ክታበት ኮቪድ-19 ጽባሕ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, LIA TADESSE TWITTER PAGE
ቀዳማይ ዙር ክታበት ኮቪድ-19 ጽባሕ ብኣቆጽራ ኢትዮጵያ 28/06/13 ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ፡፡
እቲ ካብ ኮቫክስ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ጥምረት ዝተረኸበ ክታበት 2.2 ሚልዮን ብልቃጥ ከምዝኾነ እዩ መረዳእታ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕናን ዘመልክት፡፡
እቲ ክትባት ብቐዳምት ክወስዱ ዝግበኦም ሰብሞያ ጥዕናን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ናይ ምምማይ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ እውን ተገሊጹ ኣሎ።
ቅድም ኢሉ ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ እቲ ክታበት ተቐላዕቲ ተባሂሎም ንዝተፈለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ቐዳምነት ከምዝወሃብ ዝገለጸት ኮይና ሰብሞያ ጥዕናን ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ኣካላትን ተጠቀስቲ እዮም ኢላ ነይራ።
ብተወሳኺ ከይዲ ኣወሃህባ ክታበት ስሉጥ ንምግባር ሓይሊ ዕማም ከምዝተጣይሸ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።
ኮሚቴ ኣተሓባባሪ ክታበት ኮቪድ-19፡ ነቲ ክታበት ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታውን ንምብጻሕን ዝግበር ዘሎ ምድላው ኣመልኪቱ ትማሊ ዘተ ዘካየደ ኮይኑ፡ ኣጠቓላሊ ከይዲ ስራሕቲ ከምዝገምገመ ኢንስቲትት ሕብረተሰብ ጥዕና ሓቢሩ፡፡
ኮቫክስ አንታይ እዩ?
ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ካብ ዝጅምር፡ ሃብታም ሃገራት ብበዝሒ ብምሽማት ዜጋታተን ኣብ ምኽታብ ተዋፊረን ኣለዋ።
ኮቫክስ ድማ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ክታበት ክረኽብ ንምግባር ብውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝተጣየሸ ተበግሶ (ኢኒሼቲቭ) እዩ፡፡
እቲ ብዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምራሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዘርገሖ መስርሕ ድኻ ሃገራት ክታበት ቀልጢፈን ክረኽባ ንምግባር ይጓየይ እዩ ዘሎ፡፡
ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ተበግሶ ተቐቢለነኦ እየን፡፡
ብመሰረት እቲ ተበግሶ ሃብታም ሃገራት ንድኻ ሃገራት ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብራ ኮይነን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ን 190 ሃገራት ክልተ ቢልዮን ክታበት ንምብጻሕ ተተሊሙ ኣሎ፡፡
ብፍላይ እተን ድኻታት ዝበሃላ 92 ሃገራት ምስተን 98 ሃብታም ሃገራት ማዕረ ክታበት ክረኽባ ክግበር እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ናይዚ መደብ ተጠቀምቲ እየን፡፡
ኣፍሪቃ በዚ ኢኒሸቲቭ 220 ሚልዮን ክታበት እትረክብ እያ፤ ከም ሰኔጋል ዝበላ ውሑዳት ሃገራት ግን ካብዚ ወጻኢ ክታበት ረኺበን እየን፡፡
ዛጊድ እቲ ፕሮግራም ንክታበት ዝኸውን 6 ቢልዮን ዶላር ዝኣከበ ኮይኑ፡ ተወሳኺ 2 ቢልዮን ከምዘድልዮ እዩ ዝግለጽ፡፡
ዋላኳ እቲ ፕሮግራም ስሉጥ ኣይኮነን ተባሂሉ እንተተወቐሰ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ግን እቲ ኣብ ጋና በጺሑ ዘሎ ክታበት ፈላማይ እዩ ይብሉ፡፡
ኮቫክስ ኣብ መወዳእታ 2021 ኣቆጻጸራ ኣውሮጳ፡ 2 ቢልዮን ክታበት ንምግዛእ መደብ ሒዙ ኣሎ፡፡
ንግዚኡ ንኣፍሪቃ ዝባጻሕ 270 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ብሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺቡ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡
እቲ ዝተረኸበ መድሃኒት ኣብዚ ዓመት ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡
እዚ ክታበት ካብቲ ቅድም ክብል ቃል ዝተኣተወ 600 ሚልዮን ብልቃጥ ተወሳኺ እኳ እንተኾነ፡ ንምልእቲ እታ ኣህጉር ንምኽታብ ግን እኹል ኣይኮነን፡፡
በዚ ድማ ክታበት ኣብ ምርካብ ድኻ ሃገራት ድሕሪት ከይተርፋ ስግኣት ኣሎ፡፡
ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ምስ ትካል ምትሕብባር ክታበት ብምዃን ክሳብ መወዳእታ 2021 ኣስታት 20 ምኢታዊት ዜጋተተን ንምኽታብ ይሰርሓ ከምዘለዋ ምግላጻ ዝዝከር እዩ፡፡
ዋላኳ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ውሑድ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ግና ሐዚ እውን መልክፍቲ እናወሰኸ እዩ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ቁጽሪ መልከፍቲ ዝውስኽ ዘሎ ኮይኑ፡ ዛጊድ 164 ሽሕን 73 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፡ 2 ሽሕን 404 ሞይቶም እዮም፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







