ኵናት ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዩክሬናውያን ንጸላኢ ክዋግኡ ተማሕጺኑ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Volodymyr Zelensky's office

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዩክሬናውያን ኣንጻር ወተሃደራት ሩስያ ዘካይድዎ ዘለዎ ውግእ ክቕጽልዎ ጸዊዑ።

ንሱ ኣብቲ ናብ ሎሚ ለይቲ ዘውግሕ ካብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዝሃቦ መደረ ዩክሬናውያን ኣንጻር ወረርቲ ዝገጥሙሉ ግዜ ሕጂ ከምዝኾነ ጠቒሱ።

እቲ ፕረዝደንት “ናብ ደገ ወጽእኹም ነዞም ሰይጣዉንቲ ካብ ከተማታትና ክትሰጉዎም ኣለኩም” ኢሉ። ጎና ጎኒ ድማ ፕረዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክረይን ነፈርቲ ውግእ ከቐርብ ምሕጽንታ ቀሪቡ ኣሎ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ፖላንድ፡ ዩክረይን ካብ ዋርሶው ነፈርቲ ውግእ ብዛዕባ ክትረኽበሉ እትኽእል ዕድላት ይዝትዩ ከምዘለዉ ይእመን።

ፖላንድ ኣብ ግዜ ሶቭየት ዝነበራ ዓቕሚ ነፈርቲ ውግእ ቀስ ብቐስ ካብ ጥቕሚ ወጻእ እንዳኾነ ስለዝመጽአን ፓይለታት እታ ሃገር ንኣብ ኣመሪካ ዝፈረያ ነፈርቲ ውግእ ከብርሩ ዘኽእል ስልጠና ስለዘይወሰዱን፡ ፖላንድ ንዩክረይን ክትሕግዝ ድያ ዝብል ጉዳይ ኣጠራጣሪ ኮይኑ’ሎ።

ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ ዝሓዘ ኮይኑ እቲ ውግእ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ይቕጽል’ኳ እንተሎ ሓይልታት ሩስያ ንቀንዲ ከተማ ኬርሶን እዮም ተቖጻጺሮም።

ማእኸል ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ዝኾነት ዛፖሪዛህዛሃ’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣትያ።