ቅልውላው ትግራይ፡ ብሕጽረት ቐረባት መድሓኒት ዝለምስ ዘሎ ዓይደር ሆስፒታል

ብሰንኪ ሕጽረት ኣፋውስ ኣገልግሎት ደው ዝበለሉ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, SM

ዶክተር ፍረወይኒ ተስፋይ፡ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ኮይና፡ ህይወታን ሞያዊ ባህጋን 'ቅድሚ ኲናት ዶስ ድሕሪ ኲናት?' ናብ ዝብል ተቐይሩዋ ኣሎ።

ዶክተር ፍረወይኒ፡ ኣደ ቖልዑን በዓልቲ ሓዳርን ስለ ዝኾነት "እዚ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ወትሩ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰንየ ደስ ኢሉኒ ናብ ስራሕ ይወፍር ነይረ" ክትብል ትዝክሮ።

ከም ሓንቲ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ኣዴታት ድማ፡ ኣብቲ እተገልግለሉ ሆስፒታል ዝሓሸ ሕክምና መጥባሕቲ ንምሃብ፡ ኣብ ቐጻሊ ድማ ኣዴታትን ናይ ምውላድ ጸገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ፍሉይ ማእኸል ንክኽፈት ጻዕሪ ትገብር ነይራ።

ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዝቐጸለ ኲናትን ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋን ግን፡ ዶክተር ፍረወይኒ ሓንቲ ካብቶም ሰአን ቀረባት መድሃኒት ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ዝጽገሙ ዘለው ክኢላታት ጥዕና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኮይና ዝበዝሕ ግዝኣ ምስ ተሓከምታ ብሓዘን ተሕልፎ ኣላ።

"ሕዚ፡ ካብ ገዛ ክወጽእ ከለኹ ንርእሰይ ወጺአ ከም ዝምለስ ይጠራጠር፣ ደቀይ'ውን ኣብ ገዛ [ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን] 'ብሰላም'ዶ ይጸንሑ?' ኢለ ይሰግእ። ናብቲ ዋላ'ውን ኣገዳሲ ዝብሃል ኣገልግሎት [Essential care] ክንህበሉ ዘይንኽእል ናይ ስራሕ ቦታ ድማ መዓልታዊ ብዙሓት ሕማቕ ነገራት ዝርእየሉ ክኸውን ከም ዝኽእል እናሓሰብኹ'የ ዝኸይድ" ብምባል ተዘንቱ።

ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሕታዊ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ዝዓበየ ሆስፒታል እቲ ክልል እኳ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሕጽረት መድሃኒት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ሓካይም ይገልጹ።

ኣብቲ ክልል ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከም ዘለዉ ዝገልጹ እቶም ሓካይም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘሎ ዕጽዋ ኣፋውስን ናውታት ሕክምናን ክበፅሖም ከም ዘይከኣለ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ነቲ ኣብ ትግራይ ቀረባት መድሃኒት ሓዊሱ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘጋጥም ዘሎ ምትዕንቓፍ ዝምልከት ንሓድሕዶም ክነቓቐፉ'ዮም ዝስምዑ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትካሉ ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከም ዘይተውሃቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ኮሚዩኒኬሽን ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ" ኢሉ።

'ዝተሓጽበ ጓንት'

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብ ትግራይ ንሓደ ግዜ ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ከም ጓንትን ንመጥባሕቲ ዘገልግሉ ጨርቅን ሓጺብካ ደጊምካ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደገኛ እዩ" ምባሉ ይዝከር።

ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶክተር ፍረወይኒ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ናብ ስራሕ ክትኣቱ እንከላ ኣቐዲሙ ኣገልግሎት ሂቡ ዝነበረ ሓኪም ዝጥቀምሉ ጓንት ዳግም ኣብ ረብሓ ንምውዓል ከም ጻዕዳ ነጸላ ተሓጺቡ ኣብ ገመድ ተሰጢሑ'ዩ ዝጸንሓ።

ኣብ ሆስፒታል መቐለ ተሓጺቡ ዝተሰጥሐ ጓንት

ምንጪ ስእሊ, Mulugeta Abreha

ካብዚ ሓሊፉ እቶም ሰብ ሞያ ብፍላይ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዝጥቀምሉ ናይ ጡጥ ጨርቂ ስለ ዝተወድአ ካብ ነበርቲ ጋብን ነጸላን ይእክቡ ምህላዎም ትዛረብ።

በዚ ምኽንያት ጨርቂ የለን እናተባህለ መጥባሕቲ ከም ዝስረዝን ሰብ ብቐሊል ነገር ህይወቱ ይሓልፍ ምህላውን እታ በዓልቲ ሞያ ትገልጽ።

