ኣብ ትግራይ ሰባት ብሰንኪ ስእነት መድሃኒት ይሞቱ ከምዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነቲ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ጀኔቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ከበባ ምህላው ተዛሪቡ።
“መድሃኒት የሎን - ሰባት ይሞቱ ኣለው፤ መግቢ የለን - ሰባት ብዓጸቦ ተጠቒዖም ኣለው” ኢሉ።
መስመራት ቴለፎን’ውን ይሰርሕ ከም ዘየሎ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ ስእነት ነዳድን ጥረገንዘብ’ውን ምህላው ሓቢሩ።
“ስለዚ እዚ ኣብ ጥዕና ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ክትግምቱ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ኮነ ኢሉ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ክልከላታት ይገብር ምህላው ንዝገልጽ ክሲ ይነጽጎ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ጥብቆ ምርኣይ ይከኣል።
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብርዎ ድማ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሩ ማእከላት ጥዕና ኣስታት 75 ሚኢታዊት ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ከም ዝተገበረ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ወርሒ መጋቢት ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀረባ ከም ዝሓበሮ ኣብ ትግራይ እቲ እንኮ ሕጽበት ኩሊት ዝህብ ዝነበረ ሆስፒታል ዓይደር ብምኽንያት ሕጽረት መድሓኒት ኣገልግሎት ተቛሪጹ እዩ፡፡
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ሕጽበት ዝግበረሎም ዝነበሩ 32 ተሓከምቲ ህይወቶም ንሓደጋ ክቃላዕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







