ስኔክ ኣይላንድ፡ ዩክሬይን ሞይቶም ዝተባህሉ ወተሃደራታ ብህይወት ከም ዘለው ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian Naval Forces
ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬይን እቶም ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ወራር ሩስያ ንደሴት ዝሚንዪ [ስኔክ ኣይላንድ] እናተኸላኸሉ ብሰራዊት ሩስያ ተቐቲሎም ዝተባህሉ 13 ወተሃደራት ብህይወት ኣለው ኢሉ።
ሰራዊት መርከብ ውግእ ሩስያ፡ ነዞም ሓለውቲ ዶብ፡ ኢድኩም ሃቡ ክብሉዎም እንከለው፡ "ገደል እተው" ኢሎም ዝመለሱሎም ድምጺ ዝሰምዐ ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ፡ ሓደ ወተሃደር ምስ ሞተ ዝወሃብ ክብሪ ሂቡዎም ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብቲ ግዜ ሩስያ እቶም ወተሃደራት ናይታ ደሴት ኢዶም ከም ዝሃቡ ገሊጻ ነይራ።
ብሰኑይ ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬይን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ኣሕዋትና ብህይወት ኣለው፤ ድሓን'ዮም" ኢሉ።
እቲ መግለጺ፡ እቶም ሓለውቲ ዶብን ባሕረኛታትን እታ ደሴት "ካብ ሩስያውያን ወረርቲ ዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ክልተ ግዜ ብጀግንነት መኪቶም'ዮም" ግን ድማ ጥይት ስለ ዝወድኡ እቲ ውግእ ክቕጽሉዎ ኣይክኣሉን ይብል።
ወሲኹ፡ ሩስያውያን፤ ግምቢ-ብርሃን፣ ኣንቴና፣ ንኮምዩኒኬሽን ዘገልግሉ ኣቑሑ ዝርከቡዎም "ትሕተ ቕርጺ እታ ደሴት ሙሉእ ንሙሉእ ኣዕኒዮምዎ" እዮም ኢሉ።
ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬይን፡ ሓይልታት ሩስያ ነቶም ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ንሰብኣዊ ስራሕቲ ናብታ ደሴት ዝተልኣኹን ምስኦም ዝነበሩ ክልተ ኣቕሽትን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንኣባላት መርከብ ምድሓን ሰላማውያን ሰባት ኣሲሮም ክብል ከሲሱ።
"ንመርከብ ዘይተዓጠቑን ካብ ወተሃደራዊ ልኡኽ ወጻእ ዝነበሩን ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ምውራስ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊን ኲናትን ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ኮኒኑ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብዓርቢ ኣብ ደሴት ዝሚንዪ ዝነበሩ 82 ዩክሬናውያን "ዕጥቆም ብምፍታሕ ብፍቓዶም ኢዶም ሂቦም" ኢሉ።
እንተኾነ ሰራዊት መርከብ ውግእ ሩስያ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ወይ'ውን ጉድኣት ምብጽሖም ዝምልከት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
እቶም ምሩኻት ግን "ኣብ ጎንጺ ንከይኣትው ክፍርሙ ተሓቲቶም፤ ኣብ ቀረባ ድማ ናብ ስድርኦም ክምለሱ እዮም" ኢሉ።
ደሴት ዝሚንዪ ኣብ ከባቢ ሰሜን ምዕራብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኮይና፡ ካብ ገምገም ባሕሪ ዩክሬይን 48 ኪሎ ሜትሮ፣ ካብ ምዕራብ ክሬሚያ ድማ 300 ኪሎ ሜትሮ ርሒቃ ትርከብ እያ።
እዛ ደሴት 16 ሄክታር ጥራይ እኳ እንተኾነት "ዩክሬይን ንእተቕርቦም ጠለባት ግዝኣት ባሕሪ ግን ኣገዳሲት" ከም ዝኾነት ይግለጽ።

ቅልውላው ዩክሬይን







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







