ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ክንደይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣለዋ?

ፕረዚደንት ፑቲን ንሓይልታት ኑክሌር ሩስያ ኣብ "ተጠንቀቕ" ክጸንሑ ድሕሪ ምእዛዙ ኣብ ዙርያ ዓለም ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ተንተንቲ ግና ተግባራት እቲ ፕረዚደንት ካልኦት ሃገራት ኣብ ኲናት ዩክረይን ብምእታው ነቲ ኩነታት ካብ ምብእኣስ ክቑጠባ ንምጥንቃቕ ዝተገብረ እምበር ብቐጥታ ምስ ምጥቃም ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዝተኣሳሰር ከም ዘይኮነ ይገልጹ።
ሃገራት ኒኩልራዊ ኣጽዋር ካብ ዝውንና ኣስታት 80 ዓመታት ዝተቖጸረ ኮይኑ ጸጥትአን ንምውሓስ ከም ትሕጃ ክጥቀማሉ ጸኒሐን ኣለዋ።
ሩስያ ክንደይ ዝኸውን ኑክለራዊ ኣጽዋር ኣለዋ?
እቲ ብዛዕባ ኑክለራዊ ኣጽዋር ዝወሃብ ኣሃዛት ግምታዊ እኳ እንተኾነ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ፌደሬሽን ተመራመርቲ ኣሜሪካ፡ ሩስያ 5,977 ኑክሌራዊ ኣንፊ-ኲናት (እቲ ኑክሌር ክፍንጀር ዝገብር ንዋት) ኣለዋ። እንተኾነ ካብ'ዚ እቲ 1,500 ዓድ-ውዒል ዝኾነ እዩ።
ካብቲ ዝተረፈ 4,500 እቲ ዝበዝሐ ከም ባሊስቲካዊ ሚሳይል ወይ ሮኬት ዝኣመሰለ ንነዊሕ ርሕቐት ዘጥቅዕ ስትራተጂካዊ ኑክለራዊ ኣጽዋር ምዃኑ ይግመት። እዚ ከኣ እዩ ምስ ኑክሌራዊ ኲናት ዝተኣሳሰር ኣጽዋር።

እቲ ዝተረፈ ንኣሽቱ፣ ዝወሓደ ጉድኣት ዘብጽሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ዓውደ ኲናት ኮነ ኣብ ባሕሪ ንሓጺር ርሕቐት ዘገልግል እዩ።
እንተኾነ ግና ሩስያ ብኣሽሓት ዝቑጸር ድልው ዝኾነ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኑክሌራዊ ኣጽዋር የብላን ማለት ኣይኮነን።
ሩስያ ኣስታት 1,500 "ድልው" ኣንፊ-ኲናት ከምዘለዋ ክኢላታት ይግምቱ። እዚ ማለት ሚሳይል ኣብ ዝትኮሰሉ መደበራት፣ ናይ ነፈርቲ መበገስን ኣብ ባሕሪ ኣብ ሳብማሪናትን ማለት እዩ።
እዚ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር እንታይ ይመስል?
ኑክለራዊ ኣጽዋር ዝውንና ሃገራት ትሽዓተ እየን፡ ቻይና፣ ፈረንሳ፣ ህንዲ፣ እስራኤል፣ ሰሜን ኮርያ፣ ፓኪስታን፣ ሩስያ፣ ኣሜሪካን ብሪጣንያን።

ቻይና፣ ፈረንሳ፣ ሩስያ፣ ኣሜሪካን ብሪጣንያን 'ውን ካብ መንጎ እተን ንስምምዕ ዘይምርባሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር (ኤንፒቲ) ዝፈረማ 191 ሃገራት እየን።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ንዘለወን ኩምራ ኑክሌራዊ ኣንፊ-ኲናት ከጉድላን ምሉእ ብምሉእ ከጥፍእኦን እዩ ዝግብአን።
እቲ ቁጽሪ ዝተኸዘነ ኣንፊ-ኲናት ካብቲ ኣብ 1970ታትን 80ታትን ዝነበሮ ጎዲሉ እዩ።
ህንዲ፣ እስራኤልን ፓኪስታንን ንስምምዕ ኤንፒቲ ኣይከተማሉን፤ ሰሜን ኮርያ ከኣ ኣብ 2003 ካብቲ ስምምዕ ወጺኣ።
ካብተን ትሽዓተ ሃገራት እታ ክሳዕ ሕጂ ኑክሌራዊ ፕሮግራማት ከምዘለዋ ብወግዒ ዘይተኣመነት እስራኤል ጥራሕ እያ። እንተኾነ ግና ኑክሌራዊ ኣንፊ-ኲናት ከምዘለዋ ብዙሓት ዝሰማምዑሉ እዩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዩክረይን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዘለዋ ክዛረብ እኳ እንተጸንሐ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጢ የሎን።

