ኮቪድ-19፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2022 ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝቕጽል ኣጠንቂቑ

ክታበት ብመንግዲ ኮባክስ ናብ ሱዳን እናኣተወ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክታበት ብመንግዲ ኮባክስ ናብ ሱዳን እናኣተወ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ድኻታት ሃገራት ክታበት ከምድላየን ይረኽባ ስለዘየለዋ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ 2022 ክዘልቕ ከምዝኽእል ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ ዶክተር ብሩስ ኣይዋርድ ኣጠንቂቑ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ትሕቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ጥራይ ክኽተብ እንከሎ፡ ካልኦት ኣህጉራት ግን ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ካብ ህዝበን ከቲበን'የን።

እታ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንድኻታት ሃገራት ከምእትልግስ ዝተመባጸዐት ዓባይ ብርጣንያ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጥራይ ሂባ ኣላ።

ዶክተር ብሩስ ኣይዋርድ፡ ትካላት ኣፍረይቲ ክታበት ቀዳምነት ንድኻታት ሃገራት ንኽህባ፡ እተን ሃብታማት ሃገራት ድማ ንድኻታት ሓለፋ ክህባ ተላብዩ።

ብታማት ሃገራትን ጉጅለ ጂ7 ን እቲ ከወፍይኦ ዝተመባጽዐኦ ክታበታት ከወፍያ ብምልባው "እመኑኒ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ንኸይድ የለናን፡ ልዕሊ እቲ ንኸዶ ዘለና ምቅለጣፍ ከድልየና'ዩ፡ እዚ እንተዘይገይርና እዚ ለበዳ ልዕሊ እቲ ዝግብኦ ክሓቑነና'ዩ" ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ክታበታት'ዩ ንኮቫክስ ተረኪቡ ዘሎ?

ሓዲሽ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ካብቲ ብሃብታማት ሃገራት ዝተመባጽዐ ክታበታት ሓደ ካብ ሸውዓተ ጥራይ እዩ ኣብ ኢድ እተን ድኻታት ሃገራት ኣትዩ ይብል።

ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝፈረየ ክታበታት፡ እተን ሃብታማት ሃገራት ነቲ ዝበዝሐ ክወስድኦ እንከለዋ፡ ኣፍሪቃ ካብ ጠቕላላ ዝፈረየ ክታበታት ጸረ ኮሮናቫይረስ 2.6 ሚኢታዊት ጥራይ እያ ረኺባ።

እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ካናዳን ዓባይ ብርጣንያን ካብቲ ንድኻታት ሃገራት ክታበት ከከፋፍል ዝቖመ ኮቫክስ ክታበት ክረኽባ ምሕታተን ነቒፉ።

ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብዚ ዓመት እዚ ዓባይ ብርጣንያ 539,370 ብልቃጥ ፒፋይዘር፡ ካናዳ ኸኣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣስትራ ዘኔካ ተቐቢለን።

ኣማኻሪ ኦክስፋም ሮሂት ማልፓኒ ብዛዕባ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ካብ ኮቫክስ ክታበት ክቕበላ ኣይነበረንን ምኽንያቱ እዘን ሃገራት እዚአን ዝኣክል ክታበታት ሒዘን ዘለዋ'የን፡ ዝያዳ ኸኣ እተን ካብ ኮቫክስ ዝጽበያ ሃገራት ድሕሪት ንኽተርፋን እቲ ቅልውላው ናይ ኮቪድ 19 ነዊሕ ንኽጸንሕን እየን ዝገብራ ዘለዋ" ኢሉ።

መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ፡ ኮቫክስ ንኽምስረት መጀመርታ 548 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘወፈየ ክገልጽ እነከሎ፡ መንግስቲ ካናዳ ብወገኑ፡ ካብ ኮቫክስ ክታበት ምቅባል ከምዘቋረጾ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዓለምለኻዊ ምዕባለ ካናዳ ካሪና ጎልድ "ብመሰረት ምስ ኮቫክስ ዘለና ክልተኣዊ ስምምዕ እቲ ንህዝብና ዝኣክል ክታበት እንተረኺብና እቲ ካብ ኮቫክስ ዝተቐበልናዮ ክታበት ናብ ኮቫክስ ክንመልሶ ኢና፡ ብድሕሪኡ ናብተን ድኻታት ሃገራት ክከፋፈል ይኽእል እዩ" ኢላ።

ኮቫክስ ካብ መጀመርትኡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት 2 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብተን ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራት ከከፋፍል ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ 371 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ጥራይ እዩ ከከፋፍል ክኢሉ ዘሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ክታበት ፓስፖርት እንታይ’ዩ?