ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እገዳ ኣንቢሮም

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን

ሃገራት ምዕራብ ሩስያ ናብ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን እገዳታት ኣንቢሮም።

በዚ መሰረት ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ብሪጣንያን ካናዳ ዘሎ ናይ ክልቲኦም ላዕለዎት መራሕቲ ሃብቲ ከይንቀሳቐስ ክእገድ እንከሎ፤ ኣሜሪካ ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢራ ኣላ።

ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ከምዚ ዓይነት እገዳ ምንባር ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን። ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሶርያን ቤላሰስን ጥራሕ እዩ።

ኣሜሪካ ብወገና ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ መራሒ ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን ፕረዚደንት ሶርያ በሸር ኣልኣሳድን እዩ።

ፕረዚደንት ፑቲንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎም ንብረት እንታይ ከምዝኾነን እቲ እገዳ ዝፈጥሮ ጽልዋን ንጹር ኣይኮነን።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ንምውጋዝ ንዘቕረቦ እማመ ሩስያ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቂማ ነጺጋቶ ኣላ።

ነቲ ወራር ንምውጋዝ ንዝቐረበ እማመ ሩስያ ውድቂ ክትገብሮ እንከላ ካብተን 15 ኣባላታ ባይቶ ጸጥታ እተን 11 ክድግፍኦ እንከለዋ፤ ህንዲ፡ ቻይናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ “ሩስያ ንሓይላ ብዘይኣገባብ ተጠቂማ ነቲ ሓያል ቃልና ውድቂ ጌራ ኣላ፤ ንቃላትና ግና ውድቂ ክትገብር ኣይትኽእልን’ያ።

“ኣብዚ ጉዳይ ፕረዚደንት ፑቲን ወራሪ እዩ፤ ማእከላይ መርገጺ ዝበሃል የሎን” ኢላ።