ቅልውላው ዩክሬይን፡ ኔቶ እንታይ እዩ? ሩስያ ስለምንታይ እያ ዘይትኣምኖ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዋናዊ ወራር ሩስያ ንዩክሬን፡ ንወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ-ኔቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ 73 ዓመት ታሪኹ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዩ።
እዚ ኣብ ምብራቓዊ ወሰናወስን ኔቶ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ንብዙሓት ኣባላት'ዚ ኪዳን፡ እቲ መጥቃዕቲ ናብኣተን ገጹ ከይልሕም ኣብ ስግኣት ሸሚምወን ኣሎ።
ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ዝሓውስ ዝኣባላቱ ኔቶ፡ ንሸነኽ ምብራቕ ኤውሮጳ ገጹ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ከንቀሳቕስ ጀሚሩ'ሎ።
እንተዀነ፡ እንግሊዝን ኣመሪካን ወተሃደራተን ብቐጥታ ናብ ዩክሬይን ክልእኻ መደብ ከም ዘይብለን ገሊጸን ኣለዋ።
ኔቶ እንታይ እዩ?
ኔቶ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝርከባአን 12 ሃገራት ኣብ 1942 ዝመስረተኦ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ እዩ።
ብመሰረት'ዚ ውዕል፡ ዝዀነት ኣባል ሃገር ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምስ ዝገጥማ ሓቢረን ክልዓላን ክቘማላን ኪዳን ኣተዋ።
ቀንዲ ዕላማ ኔቶ ድማ፡ ምስፍሕፋሕ ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ንምግታእ እዩ።
ሕብረት ሶቭየት [ሩስያ]፡ ዴሳውያን ንዝዀና ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ዝሓቘፈ፡ ብ 'ዋርሶ' ዝፍለጥ፡ ባዕላ እትመርሖ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ 1955 መስሪታ፣ ኣንጻር ኔቶ ግብረ-መልሲ ሃበት።
ኣብ 1991 ድሕሪ ዝሰዓበ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ ሓያለ ካብተን ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዋርሶ ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ኣባላት ኔቶ ኰና። ኣብዚ እዋን ከኣ፡ እዚ ኪዳን 30 ሃገራት ሓቝፉ'ሎ።

ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን ምስ ኔቶን ዩክሬይንን ዘለዋ ጕዳይ እንታይ እዩ?
ዩክሬይን፡ ሓንቲ ካብተን ንሕብረት ሶቭየት ኣቝመን ዝነበራ ሪፑብሊካት ኰይና፡ ምስ ሩስያን ሕብረት ኤውሮጳን ትዳወብ።
ዩክሬን፡ ሩስያ ዝዓሌቱን ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝዀነ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳር ዘለዎን ህዝቢ ብብዝሒ ይነብራ።
ስትራተጂያዊ ኣጠማምታ ሩስያ ንዩክሬይን ከም ሕጓኡ ዝርኢ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ 'ዩክሬን ኣካል ሩስያ እያ፡' ክብል ተሰሚዑ።
እንተዀነ ዩክሬን፡ ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዝያዳ ንምዕራብ ገጻ'ያ ከተቋምት ጸኒሓ። መጻኢ ዕላማኣ ኸኣ፡ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን ንስለ ምዃኑ፡ ኣብ ቅዋማ ተሰኒዱ'ሎ።
ኣብዚ እዋን፡ ሓንቲ ካብ "መሻርኽቲ ሃገራት" ኔቶ ዝበሃላ እያ - ዩክሬን። በዚ መሰረት፡ ዩክሬን ኣብ መጻኢ ምሉእ ኣባልነት ክፍቀደላ ከም ዝኽእል ግሁድ እዩ።
ጕዳይ ኣባልነት ዩክሬን ግብራዊ ንኸይከውን ግን፡ ሩስያ ካብ ሃገራት ምዕራብ ውሕስነት ክትሓትት ጸኒሓ እያ።
እንተዀነ ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን፡ "ዩክሬን ከም ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር፡ ንጸጥታኣ ብዛዕባ ዘገድስ ኪዳን ባዕላ ክትውስን ናጻ እያ፡" ብዝብል ምጕት፡ 'ኣባልነት ዩክሬን ኣብ ኔቶ ክድረት' ንዝቐረበ መጸዋዕታ ሩስያ ነጸጋኦ።

ምንጪ ስእሊ, Getty
ንሩስያ ዘገድሳ ካልእ ጕዳይ እንታይ ኣሎ?
ፕረዚደንት ፑቲን፡ 'ሃገራት ምዕራብ ብመገዲ እዚ ኪዳን ንሩስያ ንምቕርቃር እዩ ዕላማአን' ብምባል፡ ኔቶ ካብቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ከካይዶ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ንጥፈታቱ ክእደብ ክጽውዕ ጸኒሑ።
ፑቲን፡ ኣሜሪካ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ዝኣተወቶ፡ 'ኔቶ ንምብራቕ ገጹ ኣየስፋሕፍሕን፡' ዝብል መብጽዓኣ ትጥሕሶ'ላ ኢሉ'ኳ እንተ ተማጐተ፡ ኣመሪካ ግን ከምዚ ዝብል መብጽዓ ከም ዘይነበረ እያ ትገልጽ።
ኔቶ፡ ኪዳን ምክልኻል ሃገራት ምዃኑን፡ ውሑዳት ካብ ኣባላቱ ጥራይ ምስ ሩስያ ከም ዝዳወባን እዩ ዝገልጽ።
ኔቶ፡ ኣብ ሩስያን ዩክሬንን እንታይ'ዩ ገይሩ?
