ኵናት ዩክረይን፡ መዘከርታ ኵናት ኣሰናዳኢት ቢቢሲ ዩክረይን

ማርታ ሾካሎ
    • Author, ብ ማርታ ሾካሎ
    • Role, ኣሰናዳኢት ቢቢሲ ዩክረይን

እዚ ኵናት ካብ ዝጅምር ካልኣይ ሰሙን ንሕዝ ኣለና፡ ኣነ'ውን ምብኻይ ኣቋሪፀ ኣለኹ።

ለይቲ ዝነበሩ ዜናታት ብምንባብን ኣብ መላእ ዩክረይን ዘጋጠሙ ነትጕታት ብምቑፃርን እየ መዓልተይ ዝጅምሮ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ድቃሰይ ክነቅሕ እንከለኹ፡ ፀብፃባት ምስ ዝርእይ፡ ኣቦይ ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ኪቭ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ሮኬት ከምዝተፈፀሙ ፈለጥኩ። ትብዓት ረኺበ ኣቦይን በዓልቲ ገዝኡን ደሓን ምዃኖም ስልኪ ደዊለ ንምሕታት፡ 10 ደቓይቕ ወሲዱለይ። ኩሎም ደሓን ኔሮም።

ዓብይ ሩፍታ ተሰሚዑኒ።

ኣብ ኪቭ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ዕንወትን ታንክታት ሩስያን ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ክርኢ ከለኹ፡ ፀጥትኡን መሓዙትና ዝቕመጥዎ ዝነበሩ ጥንታዊ ናይ ሩስያ ገዛውትን ጦብላሕ ይብለኒ። ይዝከረኒ ምስ ደቅና ንበፅሖም ነይርና፤ ምቾት ኣብ ዝተመልኦ ወንበር ኮፍ ኢልና ብሓባር ኣብ ሓዊ ዝተጠበሰ ስጋ በሊዕናን ወይኒ ሰቲናን ኢና። ኣብዚ እዋን ካብዘን ከተማታት ገሊአን፡ ብኸቢድ ብረትን ውግእን ዓንነየን እየን።

ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ሓደ ነዕይንተይ ብንብዓት ዝሓፀቦ ነገር፡ ብዝተፈላለዩ መተግበርታት ብዛዕባ ኣብ ኪቭ ዘለዉ ፍሉያት ምድላዋት ዝተመሓለለፈ መልእኽቲ እዩ። ሙዚቃዊ ምድላዋትን ምርኢታትን ኣብታ ዕለት ንሳ ካብ ዘይህልዉ ነገራት ኔሮም። ሕስብ ከብሎ እንከለኹ፡ ኣካል ሕሉፍ ህይወት እዩ ዝመስለኒ። ሕዚ እዞም መተግበርታት ካልእ ዓይነት ሓበሬታ'ዮም ዝህቡ ዘለዉ። ብዛዕባ ደብዳብ ኣየር፣ ዝርዝር ምግቢ ዘለዎም ሱፐርማርኬታትን ኣፋውስ ዘለዎም ቤት ኣፋውስን'ዮም ዘፍልጡ።

ወላዲተይ ልዕሊ ነብሳ ዝያዳ ንድሙን ከልብን ብኸመይ ምግቢ ትረክብ ዝብል ኣሻቒልዋ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ግና ክልተ ባኒ ክትዕድግ ከምዝኸኣለት ክትነግረኒ ሕጉስ ኢላ ደዊላትለይ። ኣብታ ምግቢ መሊኡ ዝተርፈላ ዝነበረት ከታማ'ዩ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ።

እዚ ስእነት ምግቢ፡ ዝተቓፀላ ታንክታት ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘስምብድ'ዩ። ሕፅረት ምግብን ባዶ ዝተረፉ መኽዘኒታትን ሕዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት'ዩ። ኣብያተ ብልዒ ንወተሃደራትን መንበሪ ገዝኦም ንዝዓነዎም ሰባትን ብናፃ ምግቢ የዳልዋ።

