ኣብ ትግራይ ሰባት ብሰንኪ ስእነት መድሃኒት ይሞቱ ከምዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ደሃይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስድርኡ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነቲ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ጀኔቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ከበባ ምህላው ተዛሪቡ።

“መድሃኒት የሎን - ሰባት ይሞቱ ኣለው፤ መግቢ የለን - ሰባት ብዓጸቦ ተጠቒዖም ኣለው” ኢሉ።

መስመራት ቴለፎን’ውን ይሰርሕ ከም ዘየሎ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ ስእነት ነዳድን ጥረገንዘብ’ውን ምህላው ሓቢሩ።

“ስለዚ እዚ ኣብ ጥዕና ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ክትግምቱ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ኮነ ኢሉ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ክልከላታት ይገብር ምህላው ንዝገልጽ ክሲ ይነጽጎ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ጥብቆ ምርኣይ ይከኣል።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብርዎ ድማ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ይርከብ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሩ ማእከላት ጥዕና ኣስታት 75 ሚኢታዊት ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ከም ዝተገበረ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ወርሒ መጋቢት ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀረባ ከም ዝሓበሮ ኣብ ትግራይ እቲ እንኮ ሕጽበት ኩሊት ዝህብ ዝነበረ ሆስፒታል ዓይደር ብምኽንያት ሕጽረት መድሓኒት ኣገልግሎት ተቛሪጹ እዩ፡፡

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ሕጽበት ዝግበረሎም ዝነበሩ 32 ተሓከምቲ ህይወቶም ንሓደጋ ክቃላዕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ፡፡