ዓለም ኣቓልቦኡ ናብ ዩክረይንን ሩስያን ኣብ ዘበለሉ፡ ኣብ ትግራይ ሚልዮናት ከይሃልቁ ተሰጊኡ

ጥሜት ዘጥቀዖም ሰባት

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

እቲ ሻብዓይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኣቓልቦ ዓለም ጠቕሊሉ ኣብ ዝወሰደሉ እዋን ኣብ ትግራይ ሚልዮናት ህይወቶም ከይስእኑ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኲናት ዩክረይን፡ ንመብዛሕትአን ሃገረት ምዕራብ ዝተናኽፍ ብምዃኑ፡ ምናልባሽ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝሓወሰ ዓለማዊ ቅልውላው ከይኸውን'ውን ስግኣት ስለዘሎ፡ ኣዝዩ መዘራረቢ ህዝቢ ዓለም ኮይኑ ይርከብ።

በዚ ከኣ ኣብዚ እዋን ብሰብኣዊ ቅልውላው፣ ጥሜትን ኲናት ሕድሕድን ዝሕመሳ ዘለዋ ከም ሃገራት የመን፣ ኢትዮጵያን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተረሰዓ ይመስላ።

ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ

ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ለቒቖም ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ መጠናዊ ምዝሕሓል ኣርእዩ ነይሩ።

እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዘቑጸረ ደማዊ ኲናት፡ "ሰላማዊ ፍታሕ ደኾን ይረክብ'ሞ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ክግታእ መገዲ ክጸርግ ይኸውን?" ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ናብ መቐለ ዝበጽሐ ሓገዝ መድሓኒት ድማ ነቲ ተስፋ ኣሐይልዎ ነይሩ።

እንተኾነ ኣብዚ ቕነ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ኣዝዮም ዘሻቕሉን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅመር ንነዘ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ብርኪ ዝበጽሐ ምዃኑ ዝሕብሩ እዮም።

ቴለቪዥን ትግራይ ንሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ጠቒሱ ኣብ ዘቃለሖ ዜና፡ "ኣብ ቀረባ ረድኤት ናብቲ ከባቢ እንድሕር ዘይኣተወ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ህይወቱ ክስእን ይኽእል እዩ" ዝብል መጠንቀቕታ ይርከቦ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዕጽዋን ከበባን ፈኸም እናበለ ዝመጽአ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ክበጽሕን ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ብጥሜት ክሃለቕን ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ።

ብፍላይ ድማ ሃለዋት ናይ'ቶም ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዝርከቡ ግዝኣታት ምዕራብ ትግራይን ወረዳ ኢሮብን፡ ዝርከብ ህዝቢ ንምፍላጥ'ውን ከምዘይተኽኣለ እቲ ቢሮ ስግኣቱ ወሲኹ ገሊጹ።

ካልኦትከ እንታይ ኢሎም?

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተበጽሐ፡ ብኣየር ሓዊሱ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ረድኤት ንክበጽሕ ዝብል ስምምዕ ከምዝነበረ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣፍሊጡ ነይሩ። መንግስቲ ፌዴራል ግን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ስምምዕ ዝበሎ የለን።

እዚ ተስፋ ተገይርሉ ነይሩ ዝበሎ ስምምዕ፡ ኣብታ ከም ብሕታዊት መሕለፊ መገዲ ኮይና ክተገልግል ዝጸንሐት 'ኣዲስ ኣባባ-ኣብዓለ-መቐለ' ኣብ ክልል ዓፋር ዕንቅፋት ይገጥሞ ከምዘሎ ኣቶ ጌታቸው ይዛረብ።

ትግራይ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ እትዳበወሉ ወረዳታት ከም ብሓድሽ ጎንጺ ዝተወለዐ ኾይኑ፡ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ዓፋርን ረድኤት ከይሓለፍ ምኽንያት ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ ከምዝኾኑ እዮም ዝገልጹ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ወተሃደራት ኤርትራ'ውን ዝተሓወስዎ ዝተፈነዎም መጥቃዕቲ ንምፍሻል ምላሽ ከምዝሃቡ ዝገልጹ ኾይኖም፤ ገለ ወረዳታት ዓፋር ተቖጻጺሮም ምንባሮም ኣሚኖም እዮም። እዚ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተብሃለ የለን።

