ቅልውላው ዩክረይን፡ ወራር ሩስያ ከምዝተሓሰበሉ ይኸይድ'ዶ ኣሎ?

ወተሃደር ዩክሬይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኲናት ምጅማሩ እምበር ምውድኡ ቀሊል ኣይኮነን፡፡

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ኣብ 2001፣ ኣብ ዒራቕ ድማ ኣብ 2003 ዘካየደቶም ወራራት ናይዚ መረጋገጺ እዮም።

እቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝጀመሮ ወራር እውን መፈጸምትኡ ካብዚ ዝተፈለየ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ፡፡

ወተሃደራዊ ትልሚታት ክሳብ እታ ምስ ጸላኢ እትራኸበላ ቅጽበት ጥራሕ እዮም ዝጸንሑ ዝብል ሕዱር ሓቂ ኣሎ፤ እቶም ናብ ዩክረይን ዝኣተዉ ሓይልታት ሩስያ እውን እዚ ሓቂ እዩ ኣጋጢምዎም።

'ዕዳጋ ከም ዝጸነሐካ እምበር ኣዴኻ ከም ዝለኣኸትካ ኣይኮነን' እዩ ነገሩ፡፡

ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት (ሩስያ) በዓል ሞያ ድሕነት ኣውሮጳ ዝኾነ ኢድ ኣርኖልድ፡ ፈላማይ መጥቃዕቲ ሩስያ ‘‘ብርቱዕ ዘይኮነ’’ ን ‘‘ትጽቢት ካብ ዝተገበረሉ ዝዘሓለን’’ እዩ ይብል፡፡

መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ወራር ተግባራዊ ዝግበር ሜላ ‘‘ኣዝዩ ገዚፍ ወታሃደራዊ ሓይሊ ምውፋር’’ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣርኖልድ፡ ዋላ'ኳ ሩስያ ካብ 150,000 ክሳብ 190,000 ሰራዊት ኣብ ዶብ እንተኣከበት፡ ዛጊድ ግን ኩሎም ኣይተጠቐመትሎምን ይብል፡፡

ምናልባት ኣብ ቀጻላይ ብርኪ እቲ ወራር ክትጥቀመሎም ስለ ዝደለየት ክኸውን ይኽእል፡፡ ወተሃራዊ መራሕቲ ትልሞም ክሳብ ዘስተኻኽሉ ንመሐለውታ ከቐምጡ ልሙድ እዩ፡፡

ሩስያ ኣብቲ ፈላማይ መጥቃዕቲ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ኣብ ዶብ ዝኣከበቶም ወታሃደራት ከም ዘዋፈረት እዮም ምዕራባውያን ዝገልጹ፡፡

ከበድቲ ኣጽዋራትን ነፈርትን ከምቲ ትጽቢት ዝተገበሮ ኣይተጠቐመትን፡፡

‘‘እቲ ቀንዲ ጉዳይ ካብ ዩክረይን ዘይተጸበይዎ ምክልኻል እዩ ዘጋጠሞም ዘሎ፤ እዚ ከኣ ዝተጸበዩዎ ኣይመስለንን’’ ይብል ኣርኖልድ፡፡

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ብሪጣንያ ነበር ጀነራል ሰር ሪቻርድ ባሮንስ ድማ ዛጊድ ዘሎ ኩነታት ሩስያውያን ዝሓሰብዎ ወተሃደራዊ ዕላማ ቀልጢፎም ከም ዘዐውቱ ዘመልክት ከም ዝኾነ ይገልጽ፡፡

ንሱ እቶም ናይ መጀመርታ ዕላማታት ወራር ሩስያ ‘‘ምፍራስ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን፣ ምውጋድ ማእከላይ መንግስትን ገለ ክፋል ዩክረይን ብሓይሊ ናብ ሩስያ ምሕዋስን እዮም’’ ይብል፡፡

በዚ መሰረት ገሊኦም ዕላማታት ሩስያ ለውጢ እናርኣዩ እዮም፡፡ ብደቡብ ገጽ ይግስግሱ ኣለዉ፤ ካብታ ኣብ 2014 ዝወረርዋ ግዝኣት ክሬሚያ እውን ናብ ዩከረይን ዘእቱ ናይ ምድሪ መራኽቦ ፈጢሮም ኣለዉ፡፡

