ቅልውላው ዩክረይን፡ ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ከመይ ክተደልድል ክኢላ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሩስያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ክተስፍሖ ተራእያ።
ድሕሪ ወራር ዩክሬይን እተን ሓደሽቲ መሓዙታ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ድጋፍ ክህብኣ ወይ ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሉ ትካላት ዘይሻራውያን ክኾና ትጽቢት ትገብር።
ካብ ሊብያ ክሳብ ማሊ፣ ሱዳን፣ ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፣ ሞዛምቢክን ካልኦትን ሩስያ ሰፊሕ ተሳትፎ ኣለዋ።
መብዛሕትኡ ወተሃደራዊ ኮይኑ ዓመጽቲ ወይ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ምውጋእ ዝሓወሰ እዩ።
ኬንያ ቐዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተዘይኮነት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝተወስደ ስጉምቲ ዝምልከት ግን ብግልጺ ተቓዊማ እያ።
ነዚ መርገጺ ኬንያ ዝድግፋ ካልኦት ሃገራት ግን ኣይተራእያን። ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ጎንጺ “ከም ዘተሓሳሰቦ” እኳ እንተገለጸ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝሃቦ ነቐፌታ ግን የለን።
ኣብ ጉጅለ ብሪክስ መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ ሩስያ ሰራዊታ ካብ ዩክሬይን ክተውጽእ ክትሓትት እንከላ እቲ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ሓቲታ።
ፕሬዝደንት ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ ፋውስቲን ኦርቻንግ ቱዋዴራ ሩስያ ንክልላት ዶኔክስን ሉሃንስክን ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ከም ዝድግፍ ተገሊጹ ነይሩ።
ብረቡዕ ድማ ኣብ ሱዳን ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ሩሲያ ምብጻሕ ገይሩ። እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘርኢ እዩ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ቅድሚ ምፍናዋ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ፈረንሳ ኣብ ማሊ ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ትገብሮ ዝነበረት ቓልሲ ከብቅዕ ምግባራ ሓደ ካብ መርኣያ ኣብነታት ምቅይያር ልፍንቲ ሃገራት ኤውሮጰ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ማሊ ቾጌል ማይጋ ምስ ፍራንስ 24 ኣብ ዝነበሮ ቃለ መጠይቕ ሃገሩ ምስ ሩስያ ወተሃደራዊ ስምምዓት ከም ዝፈረመት ተዛሪቡ።
ግን እቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባኒያ ዋግነር ግሩፕ ኢድ ከም ዘይሓወሰ ግን ተገሊጹ።
እቲ ሩስያ ንማሊ እትገብሮ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ዝሃበቶ ሓገዝ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሩስያ ቀጥታውን ቀጥታዊ ብዘይኮነ ኣገባብን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕባይ ስጉምታት ትወስድ ምህላዋ ዘርኢ እዩ።
ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዝነበራ ርክብ ካብ እተሕድሶ ንድሓር ብ2019 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሩስያ ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ 43 ፕሬዝደንታትን ዝርከቡዎም መራሕቲ ልኡኻት ልዕሊ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ፑቲን ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ምንቅስቓሳት ናጽነት ናይ ምድጋፍን ታሪኽ ንምሕላውን ከምኡ’ውን ንግድን ኢንቨስትመንትን [ወፍሪ] ንምዕባይ ቃል ኣትዩ።
ሩስያ ንብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ግልጺ ዘይኾነ ናይ ጸጥታ ሓለዋ፣ ስልጠና፣ ስለላ፣ ኣጽዋር ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ጎንጺታት ዝሳተፉ ሩስያውያን ብምስዳድ ትፍለጥ።