ኣብ ከተማ ኪቭ ምግቢ ንምዕዳግ ዝተሰለፉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኪቭ ምግቢ ንምዕዳግ ዝተሰለፉ ሰባት

ወዲ 10 ዓመት ወደይ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከይድን፡ ብኦንላይን'ውን ትምህርቲ ኣይከታተልን። ገለ መምህራን ኣብ ኪቭ'ኳ እንተለው፡ ገሊኦም ድማ ወፅዮም'ዮም። መማህርቱ ዝነበሩ ናብ ገጠር ወይ ናብ ወፃኢ ሃገር ሃዲሞም'ዮም። ብ'ዙም' እዮም ዝፃወቱ፤ ንዩክረይን ዝቃለሱ ሰርሰርቲ ብምምሳል ይፃወቱ። ኣብ ፀወትኦም ብክፍሊ ካብ ዝመደብዎ ሓደ 'ጉዳይ ኵናት' ዝብል እዩ።

መዓልታዊ ዩክሬናውያን ኣብ ዘለውዎ ምፅናሕ ወይ ምስዳድ ዝብል ውሳነ የጓንፎም ኣሎ።

ኣብ መፈለምታ ሰሙን እዚ ኵናት፡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ሰባት፡ ስደተኛታት ንምዃን ሳንጥኦም ጠቕሊሎም ካብ ዩክረይን ተሰዲቶም እዮም። እዚ ኣሃዝ ነንሻቡ'ዩ ዝውስኽ ዘሎ። ብዙሓት ግና ንግዚኡ ኣብ ዓዶም ክጸንሑ ወሲኖም ኣለው። ስሙያት ድምፃውያን፣ ስነ-ጥበበኛታትን ስፖርተኛታትን ናብ ሰራዊት ዩክረይን ንምፅንባር ተመዝጊቦም። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዩክሬናውያን ከኣ ብጣዕሚ ንዝተፀገሙ ንምሕጋዝ፡ ወለንተኛታት ኮይኖም።

ዩክሬናውያን ሓደ ዓብይ ስድራ ዝኾኑ ይመስሉ። ሕድሕድ ኣባል፡ ብዝኽእሎ ኩሉ ንምትሕግጋዝ ይፍትን ኣሎ። እቶም ክዋግኡ ዝኽእሉ፡ ይዋግኡ፣ ምግቢ ክሰርሑ ዝኽእሉ፡ ምግቢ ይሰርሑ፣ ምብፃሕ ዝኽእሉ፡ የብፅሑ። ሓይልታት ሩስያ መጀመርታ ካብ ዝተቖፃፀርዋ ከተማ ኬርሶን ልቢ ዝሰብር ታሪኽ ሰሚዐ፤ እግርን ኣፃብዕትን ዘይብሎም ሽማግለ ሰብኣይ ወለንተኛ ኮይኖም።

ኣብዚ እዋን ነፍሲ ወከፍ ከተማን ገጠርን ብሑጻን ስሚንቶን ዝተሰርሐን መፈተሺ ነቑጣታት ኣለወን። ካብ ኪቭ ዝሃደሙ መናእሰያት ሰብሞያ፡ ሓረስቶትን ጡረተኛታትን፡ ሰነዳት ዝኣትዉ ሰባት የረጋግፁ። ኣነ ኣብ ዘለኽዎ ቁሸት ክለተ ኬላታት ፍተሻ ኣለዉ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ኣብ 24 ሰዓት እናተቐያየሩ ይሕልዉ። ብረት፡ ካራታትን ፋስን ዝሓዙ'ዮም። ብዘለዎም ነገር ኩሉ ማሕበረሰቦም ንምሕላው ድሉዋት'ዮም።

ከምዚ ዓይነት መንፈስ ሓድነት ኣብ ዩክሬናውያን ፅኑዕ ኮይኑ ኣይፈልጥን። እዛ ሃገር ናይ ኣናህብ ብዝመስል ንጥፈታት ዝተመልኣትን ተስፋ ዓወት እትህብን ኮይና'ላ።

line