ቅልውላው ዩክረይን፡ ምልባዕ ስኑዕ ሓበሬታታት ከም መዋዘዪ

ምንጪ ስእሊ, Artem Gvozdkov
ቅልውላው ሩስያ-ዩክረይን ክልተ ቕነ መመላእታ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ማዕረኡ ሓያለ ሓሶታትን ኣጋገይቲ ሓበሬታታ ክወናጨፉ ይረኣዩን ይስምዑን ኣለው። ንእኡ ምርኩስ ዝገበሩ ዘገርሙ ትንታነታት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይሰጋገሩ ኣለው።
እዚ ኲናት፡ ላግጽን ብማዕከናት ዜና ዝተፈብረኸን ምዃኑ፤ ወይ ከኣ ብምዕራባውያን ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ዝጋነን ዘሎ ኲናት ምዃኑን ዝገልጹ ሓበሬታታት ይዝርግሑ ኣለው።
ኣብ ገሊኦም መጽናዕቲ ኣካይድና ኣለና።
ዘይቅኑዕ ምጕት ብዛዕባ "ተዋሳእቲ ቅልውላው"
ሓንቲ ጐርዞን ሓደ መንእሰይን፡ ኣብ ገጾም ናይ ሓሶት ደም ተጸይቘም እንከለው ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ተዘርጊሑ፡ ንሚልዮናት ርኣይቲ ኣስካሕኪሑ ቀንዩ።
እዚ ስእሊ፡ ውግእ ዩክረይን ላግጺ ከም ምዃኑን፡ ሲቪላውያን ሰባት ከኣ ግዳያት ምዃኖምን፡ ብርግጽ ከኣ 'ተዋሳእቲ ቅልውላው' ኰይኖም ምህላዎም [ካብ ምርኢታት ናይቲ መጥቃዕቲታት እናወሰድካ ኣብ ዝግበር ተዋስኦ ንኽዓዩ] ከም መረጋገጺ ተሓሲቡ ዝተዘርግሐ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
እንተዀነ እቲ ቪድዮ ምስቲ ኲናት ኣይተኣሳሰርን እዩ። ኣብ 2020፡ 'ኮንታሚን' ካብ ዝተባህለት ተኸታታሊ ፊልም ዩክረይን ዝተቐርጸ ስእሊ እዩ።
ሓደ ተዋሳኣይ፡ ኣብ ኣሳእል ድሕረ-ምርኢት ከም ዝርአ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2020 ዝተገብረ ትዊተር የረጋግጽ።
ተንቃሳቓሲ ሬሳ
ሓደ ሪፖርተር ዜና፡ ኣብ ቅድሚ ሓያለ ሳንጣታት ሬሳ [ወይ ሬሳ ዝመልአ ሳንጣታት] ደው ኢሉ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቕጽበት ክላባዕ ተራእዩ። ደገፍቲ ሩስያ ብዝዀና ማዕከናት ድማ ብስፍሓት ተዘርጊሑ።
ድሕሪ ገለ ደቓይቕ፡ ሓደ ካብቶም ሬሳታት ክንቀሳቐስ ይጅምር እሞ፡ ነቲ መሸፈኒኡ፡ ሳንጣኡ፡ ቀንጢጡ፡ ኣብ ቅድሚ ሰኣላይ ክቐርብ ይርአ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐርብ ዘሎ ምጕት፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ዩክረይን ከም ዝተቐርጸን፣ እቲ ኲናት ከኣ ላግጺ፡ ወይ ከኣ ብ 'ምዕራባዊ ፕሮፓጋንዳ' ዝተሰንዐ ምዃኑ ከም መረጋገጺ ይርእዮ።

