዩ ኣሎ።
እቲ ሩስያዊ በዓል ጸጋ ኣብ ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሲብኔፍት ኩባንያ ንምርካብ ከምዚ ዓይነት ግዕዝይና ከምዝፈጸመ ኣሚኑ እዩ።
እቲ ዛንታ ከምዚ እዩ፡ ኣብ 2012 ቦሪስ ብረዘስኪ ብዝተብሃለ መሻርኽቱ ነበር ኣብ ለንደን ተኸሲሱ ነይሩ።
ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተተዓወተ'ኳ፡ እዚ ንግዳዊ ምትላል ከመይ ከምዝተፈጸመን ነቲ ዝኸሰሶ መሻርኽቱ 10 ሚልዮን ንሓደ በዓል ስልጣን ሩስያ ክኸፍሎ ከምዝሃቦን ግን ተኣሚኑ እዩ።
እዚ ናብ ሩስያ ክወጽእ ከምዝተገብረ ዝተገመተ ሰነድ፡ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ፓናሮማ ኣትዩ ኣሎ።
ገለ ሰባት፡ እቲ ሰነድ ካብ'ቲ ብሚስጢር ዝተትሓዘሉ ኤጀንሲታት ኣፈጸምቲ ሕጊ ሩስያ፡ ንመደብ ቢቢሲ ኣረኪቦምዎ።
ቢቢሲ፡ ሓቅነት እቲ ሰነድ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡ እንተኾነ ምስ ካልኦት ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ምንጭታት እንትመሰኻኸር ግና፡ እቲ ዝርዝር ልክዕ ኮይኑ ረኺብዎ።
እቲ ሰነድ፡ ኣብራሞቪች ምስ ዕድጊት ኩባንያ ሲብኔፍት ንመንግስቲ ሩስያ ብኸመይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ከምዝታለሎ እዩ ዘመልክት።
እዚ ድማ፡ ኣብ 1997 ፓርላማ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕድጊት ዘካየዶ ምርመራ'ውን ዝድገፍ እዩ።
እቲ ሰነድ፡ ሰብ ስልጣን ሩስያ ንሚስተር ኣብራሞቪች ብብልሽውና ክኸስዎ ከምዝደልዩ እዩ ዘርኢ።
ከምዚ ድማ ይብል፡ "ክፍሊ መርመራ ገበናት ቁጠባ ኣብራሞቪች ናብ ሕጊ እንተዝቐርብ ብጉጅለ ውዱብ ገበናት፡ ብምትላል ክቕጻዕ ምኸኣለ ነይሩ" ይበል።
ፓኖራማ፡ ኣብ 1990ታት እቲ መሸጣ ኣመልኪቱ ኣጻርዩ ዝነበረ ዓቃቢ ሕጊ ሩስያ ተወኪስዎ ነይሩ።
ዩሪ ስኩራቶቭ፡ ብዛዕባ እዚ ሰነድ ኣፍልጦ የብሉን፡ እንተኾነ፡ ኣብዝሓ ብዛዕባ መሸጣ ኩባንያ ሲበኔፍት ግን ብባዕሉ ኣረጋጊጹልና።
ሚስተር ስኩራቶቭ፡ "ርግጽ ኣብ እዋን መሸጣ እቲ ኩባንያ፡ ምትላላት ከምዝተፈጸመ እዩ ዝፍለጥ፤ ናብ ብሕቲ ኣብ ምስግጋር እቲ ኩባንያ ዝተሳተፉ ኣካላት፡ ሓደ ገበነኛ ጉጅለ ብምምስራት፡ ኣብራሞቪችን መሻርኽቱ ብረዞቪስን እቲ ኩባንያ ዝግበኦ ገንዝብ ከይኸፍሉ አዩ ተገይሩ" ይብል።
እቲ ሰነድ ወሲኹ ከምዝብሎ፡ ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ፕረዚደንት ሩስያ ነበር፡ ቦሪስ የለትሲን ይከላኸለሉ ነይሩ።
ሕጋዊ ሰነዳት ናብ መንግስቲ ሩስያ ክዛወር ዝተገብረ ኾይኑ፡ ሚስተር ስኩራቶቭ ጀሚርዎ ዝነበረ ምርመራ ድማ በቲ ፕረዚደንት ክቋረጽ ተገይሩ።
እቲ ሰነድ ከምዚ ይብል፡ "ስኩራቶቭ፡ ኩባንያ ሲብነፍት ናብ ውልቀ ዝተሰጋገረሉ መገዲ ብምርመራ፡ ብገበን ንምሕታት ይዳሎ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ከይዲ፡ ብፕረዚደንት የልትሲን እዩ ክቋረጽ ተገሩ። • • • ስኩራቶቭ ድማ ካብቲ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ቢሮ ክባረር ተገይሩ"።
ሚስተር ስኩራቶቭ፡ ኣብ 1999 ምስ ጾጥታዊ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር እዩ ተኣልዩ። እዚ ኮነ ተባሂሉ ንዕኡ ካብቲ ዝጀመሮ መርመራዊ ስራሕቲ ንምቁራጽ ዝተገብረ እዩ ነይሩ።
ንሱ ከምዚ ይብል፡ "ኩሉ ፖለቲካዊ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ከም ናተይ መርመራ፡ ምስ'ዚ ሲብነፍት ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ጉዳይ ሓዊስካ፡ ቦሪስ የልትሲን ቀረባ ሰብ እየ ነይረ። "።
ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ኣብ መንግስቲ ሩስያ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ 2000 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ኣብቲ ጉጅልኡ ውሽጢ እዩ ነይሩ።
እቲ ሰነድ ካልእ ምትላል'ውን ኣካቲቱ ዝሓዘ እዩ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ስላቭኔፍት ዝበሃል ኩባንያ ናብ ውልቀ ትሕዝቶ ዝተዛወረሉ ኩናታት ዝምልከት እዩ።
ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ስሌቭኔፍት ንምግዛእ ምስ ካልእ ኣካል ኣጋርነት ፈጢሩ ዝገዝኦ ኾይኑ፡ ትሑት ዋጋ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ካልእ ተወዳዳሪ ቻይናዊ ኩባንያ ናይቲ ንሱ ዘቕረቦ ዳርጋ ክልተ ዕጽፊ ዝኸውን ሒዙ ቐሪቡ።
እቲ ቻይናዊ ኩባንያ እንተዝስዕር ነይሩ፤ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ሩስያ ዝርከቡ ብዙሓት ዝኸስርሉ እዩ ክኾን ነይሩ።
እቲ ሰነድ ከምዝብሎ፡ ናብቲ ጨረታ ዝጓዓዙ ካብ ዝነበሩ ልኡኻት ቻይና፡ ሞስኮ ቅድሚ ምብጸሖም ተጨውዮም ምንባሮም የዘንቱ።
"ሲኤንፒሲ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ተወዳዳሪ ቻይና፡ ሓደ ኣባል ልኡኻቱ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ምስ ተጨውየ፡ ንባዕሉ ካብቲ ጨረታ ንዓርሱ ከገልል ተገዲዱ። እቲ ኩባንያ ካብቲ ውድድር ንዓርሱ ምስ ኣግለለ እዩ እቲ ውልቀሰብ ተለቒቑ"።
እቲ ጭውያ፡ ብኻልእ ሳልሳይ ወገን 'ውን ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ንሳቶም ብዛዕባ እዚ ሰነድ ዝፈልጥዎ ነገር የብሎምን።
ኣብ እዋን እቲ ጨረታ፡ ምክትል ሚኒስተር ኢነርጂ ሩስያ ዝነበረ፡ ቭላድሚር ሚሎቭ፡ ብዛዕባ እቲ ጭወያ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።
እንተኾነ፡ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲ፡ ሸሪክ ኣብራሞቪች ኣብቲ ጨረታ ክስዕር ወሲኖም ምንባሮም ኣብሪሁ።
"ኣነ ቻይናውያን ዝሐሸ ገንዘብ ሒዞም ይመጽኡ ኣለዉ ኢለ፤ 'እቲ ክፍሊት ኣይምልከተናን፤ ጉዳይካ ኣይኮነን ኣፍካ ሓዝ' ተባሂለ። ካብኡ ስላቭኔት ናብ ኣርባሞቪች ከይዱ። እቶም ቻይናውያን ድማ ዳርጋ ተደፊኦም ወጺኦም" ።
ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ብዛዕባ እቲ ጭውያ ዝፈልጦ ነገር ከምዘሎን፤ ኣብቲ ጭውያ ኢዱ ይሕወስ ኣይሕወስ እውን ኣይተፈልጠን።
ሕጋዊ ጠበቕኡ፡ እዚ ጭውያ መሰረት ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ከምኡ ከምዝተፈጸመ ንባዕሉ ኣይፈልጥን ኢሉ።
ርገጽ፡ ኩባንያ ስላቭኔት ንምግዛእ ዝተፈላለዩ ጉጅላታት ይቃለሱ ነይሮም፤ ንኩባንያ ቻይና ድማ ብዙሕ ተቓውሞ ነይሩ።
ተወዳደርቲ ቻይና፡ ካብቲ ጨረታ ንክወጽእ ዝኾነ ምኽንያት እንተነይሩዎ'ኳ፡ ሽርክና ሚስተር ኣብራሞቪች፡ ነቲ ኩባንያ ንምግዛእ ኣብ መወዳእታ በይኑ እዩ ተሪፉ ነይሩ።
ነቲ ኩባንያ ድማ ብትሑት ዋጋ እዩ ገዚእዎ።
ሕጋዊ ጠበቓ ኣብራሞቪች ግና፡ ኣብ ዕድጊት ስሌቭኔፍት ኮነ ሲብኔፍት ግዕዝይና ነይሩ እዩ ዝበሃል ሕሶት እዩ ዝበለ ኾይኑ፤ ፕረዚደንት ሩስያ ነበር የልስትሲን ይከላኸለሉ ነይሩ ዝበሃል ድማ ነጺግዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







