ኮሮናቫይረስ 180 ሽሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና ቀቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራሕተኛታት ጥዕና ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዮም ከም ዝተጠቕዑን ካብ 80 ክሳብ 180 ሽሕ ክኢላታት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ክሳብ ግንቦት 2021 ዝተመዝገበ'ዩ። ኣብ ዓለም 135 ሚሊየን ሰራሕተኛታት ጥዕና ከም ዘለው ይግመት።
ኣብቲ ዝወሃብ ዘሎ ክታበታት ሰራሕተኛታት ጥዕና ቐዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ ዝበለ ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝርግሐ እቲ ክታበት ዝርአ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ኮኒኑ።
ዶክተር ቴድሮስ ካብ 119 ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ ብምጥቃስ "ብማእኸላይ ገምጋም ኣብ ዓለም 40 ሚኢታዊት ሰራሕተኛታት ጥዕና ጥራይ ከም ዝተኸተቡ የመልክት። እዚ ንርእሱ በብዞብኡን ቑጠባዊ ዓቕምን ዝተፈላለየ'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ኣፍሪቃ ትሕቲ 1/10፤ ልዑል እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ድማ 8/10 ሰራሕተኛታት ጥዕና ከም ዝተኸተቡ ሓቢሩ።
ድኻ ሃገራት እኹል ክታበት ክረኽባ እንተዘይክኢለን፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ክሳብ 2022 ክዘልቕ ይኽእል'ዩ" ክብል'ውን እቲ ውድብ ኣተሓሳሲቡ።
ትማሊ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ትካል ብሰንኪ ሕጽረት ክታበታት: እቲ ለበዳ ክሳብ 2022 ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ምስቲ 40 ሚኢታዊት ህዝበን ክኽተብ ዝገበራ ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ኣፍሪቃ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ'ዩ ክታበት ወሲዱ።
መብዛሕትኡ ክታበታት ልዑል ወይ ማእከላይ እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ከም ዝተዘርግሐ ይግለጽ።
ኣፍሪቃ በቲ ንድኻን ትሑት እቶት ዘለወንን ሃገራት ክታበት ክመራቓሕ ዝገብር ዓለማዊ ኣሰራርሓ ኮቫክስ 2.6 ሚኢታዊት ክታበታት ጥራይ'ያ ተረኪባ።
መብዛሕትአን ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ግን ምስ ኩባኒያታት ምፍራይ ኣፋውስ ዝገበርኦ ስምምዓት ክገትእኦ ጀሚረን ኣለዋ።
ኮቫክስ፡ ምምርቓሕ ክታበት ክጅምር እንከሎ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክልተ ቢሊየን ክታበታት ከብጽሕ መደብ ነይሩዎ፤ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ 371 ሚሊየን ክታበታት ጥራይ'ዩ ክዝርግሕ ክኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