ፑቲን ከም ዝብሎ እቲ ታሪኻዊ ርክብ ቅድሚ ሩስያ ብዝነበረት ሶቭየት ሕብረት ዝጀመረ ስለ ዝኾነ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣመሪካን ካብ ሞንጎ ዘለው ናይ ውድድር ቦታታት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።
ብ1991 ሕብረት ሶቭየት ካብ እትፈርስ ጀሚሩ ክሳብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሩስያ ኣብ ናይ ስግግር እዋን ስለ ዝነበረት ምስ ኣፍሪቃ ዝነበራ ርክብ ቀዳምነት ዝሃበቶ ኣጀንዳ ኣይነበረን።
ሓይላ ዳግም ምስ ኣረጋገጸት ግን ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ቀዳምነት ዝሃበትሉ ጉዳይ ኮይኑ።
ብ2014 ሩሲያ ንክሬሚያ ምስ ጎበጠት ዓለምለኻዊ እገዳታት ክስዕባ እንከሎ ምስ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበራ ርክብ እውን ክበላሾ ክኢሉ።
እቲ ክገጥማ ዝኽአል ተነጽሎ ብምስጋእ ድማ ሓደሽቲ መሓዙት ክተእልሽ ጀሚራ።
ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣፍሪቃ ኣካዳሚ ሳይንስ ሩሲያ ኢሪና ኣብራሞቫ “ብምኽንያት እቶም እገዳታት ሩሲያ ናብ ወጻኢ እትልእኾ ምህርቲ ዝቕበል ዕዳጋ ክትእልሽ ነይሩዋ” ኢላ።
ሩስያ ዕዳጋ ጥራይ ኣይኮነትን እትደሊ። እቲ እናወሰኸ ዝመጽአ ዓለምለኻዊ ጽልዋ’ውን ትደልይ እያ።
ብ2014፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ንፕሬዝደንት በሽር ኣልዓሳድ ደጊፋ ክትሳተፍ እንከላ ሃገራት ምዕራብ ዝፈጥርኦ ዘለዋ ቅልውላው ንምጉላሕን ሩስያ ነዚ ከመይ ተዕርዮ ትኽእል ዝብል ንምርኣይን እዩ።
ድሕሪኡ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ መጺኣ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኩዋዙሉ-ናታል ኢሪና ፊላቶቫ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ቑልፊ ተግባር ብልክዕ እቲ ኣብ ሶርያ ዝገበሮ ጽልዋ ምዕራባውያን ምቅላል እዩ ትብል።
ንኣብነት ኣውሮጳውያን ኣብ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ክቆጻጸሩዎም ከም ዘይኽኣሉ ክተርእዮም ትደሊ ነይራ።
ነዚ ንከተዐውቶ ድማ ክልተ ፖሊሲ ተጠቒማ።
እቲ ሓደ ኣብ ገለ ሃገራት ወግዓዊ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ምሃብ ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ወግዓዊ ዘይኮኑ ከም ዋግነር ግሩፕ ዝበሉ ትካላት ኣብ ውግኣት ክሳተፉ ብምግባር እዩ።
ብ2017 ዋግነት ግሩፕ ዘዋፈሮም ቐተልቲ ዝተርኣየላ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ድማ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ እያ።
ብድሕሪኡ ጉጅለ ኣማኸርቲ ሰራዊት ሩስያ ኣትዩ። ዕላምኡ ፕሬዝደንት ቱዋዴራ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ምሕጋዝ እዩ።
እቲ ዕሱባት ብምውፋር ዝፍጸም ቕትለት እናተለመደ እኳ እንተመጽአ ሩሲያ ግን ዋላ ሓደ ዜጋኣ ብኲናት ገበንን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፍጸም መጥቃዕትን ከም ዘይሳተፍ ትገልጽ።
እቶም ብሩሲያ ዝዋፈሩ ሰባት ግን ኣብ ሊብያ፣ ሱዳን፣ ሞዛምቢክን ማልን ብዝተፈላለየ ዓቐን ክሳተፉ ጸኒሖም’ዮም።
ብኻልእ ወገን ኣፍሪቃ ዋና ዕዳጋ ኣጽዋር ሩስያ እያ።
እቲ ናብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኣቱ ኣጽዋር ፍርቁ ካብ ሩስያ ከም ዝኾነ ኣጽዋር ዝልእኽ ኤጀንሲ እታ ሃገር ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት።
ኣልጄሪያን ግብጽን ድማ ቐንዲ ዓደግቲ ኾይነን፡ ናይጄሪያ፣ ታንዛኒያንን ካሜሩንን’ውን ሓደሽቲ ዓሚል ሩስያ ኮይነን ኣለዋ።
ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ግን ኣፍሪቃ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ርብዒ ድምጺ ዘለዋ ኮይና ኣብ ካልኦት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ጠንካራ ድምጺ ክትኸውን ትኽእል እያ።
ቤት ትምህርቲ ስነ ቑጠባ ሞስኮ ዘሐተሞ ብዛዕባ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ሩስያን ዝገልጽ ጸብጻብ 2021 ቅድሚ ሕጂ ተግባራት ሩስያ ዝምልከት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሻራዊ ዓይነት ዝንባለ ኣርእየን ይብል






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