"ኣብዚ ግዜ መጥባሕቲ ዘድልያ ኣደ ቀደም ብ60 ብር ትግዛእ ዝነበረት ግሉኮዝ ስለ ዘየላ፡ እናደመየት ጽንሒ ትብሃል። መደንዘዚ ኣይርከብን፣ ጓንት ኮነ ጡጥ የለን። ጓንት ተሓጺቡ'ዩ ዝስጣሕ፤ ናይ ጡጥ ጨርቂ ስኢንና። ተሓጺቡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ንክንጥቀመሉ ጋቢ ገዛ ንገዛ'ዩ ዝዋጻእ ዘሎ፤ ኣዴታት ነጸልአን ይህባ ኣለዋ . . . ኣዝዩ የሕምም" ትብል።

ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ፡ ቑጽሪ መዓልቶም ከይኣኸለ ዝውለዱ ከም ዝወሰኸ፣ ትሕቲ ዓቐን ዝኾኑን ተፈጥሮኣዊ ጸገም ዘለዎምን ዕሸላት ይውለዱ ከም ዘለውን ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣዲኦም እንከለው ዝሞቱ ምህላዎምን እታ ክኢላ ተረድእ።

ኣብቲ ክልል ዝተማልአ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ብዘይምህላው ድማ እቶም መዓልቶም ከይኣኸለ ዝተወልዱ ህጻናት ሙቐትን ኦክስጅንን ንክረኽቡ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞም ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓካይም እቲ ሆስፒታል ገሊጾም።

ብቐንዱ ኣብቲ ኲናት መብዛሕትአን ታሕተዎት ትካላት ጥዕና ብምዕናወን ቑጽሪ እቲ ሪፈራል ሆስፒታል ዘተኣናግዶም ሕሙማት ከም ዝበዝሐ ዝጠቅስ ዶክተር መሓመድ ሙስጦፋ፡ ህጻናት ዚያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖም ሓቢሩ።

ምስቲ ዘሎ ኩነታት ብርክት ዝበሉ ህጻናት ክወስዱዎ ዝግባእ ክታበት ንልዕሊ ዓመት ብዘይምውሳዶም ቐልጢፎም ብቐለልቲ ሕማማት ክልከፉ ዝርኣይ ኮይኑ፡ ሕጽረት መግቢ እቲ ዝዓበየ ጸገም ምዃኑ ይጠቅስ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኸቢድ ዝተሓላለኸ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ኣስታት 170 ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ከም ዝተገብረሎም ብምሕባር እቲ ጸገም ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ] ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ግቡእ ኣመጋግባ ህይወቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ'ዩ።

ብተወሳኺ 47 ሚኢታዊት ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዓ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ጸገማት ከጋጥመን፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ሞት ኣዴታት ከምኡ'ውን ትሕቲ ዓቐን ዝኾኑ ህጻናት ምውላድ ከጋጥም ከም ዝኽእል ጠቒሱ።

ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ትግራይ ሓደጋ ሞት ከምዝርከቡ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, UNICEF FB

ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከም ዝግደድ ከጠንቅቕ እንከሎ ብሰንኪ እቲ ወግእ ኣገዳሲ ረዲኤትን መሳርሒ ሕክምናን ናብቲ ከባቢታት ከሕልፍ ከም ዘይክኣለ ሓቢሩ ነይሩ።

"መግቢ፣ ነዳዲ፣ ገንዘብ የለን . . . ተኸዚኑ ዝጸንሐ ብሕጽረት መግቢ ንዝሳቐዩ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዝተደረዐ መግቢ'ውን ተወዲኡ'ዩ። እቲ ዝተረፈ እኽሊ፣ ጥረምረን ዘይትን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዕደል'ዩ" ክብል እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ክሊ እዚ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ብቐሊሉ ክድሕኑ ዝኽእሉ ሕማማት ሞትን ጉድኣትን የስዕቡ ኣለው ዝብል ዶክተር መሓመድ፡ "ኣብ ኢድና ዘሎ ቐረብ ተወዲኡ ሕዚ ብፍርሒ ተዋሒጥና፤ ኣማራጺ ብምስኣን ግዝኡ ዝሓለፎ መድሃኒት ንህብ ኣለና። ንሓኪም፡ ብቐሊሉ ክግነዩ ዝኽእሉ መድሃኒት ብዘይምርካቦም ዝጉድኡ ህጻናትን ኣዴታትን ምርኣይ ከቢድ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ስልኪ፣ መጓዓዝያ፣ ባንክን ካልእን ተቛሪጾም ብምህላዮም፡ እቶም ሓካይም መሰረታዊ ቐረባት ምርካብ ዝከኣለሉ ዕድላት ክመቻቾን ስሩዕ ሕክምናዊ ናብዮት ምሃብ ዘኽእሎም ቐረባት ክረኽቡን ተማሕጺኖም።

ትማሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ተስፋ ከም ዝረኸበ ብምግላጽ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንሰላም ዕድል ዝህብ ግብራዊ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ ክብል ከም ዝገለጸሉ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ድማ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ጸዊዑ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ጎንጺ ክረአ ጸኒሑ'ሎ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቐተለን ብሰንኩ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከም ዝተቛረጸን ትካላት ረዲኤት ገሊጸን ነይረን።

ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሕድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ዝጭበጥ ፍረ ኣየፍረየን።