ኣርኖልድ ግና እዚ ማእከላይ ዕላማ እዩ ዝብሎ፡፡

እንተኾነ ካብዚ ተበጊሶም ነቶም ብምብራቕ ዩክረይን ዝከላኸሉ ዘለዉ ሰራዊት ዩክረይን ክኸቡዎም ይኽእሉ እዮም፡፡

ገሊኦም ካብቶም ምኩራት ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ምስቶም ብሩስያ ዝሕገዙ ተነጸልቲ እናተዋግኡሉ ዝጸንሑ መስመር ነኺሶም ኣለዉ፡፡

ዛጊድ ነቶም ብወገን እተን ዝተትሓዛ ክልላት ዶኔስክን ሉሃንስክን ሰይሮም ንምእታው ዝፍትኑ ዘለዉ ወታሃደራት ሩስያ ገጥ ኢሎም ብጀግንነት ይዋግኡዎም ኣለዉ፡፡

እንተተኸቢቦም ግን ክኸብዶም እዩ፡፡

ሩስያ ናብ ርእሰ ከተማ ከይቭ እውን ወሳናይ ገስጋስ ገይራ ኣላ፡፡ ነታ ከተማ ምቁጽጻር ካልእ ዕላማ እቶም ወረርቲ እዩ፤ ማእከል መንግስትን መሪሕነት ምክልኻልን ስለ ዝኾነት፡፡

ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝተመረጸ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዕኡ ብዝእዘዝ ሰብ ክቕይሮ እዩ ዝደሊ ዝብል ግምት ኣሎ።

ሩስያ ነታ ከተማ እንድሕር ዘይተቖጻጸረት እቲ እትደልዮ ክተዐውት ከም ዘይትኽእል ኣርኖልድ ይገልጽ፡፡

እቲ ሕቶ ግን፡ እዚ ማዕረ ክንደይ ይቐልል? ዝብል እዩ፡፡

ወተሃደራት ሩስያ ነታ ከተማ ክኸብዋ ይፍትኑ ኣለዉ፡፡ እንተኾነ ናብ ውሽጢ እናኣተዉ ብዝኸዱ ቑጽሪ ከቢድ ምክልኻል ከጋጥሞም ይኽእል እዩ፡፡

ናይ ከተማ ኲናት ከኣ ነቲ ተኸላኻላይ ዝሓሸ ዕድል ይህብ፡፡ ኣብቲ ህንጻታት ከም ድፋዕ ዘገልግሉሉ ከተማ፡ እቲ ዘጥቅዕ ሓይሊ ካብ ጎደና ናብ ጎደና እናዞረ ክዋጋእ ይኸብዶ፡፡

ሰላማውያን ሰባት እውን ኣካል እቲ ምክልኻልን ግዳያት እቲ ሓደጋን ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

ናይ ከተማ ኲናት ከቢድን ነቲ ዘጥቕዕ ድማ ደማውን እዩ፤ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ሓይሊ ይሓትት፡፡

ሩባ ድኒፐር ተፈጥሮኣዊ መፈላለዪ ምብራቕን ምዕራብን ዩክረይን እዩ፡፡ ምንቅስቓስ ሰራዊት ሩስያ ንምዕጋት ምቹው ከም ዝኾነ ኣርኖልድ ይሕብር፡፡

ዋላ'ኳ ወራር ንምፍጻም 190,000 ሽሕ ሰራዊት እኹል እንተኾነ፡ ነታ ካብ ኣውሮጳ ብስፍሓታ ካልኣይቲ ዝኾነት ሃገር ንምቁጽጻር ግን እኹል እዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ እዮም ወተሃደራዊ ተንተንቲ ዝገልጹ፡፡

ኣዛዚ ሰራዊት ብሪጣንያ ኣብ ዒራቕ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል ባሮንስ ከም ዝብሎ፡ ፑቲን ብ 150 ሽሕ ወተሃደራት ንዩክረይን ክሕዝ ዝኸእል እቲ ህዝቢ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ዋላኳ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን ንሩስያ ዝምእዘዙ እንተሃለዉ፡ ሩስያ እትተኽሎ መንግስቲ ናይ 40 ሚልዮን ህዝቢ ፍቓድ ረኺቡ ክመርሕ ግን ኣጸጋሚ እዩ ይብል፡፡

ሩስያ ውዒሉ ሓዲሩ ንሰራዊት ዩክረይን ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ እኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ኲናት ግን ናብ ዘይዕጸፍ ደባይ ቃልሲ ክቕየር ከም ዝኽእል እውን ጀነራል ባሮንስ ይገልጽ፡፡

ፑቲን ንመላእ ዩክረይን ክቆጻጸር ይኽእል እየ ዝብል ትጽቢት እንተዳኣ ሃልይዎ ድማ ‘‘ዝዓበየ ግጉይ ስልሒት ክኸውን ይኽእል’’ ይብል፡፡