ኑክለራዊ ኣጽዋር ክሳዕ ክንደይ'ዩ ኣዕናዊ?
ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ከቢድ ዕንወት ከምዘስዕብ ተጌሩ እዩ ተሰሪሑ።
ክብደት እቲ ዕንወት ኣብ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ዝምርኮስ ኮይኑ ገለ ካብኡ፤
- ዓቐን እቲ ኣንፊ-ኲናት
- ካብ መሬት ኣብ ክንደይ ብራኸ ይፍንጀር
- ኩነታት እቲ ከባቢ

እንተኾነ ግና እቲ ዝነኣሰ ኣንፊ-ኲናት'ውን ብዙሕ ሞትን ንነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤናትን ከኸትል ይኽእል።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ጃፓን 146,000 ሰባት ዝቐተለ ቦምባ 15 ኪሎቶን እዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ዝርከብ ኣንፊ-ኲናት ልዕሊ 1,000 ኪሎቶን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ኑክሌራዊ ምፍንጃር ዘጋጠመሉ ከባቢ ብህይወት ክተርፍ ዝኽእል ሒደት እዩ።
ደድሕሪ ከቢድ ብርሃን ዝስዕብ ዓቢይ ሃልሃልታን ነትጕን ክሳዕ ኪሎሜትራት ርሒቑ ዝርገብ ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽን ከዕንው ይኽእል።
'ኑክሌር ከም መከላኸሊ' እንታይ ማለት እዩ ውጽኢታዊ ድዩ'ኸ?
ንምውናን ብዝሒ ዘለዎ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ምኽንያት ዝቐርብ፡ ንጸላኢኻ ምሉእ ብምሉእ ምዕናው ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ዝኣሊ እዩ ዝብል'ዩ።
ዛጊት ብዙሕ ኑክሌራዊ ፈተነታት ተኻዪዱን ኣብ ዓቕሚ እቲ ኣጽዋር ቀጻሊ ምዕባለታት ይርአ እንተሎን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ድሕሪ 1945 ኣብ ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ኣይፈልጥን እዩ።
ፖሊሲ ሩስያ'ውን፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምክልኻል ጥራይ ዝውዕል ምዃኑን ኣብ ጥቕሚ ክውዕለሉ ዝኽእል ኣርባዕተ ኩነታትን ብኸምዚ ይገልጽ፤
- ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ፌደሬሽን ሩስያ ኮነ ምስኣ ኪዳን ዘለወን ሃገራት መጥቃዕቲ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ምስ ዝፍጸም
- ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ፌደሬሽን ሩስያ ኮነ ምስኣ ኪዳን ዘለወን ሃገራት መጥቃዕቲ ኑክሌር ወይ ሰፊሕ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል ኣጽዋር ምስ ዝፍጸም
- ንኑክለራዊ ዓቕሚ ሩስያ ዝደናደን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣገዳሲ መንግስታዊ ወይ ወተሃደራዊ ማእከል እታ ሃገር ምስ ዝፍጸም
- ኣብ ልዕሊ ፌደሬሽን ሩስያ ወራር ምስዝፍጸምን ህላወ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕን
እሞ ክሳዕ ክንደይ ኣስጋኢ ክኸውን ይኽእል?
ተኽእሎ ናይ ኑክሌራዊ ግጭት ትሑት እዩ።
ዋላ'ኳ ናይ ፑቲን ምፍርራሕ ነቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ድለየት ምህላው ዘይኮነ ከም መጠንቀቕታ ዝርአ እንተኾነ፡ ኩሉግዜ እቲ ካልእ ወገን ነቲ ምልክት ብጌጋ ክትርጉሞ ስለዝኽእል ሓደገኛ ኮይኑ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ይኽእል እዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ቤን ዋላስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብሪጣንያ ዛጊት ኣብ ኣቃውማ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ዝረኣየቶ ለውጢ የለን።
እዚ ብቐረባ ክትትል ክግበረሉ ምዃኑ ጸጥታዊ ምንጭታት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







