ቅልውላው ዩክሬን፡ ወጻእተኛታት ተመሃሮ ካብቲ ኲናት ንኸምልጡ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ

ካብ ኲናት ዩክሬን ዝሃደሙ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኲናት ዩክሬን ዝሃደሙ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ

ኣብ ዩክሬን ክመሃሩ ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተመሃሮ ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት ካብታ ሃገር ንምህዳም ኣብ ዝግበር ዘሎ ድፍእ፡ ንዝተፈላለየ ሽግራትን ዓሌታዊ ኣድልዎን ተቓሊዖም ከም ዘለው ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ።

ቢቢሲ ካብዞም ተመሃሮ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ፡ ማዕረ ዩክሬናውያን ኣብ ባቡር ከይስቀሉ ይኽልከሉን፡ ኣብ ዶባት'ውን ይከላበቱን ይተሓዙን ኣለው፡፡

መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ዩክሬን ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተመሃሮ፡ ብዙሕ ጸገማት ሰጊሮም ካብታ ሃገር ክወጹ'ኳ እንተኸኣሉ፡ ብዙሓት ግን ኣብኡ ተዓጽዮም ከም ዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተመሃሮ፡ ብፍላይ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ህንድን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዩክሬን ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

ብተዛማዲ ክፍሊት ትምህርቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ስለ ዝሓስር፡ ካብ ኣፍሪቃን ህንድን ሓያለ ተመሃሮ፡ ብፍላይ ዓውድታት ሕክምናን ምህንድስናን ንኸጽንዑ ናብኣተን ይመርጹ።

ካልኦት ጸብጻባት'ውን ከም ዘመልክትዎ፡ እቶም ካብ ዩክሬን ንፖላንድ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ኣፍሪቃውያን ኣብ ዶብ ፖላንድ ቡዙሕ ምክልባትን ኣድልዎን ይገጥሞም ኣሎ።

ክወጽኡ ፍቓድ ኣለዎምን የብሎምን ንምጽራይ ድማ ኣብቲ ዶብ ብዛሕሊ ይሳቐዩ ኣለው።

ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን፡ "እዚ ኣብ ዶብ ንወጻእተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ሽግር፡ ሳዕቤን ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ምዃኑ ብምእማን፡ ኵሎም ወጻእተኛታት ክወጽኡ ፍቝድ እዩ" ክብል ተዛሪቡ'ሎ።

ፕረዚደንት ናይጀሪያ መሓመዱ ቡሃሪ፡ "ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ዩክሬን፡ ናይጀርያውያን ኣብ ኣውቶቡስ ይዅን ባቡር ንኸይስቀሉ ይኽልክሉ ምህላዎም ዘሕዝኑ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው" ብምባል እዚ ጕዳይ ከም ዝተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብብዝሒ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ሓንቲ ናይጀርያዊት ኣደ ምስ ንእሽቶ ወዳ ካብቲ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት መንበር ንኽትስእን፡ ቦታኣ ንኻልእ ሰብ ክትህብን ምእንቲ ብሓይሊ ክትጋፋዕ እንከላ ዘርኢ ቪድዮ ዘጒሂ ምዃኑ ፕረዚደንት ቡሃሪ ብመገዲ ኣፈኛኡ ገሊጹ'ሎ።

መርበብ ሓበሬታ "News-24" ብወገኑ፡ ኣብ ዶብ ፖላንድ፡ ዩክሬናውያንን ኣፍሪቃውያንን ክፍለዩ፣ እቶም ኣፍሪቃውያን ከኣ ናብ ፖላንድ ንኸይኣትው ክኽልከሉ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ'ሎ።