ቢሮ ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ብሰኑይ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝገጥም ዘሎ ዕንቅፋት ኮነ ተባሂሉ ብመንግስቲ ፌዴራል ብኢድ ኣዙር ከምዝኾነ ይኸስስ። ንሓይልታት ትግራይ ዝኸስስ መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ ዛጊድ ነዚ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣቶ ጌታቸው፡ መንግስቲ ትግራይ "ዓቕሉ ተጸንቂቑ ናብ ካልእ ኣማራጺ ቅድሚ ምእታው"፡ ዘይተደረተ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ማሕበረሰብ ዓለም ጽዕንቶ ክፈጥር ጻውዒት ገይሩ ኣሎ።

ትካል ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ]፡ በቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ጎንጺ ስዒቡ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም፡ ረድኤት ክበጽሐሉ ኣብ ዘይኽእል ከባብታት ኣዕቒቦም ከምዝርቡ ትማሊ ኣብ መዓልታዊ መብርሂኡ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 6.8 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ረድኤት ረኺቡ ከመዝሎ ኣፍሊጡ ኣሎ፤ እንተኾነ ምስ ትግራይ ኣብ ዝዳወቡ ገለ ከባብታት ምብጻሕ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ። እቲ 47 ሜትሪክ ቶን መጠን ዘለዎ መድሓኒት ናብ ከተማ መቐለ እንተኣተወ'ኳ፡ ናብ ወረዳታት ትግራይ ንምብጻሕ ዘኽእል ነዳዲ ከምዘየሎን፡ ኣብዝሐ ንጥፈታት ኤጀንሲታት ረድኤት ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ፣ ገንዘብን ነዳድን ጠጠው ኢሉ ከምዝርከብን ኦቻ ኣብቲ ናይ ትማሊ መብርሂኡ ኣፍሊጡ።

'በዚ ኲናት ኣዝዩ ዝተጎድአ ክልል ትግራይ እዩ'

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣባላት ተወከለቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ምላሽ እንትህብ፡ "በዚ ውግእ ኣዝዩ ዝተጎድአ ክልል ትግራይ እዩ፤ ብዛዕብኡ'ውን ክንሓትት ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ቀዳማይ ሚነስተር ኣብዪ፡ ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ኣሎ ተባሂሉ ዝቐርብ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮነ ጥሜት 'ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ' ብዝብል ከይተቐበሎ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ንትግራይ ቴሌቪዝን ከምዝበሎ፡ እቲ ናብ መቐለ ዝተጀመረ ሓገዝ መድሃኒት ኣመስጊኑ፡ እንተኾነ 'ንእሽቶ ሂብካ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንምትላል ዝዓለመ እዩ' ክብል ወቒሱ ኣሎ።

ካብ ፍርቂ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ናብቲ ክልል ረድኤት ኣይሓለፈን ዘሎ። ውድብ ምግቢ ዓለም ከምዝብሎ፡ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጻዓና መካይን ክኣትዋ ነይሩዎን። እንተኾነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ተነቢሩ ኣሎ ዝብሎ ዘይተኣወጀ 'ዕጽዋ' ምኽንያት፡ ዛጊድ ትሕቲ 10 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ ክሓልፍ ክኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ሒዞምዎ ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምስሓቦም፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ መጥቃዕቲ ፈጺሙለይ ብዝብል ክካሰሱ ተሰሚዖም እዮም፡፡

እቲ ንኣስታት 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ርኡይ ተስፋ ከምዝተረኸቦኳ ይግለጽ እንተነበረ፡ ኣብ ባይታ ግን ዛጊድ ጎንጽን ደብዳባት ነፈርትን ደው ኣይበለን፡፡

ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2022፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብን ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሑ ሓካይምን ተሓጋገዝቲ ሓካይምን (ነርሳት) ከይተረፉ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ንምርካብ ክልምኑ ከምዝጀመሩ ሓደ ካብኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቶም ሓካይም ን8 ኣዋርሕ ደሞዞም ከም ዘይተኸፍሉ ብምጽንሖም፡ ስድራቤቶም ንምድጋፍ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ከም ዝተገደዱ እቲ ሓኪም ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ ኣብ ትግራይ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት "ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት ይሳቐዩ ኣለዉ"።

ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ብድምር ልዕሊ 9 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ከም ዝተቐትሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብወተሃደራት ከምዝተዓመጻን ድማ ጸብጻበት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

ብፍላይ ክልል ትግራይ ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ዕጽዋ ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ በጺሑ ይርከብ።

ኣብታ ክልል ኣገልግሎት ባንክ'ውን ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ከይተረፉ ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ኩነታት'ዮም ወዲቖም።