ሰብኣዊ ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓካይም ከይተረፉ መግቢ ክልምኑ ጀሚሮም ኣለዉ ተባሂሉ

ረዲኤት ዝወስዳ ኣንስቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብን ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሑ ሓካይምን ተሓጋገዝቲ ሓካይምን (ነርሳት)፡ ዝበልዕዎ መግቢ ንምርካብ ክልምኑ ከምዝጀመሩ ሓደ ካብኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ሓካይም ን8 ኣዋርሕ ደሞዞም ከም ዘይተኸፍሉ ብምጽንሖም፡ ስድራቤቶም ንምድጋፍ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ከም ዝተገደዱ እቲ ሓኪም ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት "ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት ይሳቐዩ ኣለዉ"።

ብመሰረት'ቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ((WFP) ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣብቲ ክልል ፍርቂ ነፍሰ-ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን እኹል መግቢ ብዘይምርካበን ይሳቐያ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።

በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን 9 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ግጭት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

ብፍላይ ክልል ትግራይ ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብታ ክልል ኣገልግሎት ባንክ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ሰባት ዘለዎም ገንዘብ ከይተረፈ ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ኩነታት'ዮም ወዲቖም።

ሓካይምን ነርሳትን'ውን ኣካል ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኮይኖም ይርከቡ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ሓኪም ካብ መቐለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መሳርሕቱ ዝኾኑ ሓካይምን ነርሳትን ናይ ሓገዝ መግቢ ንምርካብ ተሰሪዖም ምርኣይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ልሙድ ኮይኑ'ሎ ኢሉ።

ስኣን መግቢ ዝሞተ ህጻን

ሓካይም ናይቲ ሆስፒታል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ደሞዝ ኣይተዋህቦምን።

"ዝበዝሑ መዓልታዊ ዝምገብዎ ኣጉዲለሞ ኣለዉ። ዋጋታት ስለዝዓረገ ነዳዲ፡ ኣሕምልቲን እኽልን ክትሽምት ዘይሕሰብ'ዩ። ገሊኦም [ሓካይምን ነርሳትን] መግቢ ክልምኑ ጀሚሮም ኣለዉ" ይብል እቲ ዶክተር።

ስእነት ቀረብ ሕክምና ኣብቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ዘስዓቦ ጽልዋ ኣመልኪቱ'ውን ተዛሪቡ። ብሰንኪ ስእነት መጀነኒ ('ጎዝ')፡ ካብ ህዝቢ ዝተረኽበ ቅዳድ ጋቢ ክጥቀሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኩነታቱ ጸብጻብ ዝተሰርሓሉ ህጻን ሱራፌል መዓርግ፡ ካብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውጽኡ ከም ዝሞተ እቲ ሓኪም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ህጻን፡ ክብደት ወሲኹ ተማሓይሹ ተባሂሉ ናብ ገዝኡ'ኳ እንተ ተፋነወ፡ ብሰንኪ ስእነት መግቢ ብ13 ጥሪ 2022 ከም ዝሞተ ጠቒሱ።

ኣብታ ክልል ኩሉ መስመራት ርክብ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ቢቢሲ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ መቐለ በረራታት ብምጅማር፡ ቀረባት ሕክምናን መግብን ከብጽሕ ምኽኣሉ ነቲ ቅልውላዉ ኣብ ምቅላል ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ'ሎ።

እቲ በረራታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስከረም ጀሚሩ ንፈለማ እዋን'ዩ ተኻይዱ ዘሎ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ፡ መግቢ ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ሕቡራት ሃገራት ናብታ ክልል ከም ዘይኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዕጋስ፡ ብውሕዱ 337 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ'ሎ።

ኣንጻር ሰራዊት ፈደራል ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ቅልውላዉ ክሰፍሕ ተገዲዱ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ጎረባብቲ ክልላት ከምዝወጹ ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ፈደራል'ውን ናብ ክልል ትግራይ ከምዘይኣቱ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን ኣብ መዋስንቲ እተን ክልላት ሓሓሊፉ ግጭት ክረአ ከምዝጸንሐ ጸብጻባት ይገልጹ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት'ውን ሓይልታት ህወሓት ምስ ትግራይ ዝዋስኑ ሰለስተ ወረዳታት ክልል ዓፋር ምቁጽጻሮም ሰብመዚ እቲ ክልል ቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ካብ ሓይልታት ዓፋር ክመጾም ንዝጸንሐ መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖም ብምግላጽ ብሰኑይ 'ተሪር ወተሃደራዊ ስጉምቲ' ምውሳዶም ተኣሚኖም።

ነቲ ኲናት ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ'ኳ እንተ ዘይተረኽቦ፡ ናይ ተስፋ ጭላንጭል ክረአ ጀሚሩ'ሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ምፍትሑን፡ ን6 ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተባህለ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምልዓሉን ተስፋ ሂቡ'ሎ።

መንግስቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ክዛተ ከምዝደሊ ዝገልጹ ጸብጻባት ምውጽኦም'ውን ነቲ ተስፋ ኣዳሚቕዎ ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ውጽኢታዊ ዘተ ምክያዱ ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ ሓቢሩ'ሎ።