ሰነተር ሊንድሰይ ግራሃም፡ ፑቲን ንክቕተል ጻውዒት ብምቕራቡ ቊጥዐ ሩስያውያን ንሂሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ሰነተር ሊንድሰይ፡ ካብ ውሽጣዊ ኣባላቱ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክቐትልዎ ጸዊዑ።
ሊንድሰይ ግርሃም "ፕረዚደንት ፑቲን ብውሽጣዊ ኣባላቱ ምስ ዝቕንጸል ጥራሕ እዩ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘብቅዕ" ክብል ገሊጹ።
እቲ ሪፓሊካን ሰነተር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ነቲ ሓይሊ ዝስመዖ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብምእላይ ነቲ ኵናት ክውድእዎ ስለዝሓተተ፡ ርእይትኡ ንኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣመሪካ እምብዛ ኣቖጢዑዎ።
እቲ ንደቡብ ካሮላይና ዝውክል ሚስተር ዶናልድ ግርሃም፡ [እንተደኣ ነቲ ስጉምቲ ወሲድካ] "ንሃገርካን ንዓለምን ዓብዪ ኣገልግሎት ኢኻ ትገብር ዘለኻ ።
"ኣብ ሩስያ ሓያል ሰብ ኣሎ'ዶ? ኣብ ሰራዊት ሩስያ ዕዉት ዝኾነ ኮሎኔል [ ንሂትለር ክቐትል ፈቲኑ ዝፈሸለ ስታፈንበርግ ዝተባህለ መኮነን] ኣሎ'ዶ ? " ይሓትት።
ብሩቱስ ንጁልዮስ ቄሳር ዝቐተለ ሮማዊ ፖለቲከኛ እዩ። ጀርመናዊ ኮሎኔል ክላውስ ቮን ስታፍበርግ ከኣ ብ1944 ንኣዶልፍ ሂትለር ክቐትሎ ዝፈተነ ኣዝዩ ፍሉጥ መኮነን እዩ።



ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣመሪካ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ፡ ንመግለጺኡ እቲ ኣብ ትዊተር ዝተጻሕፈ [ንፑቲን ቀንጽልዎ] ዝብል ጻውዒት"ዘይቅቡልን ዘቘጥዕን" ኢዩ ክብል ገሊጽዎ።
ደረጃ ጽልኢ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ራስያውያን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
"ናይ ሓንቲ ከም 'መራሒት ኮኾብ' ስነ ምግባር ክብርታት ደቂ ሰብ ምዃና እትገልጽ ሃገር ሰኔተር፡ ነቲ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታቱ ብምጥሓስ ግብረ-ሽበራ ጻውዒት ብምቕራብ ዕላማታት ዋሽንግተን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ከረጋግጽ ኣይክእልን እዩ"።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ንወራር ሩስያ ዀኒንዎ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲንን ካልኦት ፖለቲከኛታትን እውን እገዳ ኣንቢሩ እዩ።
ኣመሪካ ንሃገራት ኔቶ ክትከላኸለለን ምዃና እኳ እንተሓበረ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ከምዘይልእኽ ኣፍሊጡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ጸሓፊ ፕረስ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ] ጀን ፕሳኪ፡ ናይ ሚስተር ግራሃም ርእይቶን መርገጽን "ንመርገጽ መንግስቲ ኣመሪካ ዘርኢ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ምምሕዳር ዝስርሕ [ዝኾነ ይኹን] ፖለቲከኛ እውን ከምኡ ኣይብልን እዩ" ብምባል ኣትሪሩ ተዛሪቡ ።
ርእይቶ ኣባል ባይቶ ግራሃም፡ ንኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ እውን ኣቖጢዑዎ እዩ።
"ሓቂ እዩ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ጥዑይ ኣእምሮ ኣለኒ ዝብል እውን ኵሉ ስጡም ኣተሓሳስባ የብሉን" ብምባል ሩስያውያን ኣብ ሃገራዊ ሓድነቶም ክጸንዑ ጸዊዑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







