ኵናት ዩክረይን፡ ኣብ ዩክረይን መውጽኢ ዝሰኣኑ ኣፍሪቃውያን ውርጪ (ስኖው) እናምከኹ ክሰትዩ ተገዲዶም

ኣብ ከተማ ሳሚ፡ ምግቢ ኣብ ዕዳጋ ኣይርከብን፤ ጥረ ገንዘብ ክተውጽአሎም እትኽእል ማሽናት ኣይሰርሑን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሳሚ፡ ምግቢ ኣብ ዕዳጋ ኣይርከብን፤ ጥረ ገንዘብ ክተውጽአሎም እትኽእል ማሽናት ኣይሰርሑን

ኣብታ ብሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ዘሎ ሰሜን-ምብራቓዊት ከተማ ሳሚ ብዙሓት ወጻእተኛታት ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ካብ ሞንጎ እቶም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ናይጀርያውያን፣ ጋናውያንን ሶማሊያውያንን ተምሃሮ ኣለዉ።

ምግቢ ኣብ ዕዳጋ ኣይርከብን፤ ጥረ ገንዘብ ክተውጽአሎም እትኽእል ማሽናት ኣይሰርሑን፤ ዝስተ ማይ ዝሰኣኑ እቶም ተምሃሮ ‘ስኖው’ [ውርጪ] እናምከኹ ክሰትዩ ምጅማሮም ይግለጽ።

ካብ ሞንጎ ኣብታ ከተማ ተቐርቂሮም ዘለዉ ተምሃሮ ሓደ ዝኾነ ህንዳዊ ቪፒን ያዳቭ፡ ኣስታት 1,300 ተምሃሮ መውጽኢ ስኢኖም ከምዘለዉ ተዛሪቡ’ሎ። ባንግላዲሻውያን፣ ፓኪስታናውያንን ቱርካውያንን እውን ይርከብዎም።

ያዳቭ ምስ ቢቢሲ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ዝብላዕ ነገር ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።

መንግስታት ናይጀርያን ጋናን ነቶም ካብ ኲናት ዩክረይን ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታቶም ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ይርከቡ። ፈላሞት ተጓዓዝቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገሮም ምእታዎም ይዝከር።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክሳብ ዝፈጸመትሉ እዋን ልዕሊ 1000 ጋናውያን ኣብታ ሃገር ይነብሩ ነይሮም። እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዛጊድ ክልተ ጊዜ ዜጋታታ ናይ ምምላስ በረራታት ኣካይዳ’ላ።

ናይጀርያ ብወገና ካብ ዩክሬን ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሮማኒያ፣ ፖላንድን ሃንጋሪን ዝኣተዉ 5,000 ዜጋታት ክተውጽእ ትጽቢት ይግበር።

ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ኲናት ዩክረይን

ብመሰረት ጸብጻብ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ፡ ኣብ ዩክረይን ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ክኢሎም ኣለው።

እንተዀነ እዞም ተመሃሮ ኣብ ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓሌታዊ ኣድልዎ ይገጥሞም ከም ዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ዘለው ኣሳእል ከም ዘርእይዎ'ውን፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ዶብ ንከይሰግሩ ይኽልክልዎም ከም ዘለው እዩ።

ናይጀርያዊት ተመሃሪት ኣብ ዩክረይን፡ "ጸሊም እንተዄንካ ብእግርኻ ክትከይድ እዩ ዘለካ ኢሎምና" ትብል።

ልክዕ ቍጽሪ ንምርግጋጹ ገና'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ኣማኢት ተመሃሮ ገና ኣብ ዩክረይን ከም ዘለው እዩ ዝግመት።

ሓደ ህንዳዊ ተመሃራይ፡ ኣስቤዛ ክገብር ኢሉ ምስ ወጽአ ከም እተቐትለ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓደ ተመሃራይ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ቅድሚ እዚ ኵነታት ምኽሳቱ፡ ትምህርቲ ናብ 'ኦንላይን' ክቕየረሎም ይሓቱ ከም ዝነበሩን፡ እተን ዩኒቨርሲታት ግን ከም ዝነጸጋኦም እዩ።

"እታ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ሕቶን ነቲ ኵነታትን ሸለል ኢላቶ" ሜሪ ዝተባህለት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ብዓውዲ ሕክምና ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርታ ተጽነዕ ዝነበረት ናይጀርያዊት ትገልጽ።

ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ንምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ኣቐዲሞም ንኽወጽኡ ከም ዝሓተቱን ከም ዝተነጽጉን እዩ።