ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ ነዳዲኣ እንተተኣጊዱ ቀረብ ጋዝ ክተቋርፅ ምዃና ኣጠንቂቓ

ሩስያ ቀረብ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሩስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ምንባር እንተድኣ ቀፂለን፡ ናብ ጀርመን ዝዝጋሕ ቀንዲ መስመር ጋዝ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሌክሳንደር ኖቫክ፡ "ናይ ሩስያ ነዳዲ ምንፃግ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣዕናዊ መዘዝ ከስዕብ'ዩ" ብምባል፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ 300 ዳላር ክዓርግ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍፃማ ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ምስ መሻርኽታ ኣብ ቀረብ ነዳዲ እገዳ ንምንባር ክትዘራረብ'ያ ፀኒሓ።

ጀርመንን ኔዘርላንድን ግና ነቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ቀረብ ነዳዲ ሩስያ እገዳ ንምንባር ተወጢኑ ዝነበረ ትልሚ ነፂገንኦ።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣስታት 40 ሚእታዊት ጋዝን 30 ሚእታዊት ነዳድን ካብ ሩስያ ከምዝርከብን፡ ቀረባት ሩስያ እንተድኣ ተኾሊፉ ነዚ ዝትክእ ከምዘየለን ይግለጽ።

ኣሌክሳንደር ኖቫክ ኣብ ሃገራዊ ተሌቬዥን ሩስያ ቀሪቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ኣብ ዕዳጋ ኣውሮጳ ንነዳዲ ሩስያ ብቕልጡፍ ክትካእ ዘይሕሰብ'ዩ" ኢሉ።

"ዓመታት ክወስድ'ዩ፤ ንኣውሮጳውያን ተጠቀምቲ ድማ ኣዝዩ ክቡር ክኸውን'ዩ። ኣብ መወዳእታ በዚ ሳዕቤን ኣዝዮም ክህሰዩ'ዮም" ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስtር፡ ነቲ ጀርመን ንምድስካል ፍቓድ መስመር ትሕቲ ባሕሪ 'ኖርድ ስትሪም 2' ንዝሃበቶ ውሳነ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ነዳዲ ዝግበር እገዳ ሕነ ምፍዳይ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ኖርድ ስትሪም 2፡ ካብ ሩስያዊት ወደብ ሰይንት ፒተርስበርግ ናብ ላብሚን ጀርመን ጋዝ ንምልኣኽ ዝተሰርሐ ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ንኣስታት 1200 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር ነዳዲ እዩ።

እቲ 10 ቢልዮን ዩሮ ወፃኢ ዝተገበረሉ ፕሮጀክት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እዩ ተዛዚሙ።

ንፍርቂ ወፃኢ እቲ ፕሮጀክት ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ገዚፍ ኩባንያ ነዳዲ ጋዝፕሮም ክሽፍኖ እንከሎ እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ከኣ ከም ሼልን ኤንጂን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ፀዓት ምዕራብ እዮም መዊሎምዎ።

እቲ መስመር ነዳዲ ዛጊድ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይረኸበ ኮይኑ፡ ሩስያ ንተነፀልቲ ዞባታት ምብራቕ ዩክረይን ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባን ሰራዊታ ምልኣኻን ስዒቡ፡ ጀርመን ፍቃድ ምሃብ ከሊኣቶ።

ኣሌክሳንደር ኖቫክ፡ "ተመሳሳሊ ውሳነ ናይ ምውሳድን ኣብ መስመር ነዳዲ ኖርድ 1 እገዳ ናይ ምንባርን መሰል ኣለና፡" ክብል ተዛሪቡ።

ሩስያ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ባህርያዊ ነዳድን ካልአይቲ ኣፍራይት ድፍድፍ ዘይትን ኮይና፡ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኢንድስትሪ ፀዓት ሩስያ ዝግበር ማዕቀብ ንቁጠብኣ ክጎድኦ ከምዝኽእል ይግለፅ።

ዩክረይን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከምዚ ዓይነት እገዳ ከፅድቓ ክትምሕፀነን'ኳ እንተፀንሐት፡ ጠንቂ ምንሃር ዋጋታት ከይኮውን ተሰጊኡ ኣሎ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ሩስያ ናብ ካልኦት ሃገራት እተቕርቦ ነዳዲ ገደብ ንምንባር ዝርርብ ከምዘካየደት ድሕሪ ምግላፃ፡ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንፈለማ ግዜ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ 139 ዶላር ክብ ኢሉ።

ኣሜሪካ ምስ መሻርኽታ በዚ እገዳ ክትቅፅል ከምትኽእልን 3% ነዳዲ ጥራሕ ካብ ሩስያ ከምትረክብን፡ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

እንተኾነ፡ ጀርመን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፀዓት ሩስያ ሰፊሕ እገዳ ምንባር ዝብል ሓሳብ ሰሪዛቶ።

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮላዝ፡ ኣውሮጳ ኣብዚ እዋን ቀረቡ ዘውሕሰሉ "ካልእ መገዲ" ስለዘየለ፡ ኣብ ልዕሊ ፀዓት ሩስያ ማዕቐባት ከይንበር "ብፍላጥ ኢና ናፃ ጌርናየኦ" ኢሉ።