ምንጪ ስእሊ, TWITTER
እንተዀነ እዚ ክትዕ ቅኑዕ ኣይኰነን። ብመሰረቱ እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ቪየና፡ ኣብ ፈለማ ለካቲት፡ ንክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ካብ ዝተኻየደ ኣድማ ዝተወስደ ምዃኑ፡ 'ኦስትሪች' ዝተባህለ ጋዜጣ ኣውስትሪያ ኣረጋጊጽዎ'ሎ። "ዓርቢ ንመጻኢ" [Friday for Future] ዝብል ቴማ ብዘልዓሉ 'ተነጣጠፍቲ ክሊማ' ዝተወደበ ኣድማ፡ ብመገዲ'ቲ ሳንጣታት ሬሳ ገይሩ ዝፈጠሮ ምርኢት፡ ሓደገኛነት ልቀት ካርቦን ኣብ ሂወት ደቂሰብ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ተመሳሳሊ ቪድዮ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኻልኦት ጕጅለታት፡ 'ተዋሳእቲ ቅልውላው' ኮቪድ፡ ብዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይፍለጥ።
ጠበናጁ ዕንጸይቲ
ክልተ ዩክሬናውያን ሰብኡት፡ ናይ ሓሶት፡ ጠበናጁ ዕንጸይቲ ዓጢቘም ዘርኢ ብ'ስክሪን ሾት' ዝተወስደ ስእሊ 'ፎክስ ኒውስ' ብብዝሒ ተዘርጊሑ ቐንዩ።
እዚ ኸኣ፡ 'ኲናት ዩክረይን ላግጺ እዩ' ዝብል ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዘሰነዮ ኰይኑ፡ እቲ ዕጥቂ'ውን ሓቀኛ ጠበናጁ ዘይምዃኑ ከም መርትዖ ንምቕራብ እዩ ዕላማኡ።

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK/FOX NEWS
ብርግጽ እቲ ስእሊ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝተወስደ እዩ።
ስተፈን ሴጋል ከም ተቓላሳይ ሩስያ
ኣሜሪካዊ-ሩስያዊ ፍሉጥ ተዋስኣይ ስተፈን ሴጋን፡ 'ንፍሉይ ሓይልታት ሩስያ ተጸቢሩ፡' ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ ይዋጋእ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ብሓደ ናይ ሓሶት ገጽ ትዊተር ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ርእስቲ'ቶም ተራ ተጠቀምቲ ትዊተር፡ ካልኦት ከም እኒ ጆ ሮጋን ዝተባህሉ ጸለውቲን ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎምን ተጠቀምቲ፡ ኣብ ኢንስታግራም ከይተረፈ ብሚሊዮናት ከም ዝዝርጋሕን ዝርአን ገይሮምዎ።
እቲ ሓቂ ግን ስተፈን ሴጋል፡ ኣብቲ ኲናት የለን። እቲ ገጽ ትዊተር ግን፡ ምስ ሓቀኛን ፍሉጥን ኣስማት ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣመሳሲልካ ዝተገብረ ምዃኑ ኣይሰሓትን።

ሲኤንኤን፡ እቲ ስእሊ ስናዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከምኡ ዓይነት ምስሩሕ ሓበሬታ ኸኣ ፈጺሙ ከም ዘይዘርግሐ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ሮጋን ከኣ ነቲ ኣብ ኢንታግራም ዝጠቅዖ ስእሊ ብኡ ንብኡ ኣልይዎ።
እቲ ወዲ 69 ዓመት ተዋስኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፎክስ ኒውስ ኣብ ሃቦ ቃል፡ ንኽልቲአን ሃገራት ከም "ሓደ ስድራ" ብምርኣይ፡ "እወታዊ ሰላማዊ ፍታሕ" ክርከብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ዲፕሎማት ሩስያ፡ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ትዊተር ይዝርግሕ
ሓደ ሩስያዊ ዲፕሎማት፡ ዝተፈብረኸ ዛንታ ሓደ ኣብ ዩክረይን ጋዜጠኛ ዝተቐትለ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሑ። "ከመይ ኣቢልካ ወረ ትስንዕ . . . ብጾት፣ ኣስተውዕሉ፡ እቲ ቀንዲ ኲናት ኣብ ዩክረይን ኣይኰነን፣ ምስ ሓሶትን ሰንዓን ቀንዲ ማዕከናት ዜና [MSM - Mainstream Media] እዩ፡" ክብል፡ ምኽትል ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ድሚትሪ ፖልያንስኪ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።
ንሱ ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ ሲኤንኤን ብዛዕባ ሞት "በርኒ ጐረስ" ኣብ ዩክረይን ኣውጺእዎ ዝነበረ ዛንታ ይወቅስ። ነዚ ኸኣ ብዛዕባ'ዚ ሰብ'ዚ [በርኒ ጐረስ]፡ ዝሓለፈ ዓመት ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተቘጻጸረሉ ከም ዝሞተ ዜና ብስም 'ሲኤንኤን' ተዘርጊሑ ንዝነበረ ዜና ኣተሓሒዙ እዩ ኣቕሪብዎ።
እንተዀነ፡ እቲ ብ'ስክሪን-ሾት' ዝቐረበ መርትዖ፡ ካብተን ብስም ሲኤንኤን ዝተኸፍታ ናይ ሓሶት ገጻት ዝተረኽበ ምዃኑ፣ እዘን ገጻት ድማ ብትዊተር ከም ዝተኣገዳን ተፈሊጡ'ሎ። ምስሊ ናይቲ ከም በርኒ ጐረስ ኰይኑ ዝቐረብ ሰብ ድማ ጆርዲ ጆርዳን ዝተባህለ ኣመና ንጡፍ 'ዩትዩበር' እዩ።

ምንጪ ስእሊ, TWITTER
ወኪል ሲኤንኤን፡ ንናይ ሮይተርስ 'ኣረጋገጽቲ-ሓቂ' ከም ዝገለጾ፡ እቲ ዝተለጠፈ ዛንታ 'ውጹእ ፈጠራ እዩ' ኢሉ።

ናይ ሓሶት ቪድዮታት
ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ ዳይረክተር እኩባት ሰባት ብፍርሒ እናወጨጩ ክሃድሙ ከም ዝረኣዩ/ከም ዝዋስኡ ገይሩ ነይሩ። እቲ ቪድዮ ካብ ዩክረይን ከም ዝዞረቐ እዩ ዝንገር ቪድዮ፡ ን ኣሽሓት ተኸታተልቲ ማሕበራዊ ሜድያ ኣሰንቢዱ። እዚ ግን እዞም ዝተፈላለየ ማዕከን ዜና ዝዝርግሑ ዘለው ዘግነብንቡ ኣሳእል፡ ፍብሩኻት ምዃኖም ዘመልክት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, YOUTUBE
ብመሰረቱ እዚ ቪድዮ፡ ኣብ በርሚንግሃም ኣደባባይ ቪክቶሪያ ብ 2013፡ "ኢንቬዥን ፕላነት አርዝ" ንዝተባህለ [ኣቐዲሙ 'ክላይዶስኮፕ ማን' ተሰምዩ ንዝነበረ] ሳይንሳዊ ፊልም ተባሂሉ ዝተቐርጸ እዩ። ዳይሬክተር ናይዚ ፊልም፡ ሳይሞን ኮክስል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ቪድዮታተይ ኣብ ከምዚ መዓላ ውዒሉ ምስ ረኣኹ ኣመና እየ ሰንቢደ፡" ክብል ገሊጹ።
'ሰበይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ኣብ ሰራዊት'
'ሰይቲ ምኽትል ፕረዚደንት' ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩስያ ንኽትቃለስ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ከም እተጸንበረት ዘርኢ ስእልታት፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሜድያ ከስጋግርዎ ቀንዮም።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
እንተዀነ ዩክረይን ምክትል ፕረዚደንት ዝበሃል የብላን።
ኣብ ትዊተር ክዀልል ዝቐነየ ካልእ መዳይ ናይዚ ዛንታ፡ እዛ ኣብ ስእሊ እትርአ ዘላ ሰበይቲ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ዩክረይን 'ኦሌና ዘለንስኪ' እያ ዝብል ግጕይ ሓበሬታ'ውን ኣሎ።
"ኣረጋገጽቲ-ሓቂ" እዚ ስእሊ፡ ናይ ሓንቲ ካብ ነሓሰ 2021 ኣብ ውትህድርና ዝተዓስከረት ዩክሬናዊት ወተሃደር ምዃኑ ኣረጋጊጾም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