ዩክሬናውያን፡ ኣብ 2014 ብሩስያ ይድገፍ ንዝነበረ ፕረዚደንት ሃገሮም ድሕሪ ምዕላዎም፡ ከም ግብረ-መልሲ ሩስያ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል 'ታ ሃገር ናብ እትርከብ ዞባ ክረምያ ዘሚታ፡ ንክረምያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ጸንበረታ። ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዓስኪሮም ሕቶ ምንጻል ንዘልዓሉ ሓይልታት'ውን ብቕሉዕ ክትድግፍ ጀመረት።
ኔቶ፡ ኣብዚ ጕዳይ ጣልቃ'ኳ እንተዘይኣተወ፡ ወተሃደራቱ ግን ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓያለ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ከስፍር ጀመረ። እዚ ሓይሊ፡ ነቲ ኣብ ክሊ ግዝኣት ኔቶ ብሩስያ ክግበር ዝኽእል ወራር ንምቍጽጻር ዘኽእል 'መጻወድያ' ኰይኑ ብውጥን ዝዓስከረ እዩ።
እዚ ሓይሊ፡ ኣርባዕተ ስግረ-ሃገራዊ በጦሎኒታት ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ኢስቶንያ፣ ላቲቭያ፣ ሊትዌንያን ፖላንድን፣ ሓደ ብርጌድ ከኣ ኣብ ሩማንያ ዝጠቓልል እዩ።
ብዘይካኡ እዚ ሓይሊ፡ ዝዀነ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣባል ሃገራት ኔቶ ብኣየር ክግበር ዝኽእል ተጻብኦታት ንምቕልባስ ዘኽእል፡ ንክሊ ኣየር ሃገራት ባልቲክ'ው ንምሕላው ዝተዘርግሐ እዩ።
ሩስያ፡ እዚ ሓይሊ ካብቲ ዝዓስከረሉ ቦታታት ክወጽእ ከም እትደሊ'ያ ክትነግር ጸኒሓ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty
ኔቶ፡ ኣብዚ እዋናዊ ቅልውላው እንታይ'ዩ ግደኡ?
ኣሜሪካ፡ ምብራቓዊ ዶብ ኔቶ ንምጥንኻር ብዝብል፡ ተወሰኽቲ 3,000 ወተሃደራት ናብ ፖላንድን ሩማንያን ልኢኻ'ላ። ካልኦት 8,500 ወተሃደራታ'ውን ኣብ ተጠንቀቕ ኣለው። [እንተዀነ ወተሃደራታ ብቐጥታ ናብ ዩክሬን ንኽኣትው ዝዀነ ውጥን ከምዘይብላ እያ ትገልጽ።]
ብተወሳኺ፡ 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኦም፣ "ጃቨሊን" ዝተባህለ ሚሳይል ጸረ-ታንክን፡ 'ስቲንገር' ሚሳይል ጸረ-ነፈርቲን ክትልእኽ እንከላ፣ ኣባላት ኔቶ፡ ስርሓት ኣሜሪካ ዝዀኑ ኣጽዋራት ንዩክሬን ክህባ ኣፍቂዳ።
እንግሊዝ ብወገና፡ 2,000 ሓጺር-ርሕቀት ሚሳይል ጸረ-ታንክ ንዩክሬን ክትህብ እንከላ፣ 350 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ፖላንድ ልኢኻ፣ 9,000 ወተሃደራት ናብ ኢስቶንያ ብምልኣኽ ድማ፡ ኣብኡ ንዝጸንሐ ሓይላ ብዕጽፊ ኣሐይላቶ'ላ።
ብተወሳኺ፡ ነፈርቲ ኲናት፡ ሓይሊ ኣየር 'ሮያል' ናብ ደቡብ ኤውሮጳ፣ መራኽብ ኲናት፡ ሓይሊ ባሕሪ 'ሮያል' ምስ ካልኦት መራኽብ ኔቶ ምእንቲ ክሓብራ ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ ባሕሪ መዲተራንያን ኣንቀሳቒሳ'ላ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ክስዕብ ንዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ደገፍ ንምግባር ዝኽእሉ 1,000 ወተሃደራት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ኣዚዛ'ላ።
ዴንማርክ፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳን ነዘርላንድን እውን፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብን ናብ ምብራቕ ኤውሮጳን ምብራቓዊ መዲተራንያንን ኣዋፊረን ኣለዋ።
ኔቶ፡ ምድላዋቱ እንታይ እዩ?
ኔቶ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣማኢት ዝዀና ነፈርትን መራኽብን ኲናት ብ 'ተጠንቀቕ' ኣዳልዩ፣ ኣብ ዶብ ሩስያን ዩክሬንን ንዘሎ ቍጽሪ ወተሃደራቱ የዛይድ ኣሎ።
ነቶም ኣብ መላእ'ቲ ከባቢ ዘለው 40,000 ዝዀኑ ወተሃደራቱ ከንቀሳቕስ፣ ብዘይካኡ'ውን፡ ልክዕ ከም ኣብ ፖላንድን ሪፑብሊካት ባልቲክን ዘለው ተወሰኽቲ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ሩማንያ፣ ቡልጋርያ፣ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ከቕውም ተኽእሎታት ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







